Thursday , May 9 2024

ብጉዳይ ኣብ ካቴድራል ዝተሳወረ ባርዕ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ሰብኣይ ተለቒቑ

ብጉዳይ ትማሊ ቐዳም ኣብ ናንትስ ካቴድራል ዝተሳወረ ባርዕ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብኣይ ብሰንበት ከምተለቀ ተፈሊጡ። ናንትስ ካቴድራል በቲ ዝተኸስተ ባርዕ ብኸቢድ ከምተሃስየ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ነቲ ባርዕ ዘሳወሮ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ እዩ ነይሩ።  

እዚ ወዲ 39 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ ኣብታ ካቴድራል ወለንተኛ ሰራሕተኛ ኮይኑ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ማዕጾታትን ፍኒስትራታትን ናይ ምዕጻው ሓላፍነት ተሰኪሙ ዝነበረ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰብኣይ ዝተመስረት ዝኾነ ዓይነት ናይ ገበን ክስታት ከምዘየለን ነጻ ኮይኑ ከምተለቀን ድም መርማራይ፡ ፒር ሰንስ ገሊጹ።

እቲ ባርዕ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይቲ ካቴድራል ዝተሳወረ ዝመስል ብምንባሩ ጥርጣሬታት ከለዓዕል ናይ ግድን እዩ። ብሰንኪ’ቲ ባርዕ፡ ናይ ጎቲክ ቤተክርስትያን (Gothic Church) ዝነበሩ ብጣዕሚ ክቡራትን ብዋጋ ዘይርከቡን ናይ ጥበብ ስራሓት ኦርጋንን ከምዝዓነዉ ተፈሊጡ።

እታ ናይ ጎቲክ ቤተክርስትያን ኦርጋን ኣብ ላዕሊ፡ ብ60 ናይ ኣስካላ (መሳልል) ስጉምታት፡ ክብጻሕ ኣብ ዝኽእል ቦታ ዝተቐመጠት እያ ነይራ። ሓደ ካብቶም ሰለስተ ባርዕ ዝተኸስተሎም ቦታታት ድማ ኣብ’ዚ ኦርጋን ተቐሚጣትሉ ዝነበረ ቦታ ምዃኑ መርመርቲ ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com