Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኤጀንሲ ምእካብ ልቓሕ፡ ንገበነኛታት ጥይት ዘይበስዖ ክዳን ምሻጡ ተፈሊጡ

በዓልመዚ ክሮኖፎግደን ናብ ገበነኛታት ዝሸጦም፡ ጥይት ዘይበስዖም ልባስ፡ ቀደሙ ካብ ገበነኛታት እተረኽቡ ምንባሮም ኤኮት ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ፖሊስ፡ ነቲ በዓልመዚ ዝፈጸሞ ተግባር፡ ምኹናኑ ገሊጹ።እዚ ካብ ገበነኛታት ዝተወስደ ጃኼት ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ዕዳጋ ይረኽብዎ ኣለዉ” ክብል ኣወሃሃዲ ስርሒታት ፖሊስ ከተማ ዮተቦሪ፡ ማርኳ ኢክቫል፡ ብዛዕባዚ ጉዳይ ዘለዎ መረረ ገሊጹ።ኤጀንሲ ልቓሓት እዚ ዝገብረሉ ምኽንያት፡ እቶም ገበነኛታት ብዕዳ ምስ ተታሕዙ፡ ንኣልባሳቶም ናብ ዕዳጋ ስለዘውርዶ …

Read More »

ትምህርቲ ቛንቛ ሽወደን ራብዓይ ክፋል ብ መም ሃገር ተክላይ SFI NYBÖRJARE

Read More »

ኩባንያ Axfood፡ ግጉይ ምልክት ዝሓዘለ ብሽኮቲ ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ሓቢሩ

ንኸም በዓል Hemköp፡ Willys ን Tempo ን ዝኣመሰሉ ትካላት ዘከፋፍል ኩባንያ Axfood፡ ሓደ ካብ ዓይነታት ዘፍርዮም ብሽኾቲ፡ ቁጠዐ (ነድሪ) ከስዕብ ዝኽእል ኣብ ዝርዝር ትሕዝትኡ ዘይተጠቕሰ ባእታ ክህልዎ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። እቲ ፍርያት፡ Eldorado’s chocolate flakes፡ ዝበሃል ኮይኑ ክሳብ ዕለት 17/01/2021 ዕድመ ዘለዎ እዩ።እቲ ፍርያት፡ ከም በዓል ጸባ፡ ሉዝ (Almonds) ወይ ድማ ፍረ ሃይዘል (Hazelnut) ዝኣመሰሉ ባእታታት እንዳ ሃለዎ እንከሎ ኣብ ዝርዝር …

Read More »

ጁቬንቱስን ሪያልማድሪድን ካብ ውድድር ቻምፒዮን ሊግ ይሳናበታ

ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብ ሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሔ ውድድር ቻምፒዮን ሊግ ሎሚ ምሸት ውድድር ኣብ ዝተሰላሰሉ ግዜ። ምስ ናይ ሎሚ ምሸት ተደሚሩ 130 ሸቶታት ዘመዝገበን ሚስተር ቻምፒዮን ሊግ ዝብል ቅጽል ዝተወሃቦ ክሪስታያኖ ሮናልዶ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ክልተ ሸቶታት ኣኳ ከመዝግብ ተኽኣለ ጋንትኡ ጁቨንቱስ ናብ ዝቕጽል ግጥም ግን ክትሰግር ብዘይ ምኽኣላ ብፈረንሳዊት ልዮን ብሸቶ ተበሊጻ ካብዚ ውድድር ተኣልያ። ጁቨንቱስ …

Read More »

ዕላመት (brand) ትካል H&M፡ ዓሌታዊ ስም ብምጥቃሙ ተሪር ነቐፌታ ይወርዶ

ዕላመት ኩባንያ H&M ን አንድ ኣዘር ስቶሪስ (& Other stories) ዘወዓውዕ ካታሎግ፡ ኣብ ሓደ ካብ ፍርያት’ቲ ትካል ዝኾነ ቆብዕ፡ ዓሌታዊ መግለጺ ብምጥቃም፡ ካብ ሰራሕተኛታት’ቲ ትካል ተሪር ነቐፌታ ከምዝወረዶ ዝተፈላለያ መዕከናት ዜና ሓቢረን።እቲ ዓሌታዊ መግለጺ ዘለዎ ስም፡ ብኸመይ ኣገባብ ኣብቲ ካታሎግ ከምዝተጠቕሰ እቲ ካምፓኒ ኣይሓበረን። ትካል H&M ብዛዕባ እዚ መግለጺ ክዛረብ እንከሎ፡ መሰረት ናይቲ መግሊጺ ካብቲ መደበሩ ኣብ ፓሪስ ዝኾነ ትካል …

