Saturday , May 4 2024

ውህደት

ካብን ናብን ማልሞ ዝነበረ ናይ ባቡር ጉዕዞታት ተመዛቢሉ

ትማሊ ለይቲ ኣብ ከባቢ ፖርሎቭ ዘጋጠመ ሓደጋ ንጉዕዞታት ባቡር ስኮና ከምዝዓንቀፎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። በቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝኾነት ባቡር ክትሓልፍ ከምዘይትኽእልን ንቡር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር ድማ ዓርቢ ንግሆ ክጅምር ትጽቢት ተገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንኹሉ ካብን ናብን ማልሞ ዝነበር ጉዕዞታት ባቡር ከምዝጸለወ ተገሊጹ። ንጉዳይ ምጅማር ጉዕዞታት ባቡር ብዝልከት ኩሎም ተሳፈርቲ ንኩባንያታት ባቡር ክውከሱ ከምዘለዎም ሰብ መዚ መጋዓዝያ …

Read More »

ኩባንያ ቮልቮ፡ 412 ሽሕ መካይን ንጽገና ክምለሳ ጸዊዑ

ኣብ ታሪኽ ኩባንያ ቮልቮ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 2.2 ሚልዮን ዝብዝሐን ካብ 2006 ክሳብ 2019 ዘሎ ግዜ ዝፈረያ መካይን ንጽገና ክምለሳ ምጽውዑ ገሊጹ። እዘን መካይን ምስ ናይ መቐነት ዝተሓሓዝ ጸገማት ከምዘለወን ተፈሊጡ። ኣብ ሽወደን ጥራይ ክሳብ 412 ሽሕ መካይን ከምዘለዋ ሬድዮ ሸወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሎሚ ብሰንኪ እዚ ጉድለት ዘጋጠመ ጉድኣት ወይ ሓደጋ ዝሕብር ዝመጻና ጥርዓናት እካ እንተዘየለ ንመጻኢ …

Read More »

ናይ መንብሮ ሓገዝ ብ 25% ወሲኹ ተባሂሉ

እቲ ንቆልዑ ዘለወን ስድራቤታት ተባሂሉ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መንብሮ ሓገዝ ብ 25% ንኽውስኽ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ካብ ሎሚ ዕለት 02/07/2020 ጀሚሩ ግብራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። መንግስቲ ሽወደን ብሊበራላውን ማእከላይን ሰልፍታት ተደጊፉ ነዚ ግዝያዊ ናይ መንብሮ ሓገዝ (bostadsbidrag) ከም ዝወሰነ ሬድዮ ኢኮት ምቅልሑ ይዝከር። መንግስቲ ሽወደን፡ ነዘን ቆልዑ ዘለወን ስድራ ቤታት ተባሂሉ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መንብሮ ሓገዝ ካብ ዕለት 01/072020 ክሳብ 01/09/2020 …

Read More »

ማልሞ: ሓደ ህጻን ብመስኮት ጸዲፉ

ትማሊ ምሸት: ከባቢ ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀትሪ: ሓደ ህጻን ካብ ካልኣይ ደርቢ ናይ ሓደ ህጻን ናብ ሓጹር (ካንሸሎ) ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ብመሰኮት ከም ዝወደቐ ተሓቢሩ። እቲ ህጻን ብኸቢድ ስለ ዝተጎድአ ነበረቲ ናይቲ ከባቢ ንፖሊስ ብምሕባር ተቐላጢፎም ንሆስፒታል ብኣምቡላንስ ወሲዶሞ።ፖሊስ: ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምስ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ክሳብ ሰዓት 1:30 ወጋሕታ ምዝርራብ ድሕሪ ምግባሩ: እቲ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ ገበናዊ ፍጻሜ ክኸውን …

Read More »

