Friday , April 26 2024
France thanks those who were "there for the nation" during the pandemic, Minister Marlène Schiappa said (AP Photo/Michel Euler) XFM106

ፈረንሳ፥ ዜግነት ሂባ

ፈረንሳ ኣብ እዋን ለበዳ ዓብዪ ኣበርክቶ ጌሮም ንዝበለቶም 12012 ዝኾኑ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዜግነት ምሃባ ተገሊጹ። መላእ ሃገር ኣብ ዕጽዋ እናሃለወት እዞም ሰብ ሞያ ኣብ ቅድመ ግንባር ብምዃን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና፥ ምቕባል ገንዘብ፥ ጽሬትን ሓለዋ ጸጥታን ብምውፋር ዓብዪ ኣገልግሎት ሂቦም እዮም።

 

“እዞም ሰራሕተኛታት ንሃገርና ኣብታ ዝሓመቐት እዋን በጺሖምላ እዮም። ሃገርና ነዚ ምስጋናኣ እትገልጸሉ ኣገባብ እዩ” ክብል ሚኒስተር ዜግነታዊ ጒዳያት ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

 

ሓደ ካብቶም ኣብ እዋን ለበዳ እተኣታተዉ ሕጊታት ማሕበራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ሞያ እተዋፈሩ ወጻእተኛታት ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዜግነት ፈረንሳ ክሓቱ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com