Tuesday , May 21 2024

ካብዝን ካብትን

ምሕደራ ሽወደን . . . 6ይ ክፋል . . . ባጀትን ሕጋዊ ኣካይዳን

ናይ ዝቕጽል ዓመታዊ ባጀት ናይ ማእከላይ መንግስቲ ንምድላው፡ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝወስድ ጉዳይ እዩ። እቲ መስርሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምዕባለታት ናይታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ መብርሂ ናብ መንግስቲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ ዝጅመር። ብዛዕባ ባጀት ማእከላይ መንግስቲ ብዝምልከት ድማ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝግበሩ ምርርባት ዝካየዱሉ እዋን ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዮ። ሓፈሻዊ ኣተኩሮ ኣብ ልዕሊ መደባት ናይ ዝመጽእ ዓመት፡ …

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . 5ይ ክፋል . . . መንግስታዊ ትካላት

ነፍሲ ወከፍ ሚኒስትሪ፡ ነቶም ብመንገዲ ባይቶን መንግስትን ውሳኔ ንዝተበጽሐሎም ዋኒናት ንምትግባር ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ መንግስታዊ ትካላትን በዓል መዝታትን ሙሉእ ሓላፍነት ኣለዎ። ከም በዓል መዚ ጉዳይ ስደተኛታት ሽወደንን በዓል መዚ መኽፈሊ ግብሪ ሽወደንን ዝኣመሰሉ፡ ኣብነት ናይ መንግስታውያን በዓል መዝታት እዮም። መንግስቲ ሽወደን ነዞም መንግስታውያን ትካላት ኣንፈት ናይቲ ዓመታዊ ናይ ባጀት ዋሕዚ ኣመልኪቱ መምርሒ ይህቦም።  እቶም መንግስታውያን ትካላት ድማ ንሸቶታት ናይቶም ትካላት …

Read More »

ህንዲ፡ ሓደ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ሓድሽ ታጅ ማሃል ይሃንጸላ

52 ዝዕድሜኡ ህንዳዊ ነጋዳይ፡ ነታ 27 ዝዕድሜኣ በዓልቲ ቤቱ ንምሕጓስ፡ ቅዳሕ መስጊድ ታጅ መሃል ሃኒጹላ። እዚ ኣናንድ ፕራከሽ ቾክሴ፡ ዝተሰምየ ህንዳዊ ነዚ ህያብ ፍቕሪ ኢሉ ዝሰመዮ ኣብ ከተማ ቡርሃንፑር ኣውራጃ ማድያ ፕራደሽ እዩ ሃኒጽዎ። ንሱ “እዚ ህንጻ ብቐንዱ ንዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ ካብኡ ሓሊፉውን ንተቐማጦ እታ ከተማ እዩ” ክብል ን ቢቢሲ ገሊጹ’ሎ። እዚ ህንጻ ንኽውዳእ ኣስታት 20 ሚልዮን ሩፒ (260 ሽሕ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) …. ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ክፋልን

ብኻልእ መገዲ ኪረአ ከሎ፡ ኣብ ፍጥረት ፍልይ ዝበለ፡ ካብቲ ልሙድ ሕጊ ዝወጸ ፍጻመታት ወይ ክስተታት ወይ ባህርያት ኪህሉ ግድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ዩኒቨርስ፡ እቲ ሕጊ’ውን ከምኡ ደረት ኪህሉዎ ኣለዎ ኪብሃል ኣይከኣልን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ድማ እቲ ከም  ብላክ ሆል (Black hole ) ዚፍለጥ ኮዝሚካዊ ክስተት ኢዩ። ገለ ተመራመርቲ ከም ዚብሉዎ፡ ኣብ ብላክ ሆል ኩሉ ነገራት ብግልብጥ ኢዩ …

Read More »

Harmony Media News 03/12/2021

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . 4ይ ክፋል . . . መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት (Government Offices) ኣብ ስራሕ ክውዕል ከሎ

መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት (Government Offices) ከም ሓደ ኣካል ናይ መንግስቲ ዝዓዪ ኮይኑ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምሕደራ እታ ሃገር ዝድግፍን እቶም ፖሊሲታት ናይታ ሃገር ንኽዕወቱን ዝሕግዝን መንግስታዊ ትካል እዩ። መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት፡ ንቢሮ ቀዳማይ ሚኒስቴር፣ ነቶም ካልኦት ሚንስትሪታትን ንቢሮ ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ዘካትት ኣካል ናይቲ መንግስቲ እዩ። እዚ ቢሮ’ዚ፡ ናብ 4,500 ዝጽግዑ ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ኾይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 200 ናይ ፖለቲካ ሹመኛታት …

Read More »

ማዳጋስካር፡ ጠንቂ ቅልውላው መግቢ፡ ክሊማዊ ለውጢ ኣይኮነን ተባሂሉ

ኣብ ማዳጋስካር ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መግቢ፡ ምስ ምልዋጥ ክሊማ ምንም ምትሕሓዝ ከም ዘይብሉን ብኻልኦት ረቛሒታት ከም እተኸስተን ነቲ ጒዳይ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣቐድም ኣቢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ እዚ ቅልውላው መግቢ፡ ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ እዩ። ጠንቂ ናይዚ ቅልውላው፡ ድኽነትን ምስ ዓለማዊ ምቅይያር ክሊማ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ዘይምቹእ ክሊማዊ ኲነታት ምዃኑ እዚ ብጒጅለ ኣህጒራውያን ተመራመርቲ …

Read More »

ኬንያ . . . ፕረዚደንት ኡሁሩ ሕሳብ ብምግጋዩ፡ መዛረቢ ኮይኑ

ፕረዚደንት ኬንያ፡ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ናይ ሸሞንተ ዓመት ዘመነ ስልጣኑ ዘዐወቶም መደባት፡ ብኣሃዝ እናጠቐሰ ገዚፍ ናይ ሕሳብ ጌጋታት ብምግባሩ፡ ኬንያውያን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን መዛረቢ ኣራእስቲ ጌሮሞ ምህላዎም ቢቢሲ ሓቢራ። ንሱ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብክሳራ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ኮሚሽን ስጋ ኬንያ፡ ክበራበር ብምግባሩ ንሰራዊት እታ ሃገር ምስጋና እኳ እንተቕረበ ዝዘርዘሮ ኣሃዛት ገዚፍ ናይ ምድማር ጒድለት ከም ዝነበሮ ብምጥቃስ ኬንያውይና መዛረቢ ዛዕባ …

Read More »

ኣመሪካ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምንጻል ጥንሲ ንዝውስን ናይ ግዜ ገደብ፡ ደጊፉ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ድሕሪ 15 ሳምንቲ ጥንሲ ድቂ ከይንጸል ዝድንግግ ሕጊ ሚሲሲፒ ብምድጋፍ፡ ካብዚ ግዜ ዝሓልፍ ምንጻል ጥንሲ ብሕጊ ክእግድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ጥንሲ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ወይ ናይ ኣዝማድ ጾታዊ ርክብ እውን ዝተፈጥረ እንተኾነ እዚ ሓድሽ ሕጊ ዝምልከቶ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝበዝሑ ዓቃባውያን ኣመሪካውያን ነዚ ብረቡዕ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ዝጸደቐ ውሳነ ከም ዝድግፍዎ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ ሕጊ ኣብ …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ኦስትርያ ነበር፡ ካብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ተፋንዩ

ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ኦስትርያ፡ ቻንስለር ሰባስቲያን ክሩዝ፡ ካብ መሪሕነት ሰልፉ ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝተፋነወ ጋዜጣ Die Presse newspaper ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሰባስቲያን ክሩዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብሰንኪ ክሲ ብልሽውና፡ ካብ መዝነት ቻንስለር ከም ዝተፋነወ ይዝከር። ብመሰረት እታ ጋዜጣ፡ ሰባስትያን ክሩዝ፡ ካብ መሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፉ ÖVP ን ካብ ኣባልነት ሃገራዊ ሽማግለን ክፋኖ ምዃኑ ንኣባላት ሰልፉ ከምዝሓበረ ገሊጻ። ሰባስትያን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com