Friday , April 26 2024
Firefighters and forensic workers inspect the scene of a bus crash which, according to authorities, killed at least 45 people on a highway near the village of Bosnek, western Bulgaria, (Minko Chernev/BTA Agency Bulgaria via AP) BGR102

ቡልጋርያ .. . . ብሓደጋ ባርዕ ኣውቶቡስ፡ ዓሰርተታት ይሞቱ

ኣብ ምዕራብ ቡልጋርያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ብውሕዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቓ ቦስነክ ዝረባህለት ገጠር ከም ዘጋጠመን፡ ካብዞም ግዳያት፡ ገሊኦም ህጻውንቲ ምዃኖም በዓልመዚ ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር፡ ኒኮላይ ኒኮሎቭ፡ ን ኣገልግሎት ዜና BTA ሓቢሩ’ሎ።

እታ ኣውቶቡስ፡ ካብ ቱርኪ ናብ ሰሜን ማቆዶንያ እናተጓዕዘት እዩ እቲ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ። እታ መኪና ናይ ሰሜን ማቆዶንያ መለለዪ ሰሌዳ ከም ዝነበራ ዝገለጸ እቲ ዜና እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ ብቐጻሊ መርመራ ተዓሺጉ ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሰሜን ማቆዶንያ፡ ዞራን ዜቭ፡ ብዛዕባ’ዚ ሓደጋ ንምዝርራብ፡ ምስ ቡልጋርያዊ መዘናኡ ክዘራረብ ምዃኑ ን BTV ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com