Monday , April 29 2024
Finance Minister Magdalena Andersson (S) in connection with the spring budget. Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

መንግስቲ ሽወደን፡ 74 ቢልዮን ክሮነር፡ ከውፍር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ

መንግስቲ ሽወድን፡ ንተሃድሶን ወፍርን ዝውዕል፡ ናይ 74 ቢልዮን ክሮነር ባጀት፡ ከቕርብ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳለና ኣንደርሾን ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ባጀት’ዚ፡ ንሽወደን፡ ካብቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ኣውጺኡ ናብ ቅድሚት ዝወስድ ክኸውን እዩ። ብሰንኪ ዝተገብረ ናይ ዕጽዋ ጌጋታት ስዒቡ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ካልኣይ ግዜ ክንደግሞ የብልናን ክትብል፡ ማግዳለና፡ ወሲኻ ገሊጻ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ንናይ እዚ ዓመት መጠን ዕቤት ሓፈሻዊ ዘቤታዊ ፍርያት (GDP)፡ 4.4% ንናይ ዝቕጽል ዓመት ድማ 3.5% ክኸውን ከምዝኽእል ገምጋማቱ ኣንቢሩ ኣሎ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ዘቐመጦ ገምጋም መጠን ዕቤት ሓፈሻዊ ዘቤታዊ ፍርያት፡ ናይዚ ዓመት’ዚ፡ 4.7%፡ ናይ ዝቕጽል ዓመት ድማ 2.9% ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ገምጋም መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ፡ ኣብዚ ዓመት 8.7%፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ናብ 7.7% ክወርድ ዝብል ከምዝነበረ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com