Sunday , April 28 2024
In this photo released by the Nigeria State House, Nigeria's President Muhammadu Buhari, addresses the nation on a live televised broadcast, Thursday, Oct. 22, 2020. Buhari has spoken to the nation about the unrest that has gripped the country in recent days but without mentioning the shootings of peaceful protesters at Lekki toll plaza on Tuesday night that prompted international outrage. (Bayo Omoboriowo/Nigeria State House via AP) NIN109

ኩባንያ ነዳዲ ናይጀርያ: ድሕሪ 44 ዓመታት: መኽሰብ ረኺበ ይብል 

መንግስታዊ ኲባንያ ነዳዲ ናይጀርያ: ኣብ ናይ 44 ዓመታት ታሪኹ: ንመጀመርታ ግዜኡ መኽሰብ ከም ዝረኸበ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እዚ ዓወት ብውሕሉል ኣታሕዛ መንግስቲ ዝተረኽበ እዩ ክብል ላዕለዋይ ሚኒስተር ነዳዲ ፕረዚደንት: መሓመድ ቡሃሪ: ገሊጹ’ሎ።

ኣብ 2020: መኽሰብ ሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ ናይጀርያ (NNPC) 700 ሚልዮን ዶላር በጺሑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ቅድሚኡ ኣብ ዝነበራ ዓመታት ዓበይቲ ክሳራታት የጋጥሞ ምንባሩ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ዓሚ ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተኸስተ ምንቊልቋል ዋጋ ነዳዲ: ነቲ ኣብ ኣታዊ ነዳዲ ዝምርኮስ ቊጠባ ናይጀርያ ሃስያ ኣውሪድሉ እናሃለወ እቲ ኲባንያ ብኸመይ ክኸስብ ከም ዝኸኣለ ዛጊት ንጹር መብርሂ ኣይተዋህቦን።

መግለጺ ቡሃሪ: ዝወጽእ ዘሎ መንግስቲ ነቲ ኲባንያ ብምፍንጣሕ ናብ ናጻን ብሕጊ ንግድ ዝምራሕን ኩባንያን ክትክኦ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com