ግሪኽ፡ ናብ ሽወደን ንዝግበር ቀጥታዊ በረራታት ደው ኣቢላቶ ተባሂሉ

ካብ ሽወደን ናብ ግሪኽ ዝግበር ዝነበረ ቀጥታዊ በረታት ክሳብ 15 ሓምለ ፍቑድ ከምዘይኮነ ሰብ መዚ ግሪኽ ኣፍሊጦም። እዚ ውሳነ ነቲ ካብ ብሪጣንያ ንዝግበር ቀጥታ በረራ እውን ዝምልከት እዩ ተባሂሉ። ካብ 15 ሰነ ጀሚሮም ናብ ኣቴንስን ተሰለንቈን ዝግበሩ ዝነበሩ በረራታት ፍቑዳት ምዃኖም ተሓቢሩ። ኣብ ዕለት 01/07/2020 ጀሚሩ  ኩሎም ናይ ግሪኽ መዓርፎ ነፈርቲ ነተን ሽወደንን ዓዲ እንግሊዝን ዝርከበአን ብለበዳ ኮሮና እምብዛ ዝተጠቕዓ …

Read More »

Swedish News in Tigrigna ዜና ሽወደን ብትግርኛ 01 ሓምለ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ኣብ መንጎ ሰልፍታት መንግስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይን ዘይምስምማዕን ንምፍታሕ ቀጻሊ ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 2. ንስትራቴጅን ኣታሓሕዛን መኸተ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብምምርማር፣ ጸብጻብ እተቕርብ ሃገራዊ ኮሚስዮን ከምዝቖመት ተገሊጹ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja ·  ብተወሳኺ ኣብ ዩቱብ ዝርከብ ቻነል ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኣባላት ንምዃን subscribe ብምግባር ተሳታፍነትኩም ከተረጋግጹ ንላቦ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ …

Read More »

Tigrigna News ዜና ሽወደን ብትግርኛ 29 ሰነ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ስደተኛታት ሽወደን ዝተራእየ ምፍልላይ ተኸቲሉ መንግስቲ ምስ መላፍንቱ ሓምላይ ሰልፊ ኣብ ወጥሪ ኣትዩ። 2. መድሃኒት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘሎዎ ባዓል መዚ ኣብያተ መድሃኒት ሽወደን ሓቢሩ። • ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብና መድባት ኣልኮምፒስ ብዝተሳለጠ መገዲ ንምክትታል ኩሉኹም ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣፕሊከሽን ተዳልይልኩም ስለዘሎ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኢልኩም ብምዉራድ …

Read More »

Swedish News in Tigrigna 01 July 2020 – ዜና ሽወደን ብትግርኛ 01 ሓምለ 2020

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ብዛዕባ ብውልቂ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ከተግብር ጀሚሩ

መንበሪ ፍቓድ ክሳብ ዝወሃቦም ንካምፕታት ገዲፎም ብውልቆም ኣብ ዝረኸብዎ መንበሪ ገዛውቲ ዝቕመጡ ዝነበሩ ስደተኛታት ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ኣብ ግብሪ ከውዕል ክጅምር ምኻኑ ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሓቢሩ። ካብ ሎሚ ዕለት 01-07-2020 ጀሚሩ፡ መንበር ፍቓድ ንኽወሃቦም ዝጸበዩ ኮይኖም ብውልቆም ኣብ ዝረኸብዎ ኣባይቲ ክነብሩ ዝውስኑ ስደታኛታት፡ ካብ ጨንፈር ኢሚግሬሽን ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓገዛትን መዓልታዊ ገንዘባዊ ሓገዛት ክስእኑ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሓዲሽ መምርሒ፡ …

Read More »

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብዝሒ ናይቶም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ትሑት ነይሩ ተባሂሉ

ቅልውላው ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ርኡይ ዝኾነ ጽልዋ ነይርዎ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ዓመት፡ ኣስታት 7000 ስደተኛታት ጥራይ ዑቕባ ሓቲቶም። እዚ ድማ ምስ ኣብ ከምዚ እዋን ናይ ዓመተ 2018 ን 2019 ዝነበረ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ክነጻጸር እንከሎ ብ 30% ከምዝጎደለ ክብል ሲስቨንስካን (Sydsvenskan) ጽሒፉ። ኣብ ከምዚ እዋናት ዝግበር ጉዕዞ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ እዩ። ቅድሚ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ዝነበረ ግዜ ውን፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com