Wednesday , May 8 2024
Social Affairs Minister Lena Hallengren has now undergone the first part of cancer treatment. Thanks to digital meetings, she has been able to continue working. Foto Stina Stjernkvist / TT Kod 11610

ሃለንግረን፡ “ሰላምታኹም፡ ምዉቕ ነይሩ”

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃለንግረን፡ ናይ ጡብ መንሽሮ ከምዘለዋን ሕክምና ክትጅምር ምዃናን ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ እቲ ሽዱሽተ ግዜ ዝካየድ ኪሞተራፒ ማለት፡ ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ ሕክምና፡ ከም ዝዛዘመት ኣብ ውልቃዊ ሒሳብ ኢንስተግራም ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ቀዳማይ መድረኽ ሕክምና ዛዚመ ናብቲ ኣርባዕተ ሰሙን ዝወስድ ናይ ጨረርታ (radiation) ሕክምና፡ ማለት፡ ካልኣይ መድረኽ ምስጋረይ፡ ብጣዕሚ ደስታ እናተሰማዓኒ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሳላ ዲጂታላዊ ኣገባብ፡ ካብ ገዛ ኮይነ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ስረሐይ ከሰላስል እየ ክትብል ገሊጻ።

ካብ ኩሎም ወገናት ንዝመጻ ናይ መተባብዕን ጥዕናዊ ኩነታት ዝሓትት መልእኽታትን ኣመልኪታ ምስጋናኣ ብምቕራብ፡ ሰላምታኹም ምዉቕ ነይሩ ክትብል፡ ጽሑፋ ደምዲማ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com