Saturday , April 27 2024
The police are receiving an increasing number of cases of child abuse via the internet. (AP Photo/Wilfredo Lee) NY538

ብመንገዲ ኦንላይን ዝዕመጹ ህጻናት፥ ቁጽሮም እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ

ፖሊስ ሽወደን፥ ብመንገዲ ኦንላይን ናይ ዝተዓመጹ ህጻናት ብዝምልከት፥ ዝመጾ ዘሎ ቁጽሪ ጥርዓናት እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ፥ 1432 ጥርዓናት፥ ናብ ፖሊስ ከምዝበጸሐ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ቁጽሪ፥ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፥ ብ1000 ከምዝወሰኸ ይንገር።
እቲ ቁጽሪ፥ ብናህሪ ምውሳኹን፥ ዝሓሸ ምንጭታት እንተዝርከቡ ነይሮም፥ እቲ ቁጽሪ፥ ዝለዓለ ምኾነ ነይሩ ክብል ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፥ ቢዮርን ሰልስትሩም፥ ገሊጹ።
ዝያዳ እንተፈቲሽካ፥ ዝያዳ ገበናት አናረኸብካ ትኸይድ፥ እዚ ኩነት ድማ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ክብል፥ ቢዮርን፥ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ኣብ ከባቢ ህጻናት ዘለዉ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፥ ንኩነታቶምን ምስ ኢንተርኔት ዘለዎም ርክባትን ክከታተሉ ክቆጻጸሩን ይግባእ ክብል ሓላፊ ጉጅለ ፖሊስ ኣብ በርግስላገን፥ ሎቲ ሀደንቦሪ፥ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com