Wednesday , May 15 2024

ካብዝን ካብትን

ብዝሒ ህዝቢ ማልመ፡ ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ

ብዝሒ ተቐማጦ ከተማ ማልመ፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ብምብጽሑ፡ እቲ መጠን ወሰኽ፡ ምስ ናይ ዮቶቦሪን ስቶክሆልምን ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቀንዲ ምኽንያት ምውሳኽ ቁጽሪ ነበርቲ ከተማ ማልመ፡ ብዙሓት ህጻናት ብምውላዶምን ብተወሳኺ ድማ ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብታ ከተማ ክነብሩ ብምምራጾም እዩ ክብል እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ዓመተ 2020፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብዛ …

Read More »

ዋና ጸሓፊ UN: ብዛዕባ ኣፍጋኒስታን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

 ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ኣፍጋኒስታን ንምርዳእ ሓገዙ ከወፊ ዋና ጸሓፊ UN ኣንቶንዮ ጉተረዝ ጸዊዑ። ኣብታ ሃገር መጠን ድኽነት ምውሳኹን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዙሓት ሰባት ብዘይ መግቢ ክተርፉ ምዃኖምን እቲ ዋና ጸሓፊ ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ’ሎ።   ኣፍጋኒስታን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘይምርግጋእን ስቅያትን ድሕሪ ምሕላፋ ሕጂ ድማ ዝኸፍአ ኲነታት ብቕድሜኣ ይጽበያ ኣሎ ኢሉ።   ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቊጽጻሮም ናብታ ሃገር ዋጋ መግቢ ብናብሪ ምውሳኹን …

Read More »

ኖርዌይ፥ ብምኽንያት ለበዳ: ውጽኢት ምርጫ ክደናጐ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ብምኽንያት ለበዳ: ካርድ ምርጫ ዝቖጽሩ ዘለዉ ሰባት ኣብ መንጎ ሕድሕዶም ርሕቀቶም ክሕልዉን ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብሩን ኣለዎም። እዚ ማለት ውጽኢት ምርጫ ኖርዌይ ንኽግለጽ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ክብል ኣብ ሚኒስትሪ ምምሕዳር ከተማን ምዝማንን ሓላፊ ክፍሊ ሲሪ ዶልቨን ገሊጹ’ሎ።   ነዚ ስራሕ ቅልል ዝበለ ንምግባር: ምምሕዳራት ከተማ: ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሎም: ናይ ምቚጻር ካርድ ስርሖም ክጅምሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።   ኣብ ነቚጣታት …

Read More »

ሰሜን ኮርያ: ሓድሽ ፈተነ ሚሳይል ኣካዪዳ 

ሰሜን ኮርያ: ብምኽንያት መበል 73 ልደት እታ ሃገር: ፈተነ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ሚሳይል ምክያዳ KCNA ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ: መራሒ ሰሜን ኮርያ “ኣብ ዓለም ኣዝዮም ዝሓየሉ” ምዃኖም ዝገለጾም ኣጽዋር ኣብ ምርኢት ሰልፊ ቀሪቦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።   “እዚ ሰሜን ኮርያ ንጐረባብታን ኣህጒራዊ ማሕበረሰብን ጸጥታዊ ስግኣት ምዃና ዘርኢ ተግባር እዩ” ክብል ፔንታጎን ሓቢሩ’ሎ።   እዚ …

Read More »

ፈረንሳ፥ ዜግነት ሂባ

ፈረንሳ ኣብ እዋን ለበዳ ዓብዪ ኣበርክቶ ጌሮም ንዝበለቶም 12012 ዝኾኑ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዜግነት ምሃባ ተገሊጹ። መላእ ሃገር ኣብ ዕጽዋ እናሃለወት እዞም ሰብ ሞያ ኣብ ቅድመ ግንባር ብምዃን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና፥ ምቕባል ገንዘብ፥ ጽሬትን ሓለዋ ጸጥታን ብምውፋር ዓብዪ ኣገልግሎት ሂቦም እዮም።   “እዞም ሰራሕተኛታት ንሃገርና ኣብታ ዝሓመቐት እዋን በጺሖምላ እዮም። ሃገርና ነዚ ምስጋናኣ እትገልጸሉ ኣገባብ እዩ” ክብል ሚኒስተር ዜግነታዊ ጒዳያት ነቲ …

