Friday , April 26 2024

መበል 36 ሰሙን: ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ክሳብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ መስከረም ዘሎ ግዜ፤ 646 ሰባት፤ ስራሕ ናይ ምቁራጽ መጠንቀቕታ ክወሃቦም እንከሎ፤ ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ስራሕ ከምዝተቖጽሩ ቤት ጽሕፈት ኣርቤፎትስርሜድሊንየን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ መበል 36 ሰሙን፤ 8762 ሰባት ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ብምምዝጋቦም ንብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ናብ 397,660 ክብ ብምባል ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት 7.7% ከምዝኸውን ገይሩ ኣሎ።
9,768 ሰባት፤ ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ፤ 2427 ድማ ስሩዕ ልምምድ ጀሚሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com