Tuesday , May 21 2024

ካብዝን ካብትን

ኢትዮጵያ … ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ: ናብ ግንባር ክኸትት እየ ይብል

ኣዝዩ ህቡብ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ ናብ ግንባር ክኸትት እየ ኢሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ብምኻድ ነቲ ኲናት ክመርሖ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ብዘይካዚ ንፈሊሳ ለሊሳ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝና ዝረኸቡ ኢትዮጵያውያን ተመሳሳሊ ቃል ይኣትዉ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ክኸይድ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ ዛጊት ብስእሊ ዝተደገፈ ሓበሬታ ክርከብ ከም ዘይተኻእለ ዝገለጸ …

Read More »

ኒውዚላንድ፥ ዝተኸትቡ በጻሕቲ ክኣትዉ ክትፈቅድ እያ

ድሕሪ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ እንጽንብላ ሓዳስ ዓመት፡ ኒውዚላንድ ንዝተኸትቡ በጻሕቲ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ከም እትፈቅድ ዕላዊ ጌራ’ላ። እዞም በጻሕቲ ካብ 1 ሚያዝያ ኣትሒዞም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከም ዝኽእሉን ንሸውዓተ መዓልታት ናይ ውሸባ ግዜ ከሕልፉ ከም እተወሰነን ተገሊጹ። ብዘይካዚ ተመሳሳሊ ሕጊታት ብምትግባር ኒውዚላንዳውያን ኣብታ ሃገር ክጓዓዙ ክፍቀደሎም ምዃኑ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

Harmony Media News 22/11/2021

Read More »

ቡልጋርያ .. . . ብሓደጋ ባርዕ ኣውቶቡስ፡ ዓሰርተታት ይሞቱ

ኣብ ምዕራብ ቡልጋርያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ብውሕዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቓ ቦስነክ ዝረባህለት ገጠር ከም ዘጋጠመን፡ ካብዞም ግዳያት፡ ገሊኦም ህጻውንቲ ምዃኖም በዓልመዚ ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር፡ ኒኮላይ ኒኮሎቭ፡ ን ኣገልግሎት ዜና BTA ሓቢሩ’ሎ። እታ ኣውቶቡስ፡ ካብ ቱርኪ ናብ ሰሜን ማቆዶንያ እናተጓዕዘት እዩ እቲ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ። እታ …

Read More »

ኢትዮጵያ . . . ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ግንባር ክኸይድ እየ ይብል

ዓመት ዝወሰደ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፍደገ ኣዲስ ኣበባ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንግንባር ንምውራድ ክፋለም ምዃኑ ትማሊ ገሊጹ። ካብ ጽባሕ ኣትሒዘ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ሃገርና ኣብ ግንባር ክህሉ እየ፡ ክብል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ፖስት ገሊጹ። ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓባር ብምውፋር ስምኩም ኣብ ታሪኽ ክጸሓፍ እትደልዩ ተለዓሉ፥ ኣብ ግንባር የራኽበና ክብል ወሲኹ ጸዊዑ። …

Read More »

ው.ሕ.ሃ. . . . 420 ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ድሒኖም

ብቐዳም፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ዝነበሩ 420 ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ሓደገኛ ኩነታት ባሕሪ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕልላፎም፡ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጣልያን፡ ከም ዝደሓኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ መጀመርታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ኤውሮጳ ብጃልባ ገይሮም ክሰግሩ ዝፍትኑ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ጃልበኦም ድሕሪ ምብልሻዋ፡ 75 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 15 …

Read More »

ኣፍጋኒስታን . . . ደቀንስትዮ ኣብ ድራማ ተሌቪዥን ከይቀርባ: ጣሊባን ሓጊጎም

ደቀንስትዮ ኣብ ድራማ ተሌቪዥን ከይቀርባ መንግስቲ ጣሊባን ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ ከልኪሉ’ሎ። ብዘይካዚ ደቀንስትዮ ጋዜጠኛታትን ኣቕረብቲን ተሌቪዥን እታ ሃገር ብግቡእ ክሽፈና ከም ዘለወን እቲ ሕጊ ኣቐሚጡ’ሎ። እቲ ዓይነት ምሽፋን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ እቲ ሕጊ ዛጊት ኣየብርሀን ኣሎ። እቲ ሕጊታት ዘይብሩህን ንዝተፈላለዩ ትርጒማት ክፉት ክኸውን ከም ዝኽእልን ጋዜጠኛታት ኣታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ። ጣሊባን: ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንመላእ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቊጽጻሮም: ኣብታ …

Read More »

ቻይና . . . ኮኾብ ተጻዋቲት ቴኒስ: ደሓን ኣለኹ ትብል

ቻይናዊት ተጻዋቲት ተኒስ: ፔንግ ሹዋይ: ትማል ሰንበት ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ቪድዮ ሓበሬታ: ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላዋ ምግላጻ: ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሊምፒክስ ሓቢሩ። ፕረዚደንት እታ ኮሚተ: ቶማስ ባኽ: ምስታ ኮኾብ ተጻዋቲት ን 30 ደቓይቕ ዝኸውን ግዜ ምዕላሉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። “ከመይ ትህሉ ኢልና ተሻቒልና ኔርና። ሕጂ ግና ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላዋ ኣረጋጊጽና ኣለና” ኢሉ። 35 ዓመት ዝዕድሜኣ ቻይናዊት ኮኾብ ተጻዋቲት ተኒስ: ፔንግ: ሓደ …

Read More »

ናይ ሱዳን ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ናብ መዝነቱ ተመሊሱ

እቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ምስ ወጣኒ እቲ ዕልዋ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፡ ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራሙ ናብ መዝነቱ ከም ዝተመልሰ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ርእሲ ከተማ ሱዳን፡ ኻርቱም፡ ቀትሪ ኣብ ዝነበረ ናዕቢ፡ ሓደ መንእሰይ ወዲ ተቐቲሉ።  ሓምዶክ፡ ነቲ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ስምምዕ ኣመልኪቱ፡ ንምፍሳስ ደም ናይ ሱዳናውያን …

Read More »

ኣሜሪካ . . . SUV ዝዓነታ መኪና፡ ናብ እኩብ ህዝቢ ጠኒና ኣትያ

ኣብ ከተማ ዋውከሻ፡ ምዕራብ ሚልዋኪ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 4:40 ድ.ቀ.፡ ሓደ በዓል SUV ዝዓይነታ መኪና፡ ናብቶም ክሪስማስ ክጽንብሉ ኢሎም ኣብ ጎደናታት ሰልፊ ዝገብሩን ዝዕዘቡን ዝነበሩ ሰባት ጠኒኑ ብምእታዉ፡ 5 ሰባት ክቐትል እንከሎ ኣስታት 40 ዝኾኑ ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ ወሪድዎም ኣሎ ክብል ዋና ኣዛዚ ፖሊስ፡ ዳን ቶምፕሰን፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጥ፡ ኣንጀሊቶ ተኖርዮ፡ ን ሚልዋኪ ሰንቲነል ጆርናል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com