Read More »

ቁጠዐ (allergic reactions) ከስዕብ ዝኽእል ቢራ፡ ካብ ዕዳጋታት ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ተሓቢሩ

ፍርያት ጎትላንድስ ብሪጌሪ ዝኾነ “ዊስቢ ናን ኣልኮሊክ ላገር” (Wisby non-alcoholic lager) ዝብል ናይ ንግዲ ስም ዘለዎ ኣልኮል ዘይብሉ ዓይነት ቢራ ካብ ሲስተምቦልጌትን ቤት ምግብታትን ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ተሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቢራ፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ትሕዝትኡ፡ ዘይተጠቕሰ ዓይነት ቡቕሊ ብምህላዉ ምዃኑ ስፐንድሩፕስ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፉ ገሊጹ። እዚ ዓይነት ቡቕሊ፡ ነቶም ኣብ ስርናይ ዝርከብ ተላጋቢ ናይ ፕሮቲን ትሕዝቶ (gluten) ዘይጻወሩን …

Read More »

ናይ ህጻናት ኣሰልጣኒ ስፖርት፡ ብጾታዊ ገበን ይጥርጠር

ኣብ ምምሕዳር ኦሬብሮ እትርከብ ናይ ስፖርት ክለብ፡ ሓደ ኣብ 40ታት ዝዕድሚኡ ህጻናት ዘሰልጥን ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ዝተፈላለዩ ጾታዊ ገበናት ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ክብል ነሪከስ ኣለሃንዳ (Nerikes Allehanda) ጽሒፉ።እዞም ኣብ ኦረብሮን ካልኦት ምምሕዳራትን ካብ ዓመተ 2013 ክሳብ 2017፡ በቲ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ ተፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ገበናት፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸሙ …

Read More »

ሽወደን፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ሊባኖስ ትሰድድ

ሽወደን፡ ነቶም ብሰንኪ ንበይሩት ዘንቀጥቀጠ ሓያል ነትጒ ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝሓዘት ጽዕነት ናብ ሊባኖስ ከም ዝሰደደት ተፈሊጡ። ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 130 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም።ሽወደናውያን ኣሃዱታት ህጹጽ ረዲኤትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ጓንትታት፡ ማስክ፡ በጃ ክዳን፡ መራፍእን ጸረ ነፍሳትን ዝኣመሰሉ ናውቲ ሕክምና ጽዒነን ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ሒሳቡ ሓቢሩ።እቲ …

Read More »

ካብ ውሽጢ መኪና፡ ልዑል ድምጺ ሙዚቃ ተሰሚዑ ይብል ኣኽባሪ ሕጊ

ኣብ ማእከል ሞራ፡ ዶለርና፡ ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ ካብ ውሽጢ ኣሜሪካዊት ናይ 60ታት መኪንኡ፡ ልዑል ድምጺ ሙዚቃ ብምጽዋቱ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ። እቲ ፍጻመ፡ ኣብ መጨረሽታ መዓልታት ናይ ወርሒ ሓምለ፡ ሰሉስ ንግሆ ዝተኻየደ እዩ ኔሩ።መራሕ መኪናን ካልኦት ምስኡ ዝነበሩን ንህዝቢ ብምርባሾም፡ ካብቲ ከባቢ ንኽእለዩ ብፖሊስ ተሓቢሮም። እቶም መንእሰያት ንመጠንቀቕታ ፖሊስ ዕሽሽ ብምባል ነቲ ሙዚቃ ዓው ኣቢሎም ብማእከል ከተማ …

Read More »

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ገበናት ይስዕርር

ትማሊ ረቡዕ ምሸት፡ ኣብ ማእከል ከተማ ያቭለ፡ ድምጺ ቶኽሲ ድሕሪ ምስምዑ፡ ፖሊስ፡ ንኽልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ሓቢሩ።ትማሊ ለይቲ፡ ፖሊስ፡ ነዞም ክልተ ገበነኛታት መርመራ ከምዘካየደሎም ንTT ሓቢሩ። እዚ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት፡ ብገበናት ኣጽዋርን ሓደገኛ ናይ ናዕቢ ፍጻሜታትን ተኸሲሶም ኣብ መርመራ ኣብ ዘለውሉ እዋን ዝተኻየደ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሩ።ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሰዓት 12፡37 ቅ.ቐ. ኣብ ከባቢ ቴኒስታ፡ ሓደ ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com