Read More »

ክልተ ኣሕሉቕ ቤት ትምህርቲ ፤ ከም እንደገና ክምደቡ እዮም

  ክልተ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከቡ ምክትል ሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ: ብሰንኪ ብዛዕባ ሓደ ኣባል መልኪቶም ኣኼባ ድሕሪ ምክያዶም፤ ብዛዕብኡ ዘይቅቡል ፍርዲ ብምትሕልላፎም፤ ካብ መዝነቶም ከም ዝእለዩ ኮይኖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕል፤ ናብቲ ዝምልከቶ ኣባል፤ ኢ መይል ኣብ ዝሰደደሉ እዋን፤ ኣብቲ ኣኼባ ዝሓዝዎ ደቓይቕ፤ ብዘይፍላጥ ምስቲ መልእኽቲ ብምኻዱ፤ ኣብቲ ዝተታሕዘ ደቓይቕ፤ ብዛዕባ እቲ ኣባል ዝተዘራረብዎን ርእይቶ ዝሃብዎን ነጥብታት …

Read More »

መበል 36 ሰሙን: ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ክሳብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ መስከረም ዘሎ ግዜ፤ 646 ሰባት፤ ስራሕ ናይ ምቁራጽ መጠንቀቕታ ክወሃቦም እንከሎ፤ ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ስራሕ ከምዝተቖጽሩ ቤት ጽሕፈት ኣርቤፎትስርሜድሊንየን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ መበል 36 ሰሙን፤ 8762 ሰባት ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ብምምዝጋቦም ንብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ናብ 397,660 ክብ ብምባል ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት 7.7% ከምዝኸውን ገይሩ ኣሎ። 9,768 ሰባት፤ ስራሕ …

Read More »

ብመንገዲ ኦንላይን ዝዕመጹ ህጻናት፥ ቁጽሮም እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ

ፖሊስ ሽወደን፥ ብመንገዲ ኦንላይን ናይ ዝተዓመጹ ህጻናት ብዝምልከት፥ ዝመጾ ዘሎ ቁጽሪ ጥርዓናት እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ፥ 1432 ጥርዓናት፥ ናብ ፖሊስ ከምዝበጸሐ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ቁጽሪ፥ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፥ ብ1000 ከምዝወሰኸ ይንገር። እቲ ቁጽሪ፥ ብናህሪ ምውሳኹን፥ ዝሓሸ ምንጭታት እንተዝርከቡ ነይሮም፥ እቲ ቁጽሪ፥ …

Read More »

Harmony Media News 13/09/2021

Read More »

ግሪኽ: ነፈርቲ ኲናት ፈረንሳ: ትሽምት

ግሪኽ: ሽዱሽተ Rifale ዝተሰምያ ነፈርቲ ኲናት: ካብ ፈረንሳ ክትሽምት ዓብዪ ውዕል ምፍጻማ መንግስታት ኣቴንስን ፓሪስን ኣረጋጊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ግሪኽ: ኣቐድም ኣቢላ 18 ነፈርቲ ውግእ ፈረንሳ ሸሚታ ከም ዝነበረት ጸብጻባት የመልክቱ። ሓቀኛ ናጽነት ኣውሮጳ: ክንፈጥር ብሓባር ንሰርሕ ኣሎና: ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ: ፍሎረንስ ፓርሊ: ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊጹ’ሎ። ብተመሳሳሊ: ግሪኽ ምስ ኣመሪካ: ዘለዋ ስምምዕ ምክልኻል: ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com