Saturday , May 18 2024

ውህደት

ሽወደን፡ መጠን ትሕተ-ባይታዊ ማያት ይጎድል ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ከባቢታት ስቪያላንድ፡ ጎትላንድን ደቡባዊ ምብራቕ ኖርላንድን ኣብዚ ወቕቲ ክውህለል ዝግበኦ መጠን ትሕተ-ባይታዊ ማያት ትሕቲ ንቡር ከምዝኾነ ዲኦለጂካዊ ዳህሳስ ሽወደን (SGU) ሓቢሩ። ኣብ ግዜ ክረምቲ እቲ ዝበዝሐ መጠን ዝናብ ክሃፍፍ ወይ ድማ ብኣትክልቲ ክሰሓብ ስለዝኽእል፡ እቲ ክውህለል ዝግበኦ ትሕተ-ባይታዊ ማያት ውሑድ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ኣብ ዝቕጽል እዋርሕ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወነንቲ ዒላታት ንመጠን ማይ ናይተን ዒላታት ክከታተሉ ይግበኦም። መጠን …

Read More »

ኩባንያ ኤየርባስ፡ 15 ሽሕ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ከፋኑ መዲቡ ተባሂሉ

ዓርሞሾሽ ኤውሮፓዊ ኩባንያ መሰንዒ ነፈርቲ፡ ኤየርባስ፡ 15 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከፋኑ መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ። እተን ካብቲ ኩባንያ ዝተረፋ 900 ዓይነት ሞያታት ኣቐዲሙ ተቓሊሑ ከምዝነበረ ይዝከር። እቶም ዝተፋነዉ ሰራሕተኛታት ካብ ሃገራት ፈረንሳይ 5000 ሰራሕተኛታት፡ ጀርመን 5100 ሰራሕተኛታትን ካብ ስፓኛ ድማ 900 ሰራሕተኛታት ክኾኑ እዮም። ኣብ ብሪጣንያ ኣስታት 1700 ዕድላት ስራሕ ከምተሳእነን 1300 ዕድላት ስራሕ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተሳኢኖም። ቅልውላው ለበዳ ኮሮና …

Read More »

ሽወደን፡ 900 ሚልዮን ክሮነር ንሶርያውያን ሓገዝ ክትህብ መዲባ ተባሂሉ

መንግስቲ ሽወደን፡ ብሰንኪ ኣብ ሶርያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንዘስዓቦ ስምብራት ንምቅላል ዝውዕል ናይ 900 ሚልዮን ክሮነር ሓገዝ ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ክህብ ምዃኑ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣና ሊንዲ፡ ሓቢራ። ኣብ ሶርያ ኣጋጢሙ ዘሎ ምስሕሓብ 10 ዓመቱ ሒዙ ኣሎ። እዚ ድማ ብድምር፡ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ንኽካየድ ዝወሰደሉ ግዜ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዙሕ ሂወት ሃሊቑን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን …

Read More »

ክኢላታት ሽወደን፡ ክታባት ነድሪ ሓንጐል ካብቲ ትጽቢት ወጻኢ ዝወሓደ ሰብ ምርካቡ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም

ብዝሒ ናይቶም ጸረ ብቑርዲድ ዝመሓላለፍ ሕማም ነድሪ ሓንጐል (TBE) ንኽክተቡ ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ብናህሪ ምንቁልቋሉ ብዙሓት ክኢላታት ሻቕለቶም ምግላጾም SVT ሓቢሩ። ኣብ ክረምቲ ንምስፍሕፋሕ ናይዚ ቑርዲድን ክስዕቦ ዝኽእል ሕማምን ኣመልኪቶም ክኢላታት ሽወደን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም ከምዝነርበሩ ይዝከር። እዚ ሕማም ናብ ሓደገኛ ኩነታት ዘብጽሕ ምኳኑ እኳ እንተተፈልጠ፡ ቁጽሪ ኣብዚ ዓመት ንክኽተቡ ዝቐረቡ ሰባት ግን ኣዝዩ ውሒድ ምንባሩን ብፍላይ ድማ ቁጽሪ ህጻናት ብጣዕሚ …

Read More »

ኩባንያ ሳስ (SAS): ዋጋ 12 ቢልዮን ክሮነር ናይ መድሕን ውጥን መዲቡ

ስካንድናቭያዊ ኩባንያ ሳስ (SAS) ናይ መድሕን ውጥኑ ንምትግባር: ርእሰ ማሉ ብ12 ቢልዮን ክሮነር ክብ ከብሎ መዲቡ። እዚ ክውሰኽ ተመዲቡ ዘሎ ርእሰ ማል ካብ ወነንቲ እቲ ኩባንያ ክእከብ ምዄኑ TT ሓቢሩ።ወነንቲ ዝበዝሐ ብርክታት ናይ ኩባንያ ሳስ ዝኾኑ: መንግሰቲ ሽወደን: ዴኒማርክን ትካል Alice and Knut Wallenburg እዮም። እዞም ኣካላት’ዚኣቶም ምስ ኩባንያ ሳስ ምስምማዖም ተፈሊጡ ኣሎ።እቲ መደብ: 14,25 ቢልዮን ክሮነር ዝሓትት እዩ። ካብዚ …

