Saturday , May 4 2024

ውህደት

ግሬታ ሶንቤሪ፡ ዓለምለኻዊ ሽልማት ወሲዳ

ኣብ ጉዳያት ኣከባብን ክሊማን እትነጥፍ ሽወደናዊት፡ ግሬታ ሶንቤሪ፡ ንእትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ብምምጓስ ካብ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰብ ዝኾነ ፖርቱጋላዊ ውድብ፡ ጎልበንክያን፡ ሽልማት ምርካባ ተሓቢሩ። ዋጋ ናይቲ ሽልማት፡ ብሚልዮናት ክሮነር ዝግመት ኮይኑ፡ ግሬታ፡ ነተን ኣብ ጽላት ኣከባብን ጸረ ክሊማዊ ለውጢ ዝቃለሳ ውድባት  ከተወፍዮ ምዃና ሓቢራ። ሽልማት ክትወስድ ምብቃዓ ሕጉስቲ ምዃና፡ ብዝያዳ ንኽትሰርሕ ከምዘተባብዓን ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎን፡ ግሬታ፡ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢኣ፡ …

Read More »

ሜትሮሎጂ፡ ህቦብላ ዝዓብለሎ ዝናብን ባርዕ ጫካታትን ከጋጥም ከምዝኽእል ሓቢሩ

ድሕሪ ልዑል ዝኾነ መጠን ሙቐትን ክረምታዊ ክሊማን፡ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሽወደን ህቦብላ ዝዓብለሎ ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ኣሚቱ። ካብ ምብራቕ ጎትላንድ ክሳብ ሰሜናዊ ከባቢታት ዝዝርጋሕ ዛሕልን ህቦብላ ዝዓብለሎ ዝናብን ክህሉ ከምዝኽእል ክኢላ ኩነታት ኣየር፡ ሙዋ ሃሊልበሪ፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ። ብመሰረት ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣከባቢ ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ዕልቕልቕ ከጋጥም …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 20 ሓምለ 2020 Swedish News in tigrigna 20 juli 2020

Read More »

ሽወደን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 9.2% በጺሑ

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን ልዑል ከምዘሎ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 8500 ስራሕ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም ሓደ ሲሶ፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዝኾኑ እዮም። በዚ ድማ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክሳብ 9.2% በጺሑ ኣሎ። ብሰንኪ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዘሎ ዝሑል ዝኾነ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ዕዳጋታት ስራሕ ተጸልዩ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም መምርሒ ፍቓድ ከውጽኡ ዝደልዩ ሰባት፡ ልቓሕ CSN ዝረኽብሉ መንገዲ ከቃልል ከምዝደሊ ተሓቢሩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም መምርሒ ፍቓድ ከውጽኡ ዝደልዩ ሰባት፡ ልቓሕ CSN ዝረኽብሉ መንገዲ ንምቅላል ዘኽእል እማመ ንኸቕርብ ካብ CSN ኮሚቴ ከምዘቖመ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም። ቁጽሪ ናይቶም መምርሒ ፍቓድ መኪና ንኸውጽኡ ካብ CSN ልቓሕ ዝወሰዱ ሰባት ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ምንባሩ ሚኒስተር ትሕተ ቅርጺ ሽወደን፡ ቶምስ ኢንድሮስ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ካብ 18 ክሳብ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ጉዳይ ኤውሮፓዎ ቁጠባዊ ሕውየት ዝነበሮ ተሪር መርገጺ ቀይሩ

ብቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሽወደን፡ ንቁጠባዊ ሕውየት ናይተን ብቅልውላው ኮሮና ዝተሃስያ ሃገራት ዝምልከት ብመንገዲ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ማእከላይ ፍታሕ፡ ተባሂሉ ዝቐረበ እማመ ከም ዝተቐበሎ ካብ ብሮክሲል ዝተረኽቡ ጸብጻባት ምሕባሮም ተፈሊጡ። መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ጉዳይ ኤውሮፓዎ ቁጠባዊ ሕውየት ዝነበሮ ተሪር መርገጺ ክቕይር ዝኸኣለ ምኽንያት፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣቕሪብዎም ዝነበረ ጉዳያቱ ተቐባልነት ብምርካቦም እዩ። ካብ ቀርቦም ዝነበሩ ጉዳያት መንግስቲ ሽወደን፡ ጉዳይ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 17 ሓምለ 2020 Swedish News in tigrigna 17 juli 2020

Read More »

ብጉዳይ ኣብ ካቴድራል ዝተሳወረ ባርዕ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ሰብኣይ ተለቒቑ

ብጉዳይ ትማሊ ቐዳም ኣብ ናንትስ ካቴድራል ዝተሳወረ ባርዕ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብኣይ ብሰንበት ከምተለቀ ተፈሊጡ። ናንትስ ካቴድራል በቲ ዝተኸስተ ባርዕ ብኸቢድ ከምተሃስየ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ነቲ ባርዕ ዘሳወሮ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ እዩ ነይሩ።   እዚ ወዲ 39 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ ኣብታ ካቴድራል ወለንተኛ ሰራሕተኛ ኮይኑ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ማዕጾታትን ፍኒስትራታትን ናይ ምዕጻው …

Read More »

ለንደን ምስ ሆንግኮንግ ዝነበራ ገበነኛታት ናይ ምርኽኻብ ስምምዓት ሰሪዛቶ

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ሆንግኮንግ ዝነበሮ ገበነኛታት ናይ ምርኽኻብ ስምምዓት ክስርዞ ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ቻይና ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ዘተኣታተወቶ ሓድሽ ጸጥታዊ ሕግታት ምዃኑ እዩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ፡ ዶሚኒክ ራብ፡ ንውሳኔ መንግስቲ ሎሚ ናብ ፓርላማ ከውርዶ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ቻይና ኣብ ልዕሊ ሆንግኮንግ ትገብሮ ዘላ ሓደገኛን ቅሉዕን ዝኾነ ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ካብ ዓይኒ ዝተኸወለ ኣይኮነን …

Read More »

ሄኖግን ኣብርሃም ኣብ ዝደሞቅሉ ጸወታ ክለብ ኣይኮ ነጥቢ ትማቀል

ክለብ ኣይኮ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ብ ክልተ ኤርትራውያን ዝመበቖሎም ሄኖግ ጎይቶምን ጳውሎስ ኣብርሃምን ተመሪሓ ምስ ክለብ ቫርበርይ ቦልስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ፣ ክልትኦም ተጻወቲ ብዘመዝገብወን ሸቶታት እካ መሪሓ ተወዓለት ኣብ ምበል 90 ደቂቅ ክለብ ቫርበርይ ብዝርከበታ ፍጹም ቅላዕ ነጥቢ ክትማቀል ተገዲዳ። ኣብዚ ጸወታ ሄኖግ ኣብ መበል  ዝወዓለ 12 ደቂቅ መርሓ እካ ተነበረት ድሒራ ብዝተመዝገበታ ሸቶ ብምዕርራያ፣ መመሊሱ ብቅዓቱ እንዳ ኣመስከረ ዝደምቕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com