Read More »

ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ብመንገዲ ዴኒማርካውያን ኣትዩ ክኸውን ከምዝኽእል ይእንፍት

ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ብመንገዲ ዴኒማርካውያን ኣትዩ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ካብ ኮፐንሃገን ዩኒቨርስቲ ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዝሓበረ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። እዚ ኣብ ዴኒማርክ ብብዝሒ ዝረአ ዘሎ ለውጢ (Mutation) ዘካየደ ዓይነት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ መጀመርያ ምስ ናይ በረድ ተንሸርተቲ ዝኾኑ ገያሾ  ካብ ኣውስትርያ ናብ ዴኒማርክ ከምዝኣተወን ቀጺሉ ድማ ዴኒማርካውያን ነዚ ቫይረስ ናብ ካልኦት ከም በዓል ሽወደን፡ ላትቭያን ኣይስላንድን …

Read More »

Tig News 29 Juni 2020 ዜና ሽወደን ብትግርኛ 29 ሰነ 2020

Read More »

ኩባንያ SAS ን1583 ኣብ ዴኒማርክ ዝርከቡ ኣባላቱ ከፋኑ መዲቡ ተባሂሉ

ስካንድናቭያዊ መንገዲ ኣየር SAS ን1583 ኣብ ዴኒማርክ ዝርከቡ ኣባላቱ ከፋኑ ከም ዝመደበ ሓቢሩ። እዚ ድማ ካብቲ ጠቕላላ ከፋንዎም መዲቡ ዝነበረ ቁጽሪ ዝተሓተ ምዃኑ TT ሓቢሩ። ዝርዝር ናይቶም ከፋንዎም መዲቡ ዘሎ ኣባላቱ፡ 176 ኣብረርቲ ነፋሪት (ፓይሎት)፡ 586 ኣብ ጽዕነት ባልጃታት ዝነጥፉን 684 ድማ ኣአንገድቲ ምዃኖም ገሊጹ። ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኩባንያ SAS ዝሰርሑ የአንገድቲ 1200 ይበጽሕ። ኩባንያ SAS፡ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዘስዓቦ …

Read More »

ኮፐንሃገን፡ መስርሕ ፍርዲ ናይቶም ብምፍንጃር ዝተኸሰሱ ሽወደናውያን ተጀሚሩ ተባሂሉ

ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ዝርከብ ህንጻ፡ ኣሃዱ ኣታዊ ግብሪ ዴኒማርክ፡ ብዕለት 06/08/2019 ምፍንጃሩ ይዝከር። መስርሕ ፍርዲ፡ ናይቶም ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ነይርዎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ክልተ ሽወደናውያን፡ ትማሊ ዕለት 29/06/2020 ከምዝጀመረን ኣብ ዕለት 07/07/2020 ድማ ውሳነ ክወሃብ ትጽቢት ተገይሩ ከምዘሎን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እዞም ክልተ ገበነኛታት ነቲ ነቷጊ ካብ ሽወደን ናብ ዴኒማርክ ዘእተውዎን ካልኦት ተሓባበርቲ ክህልዎም ከምዝኽእል ይግመት። እቲ ገበን፡ ግብረ ሽበራዊ ፍጻሜ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን: ንቤት ትምህርታት ላዕለዋይ ደረጃ 12000 መናብር ወሲኹ

መንግስቲ ሽወደን ነቲ መመሊሱ ዝዓቢ ዘሎ ጠለብ ናይ ትምህርቲ ኣብ ግምት ብምእታው: ሐደ ቢልዮን ክሮነር ባጀት ብምሰላዕ ተወሳኺ 12 ሽሕ ወናብር ክቕርብ ከም ዝመደበ ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ: ማቲልዳ ኢንረክራንስ: ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እቲ ሓደስቲ መናብር ኣብዚ ዓመተ ትምህርቲ ድሉው ክኸውን ምዄኑ ብተወሳኺ ገሊጻ።ብዝሒ ናይቶም ኣብዚ ዓመት ንዩኒቨርስቲን ኮለጃትን ክመሃሩ ዝተመዝገቡ ሰባት ብ 13% ምዝያዱ ተፈሊጡ ኣሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com