Saturday , May 4 2024

ውህደት

ሶሻል ዲሞክራት ዋላኳ ጽንኩር ተቓውሞ እንተጋጠሞም ብህዝቢ ፍቱዋት ኰይኖም ምቕጻሎም ተፈሊጡ።

መንግስቲ ዝመርሑ ዘለዉ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ብህዝቢ ፍቱዋት ኮይኖም ይቕጽሉ ምህላዎም SEVO ዘሳለጦ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሰልፍታት ሊበራላውን ሓምላይን ካብቲ ዝወሓደ ኣሃዝ ንታሕቲ (ማለት 4%) ብምርካቦም ናብ ባይቶ ክኣትዉ እምበ ኣይምኻኣሉን ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ’ሎ። ሎሚ ምርጫ እንተዝግበር 30% ካብቶም ኣድመጽቲ ንሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ክመርጹ ከም ዝፈትዉን በዚ ድማ ካብ ጽባሕ ምኽሳት ሕማም ኮሮና ጀሚሩ እዚ ሰልፊ ብህዝቢ እናተፈትወ …

Read More »

እስፓኛ ዶባታ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክትከፍት እያ

ዶባት እስፓኛ ካብ ዕለት 21/06/2020 ጀሚሩ ንኹለን ሃገራት ኣባላት ሸንገን ክፉት ክኸውን ምዃኑ El Pais ዝርከበን ብዙሓት ኣብ ማድሪድ ዝመደበረን ማዕከናት ሓበሬታ ኣቃሊሐን። ኣቐድም ኣቢላ ሃገረ እስፓኛ፡ ዶባታ ካብ 01/07/2020 ጀሚራ ክትከፍቶ ምዃና ሓቢራ ከምዝነበረት ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንእስፓኛ ምብጻሕ ዝከኣል’ኳ እንተኾነ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ውሸባ መምርሒታት ክትፍጽም ዝግድድ ሕጊ ከጓንፍ ከምዝኽእል እተን ማዕከናት ሓቢረን። መንግስቲ እስፓኛ ነዚ ጽኑዕ …

Read More »

ብሰንኪ ጻዕቂ ሕቶ መርመራ ኮሮና፡ Alltid Öppet ዝበሃል ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም ተበላሽዩ

ብዙሓት ሰባት መርመራ ኮሮና ንኽገብሩ ብ1177 ቆጸራ ክሕዙ ብምፍታኖም ነቲ ቆጸራ ንምሓዝ ዘኽእል Alltid Öppet ዝበሃል ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም ጻዕቂ ፈጢሩ ከም ዘበላሸዎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ብልሽት ልክዕ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. ከምዘጋጠመን ንምዕራዩ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ሓቢሩ። ምምሕዳር ስቶክሆሎም ንኹሎም መርመራታት ቫይረስ ኮሮናን ጸረ-ኣካልን ክገብሩ ዝደለዩ ነበርቲ ስቶክሆሎም ካብ ሶኑይ ጀሚሩ ብነጻ ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ …

Read More »

ንሓንቲ ቆልዓ ዝተጋሰሰ ሰብኣይ፡ ን6 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ሓደ ወዲ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ብዕጸ ፋርስ ኣደንዚዙ ከምዝተጋሰሳ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስት ሓቢሩ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ፡  እቲ ሰብኣይ ሓደ ካብቶም እታ ቆልዓ ትኣምኖም ሰባት ክኸውን ይኽእል እዩ ክትብል ገሊጻቶ።   እቲ ፍጻሜ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኣሊንሶስ ዝበሃል ከተማ ዘጋጠመ ምንባሩ ይዝከር። እታ ቆልዓ ኣብ ገዛ ናይቲ ሰብኣይ እንከላ እቲ ሰብኣይ ንዱካን …

Read More »

ኣብ ኡፕሳላ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋት 8 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ

ዓርቢ ምሸት ኣብ ጎትሱንዳ፡ ኡፕሳላ፡ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ፍጻመ ኣጋጢሙ ከምዝነበረን ኣብቲ ሽዑ እዋን ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም። ስዒቡ ድማ ብቐዳም ድሕሪ ቀትሪ ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ፍጻመ ፈተነ ቅትለትን ሓደገኛ ናይ ኣጽዋር ገበንን ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጠር ክብል ካብ ኡብሳላ ንያ ትንድኒን (Uppsala Nya Tidning) ዝቐረቡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ዕድመ ናይቶም ኣብ ትሕቲ …

Read More »

ፖሊስ፡ ኣብ ሮዘንጎድ ሓደ ኮተቴ ብኸቢድ ተሃሪሙ ጸኒሑ

ኣብ ሮዘንጎርድ፡ ማልሞ፡ ብቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘጋጠመ ናይ ዓመጽ ፍጻሜ ሓደ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ ግዳይ ከምዝኾነን ክሳብ ሕጂ ምስቲ ፍጻሜ ብዝተሓሓዝ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ከምዘየለ ተፈሊጡ። እቲ ፍጻሜ፡ ኸቢድ ናይ ዓመጽ ፍጻሜ፡ ተባሂሉ ተመደቡ ኣሎ። ፖሊስ ማልሞ ናብ ከባቢ ሮዘንጎርድ ኣብ ዝበጻሓሉ እዋን እቲ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ ብኸቢድ ተሃሪሙ ወዲቑ ጸኒሕዎም። እቲ ኮተቴ ኣብ …

Read More »

ኩሎም ነበርቲ ከተማ ስቶክሆልም ናይ ኮሮናን ጸረ-ኣካልን መርመራታት ብነጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ እዮም

ካብ ጽባሕ ሶኑይ ጀሚሩ ንኹሎም ነበርቲ ከተማ ስቶክሆሎም ናይ ኮሮና ቫይረስ መርመራን ሓደ ሰብ ብቫይረስ ኮሮና ተጠቒዑ ነይሩ’ዶ ኣይነበረን ንምፍላጥ ዘኽእል ናይ ጸረ-ኣካል መርመራን ብነጻ ክግበር ከምዝኽእል TT ሓቢሩ። እቲ መርመራ ንኹሉ ሰብ ክፉት ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ስቶክሆልም፡ ኤሪን ስቪኖንዮስ፡ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። መርመራ ክገብር ዝደለየ ሰብ ካብ ሶኑይ ጀሚሩ ብመንገዲ 1177 ኣቢሉ ሪጋ ክሕዝ ከምዝኽእል ተሓቢሩ ኣሎ። …

Read More »

ሓጺር ዛንታ፣ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምካልኣይ ክፋል  ሄለን፡ ኣብ ስራሕ ገዛ’ውን ማዕረ ወላዲታ ትሳተፍን፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ብወላዲኣን ኣሕዋተን ዝፍጸም ትእዛዝ፡ ብዘይ ነግ ፈረግ ትምእዘዝ ብምንባራ፡ ብኹሎም ስድራ ፍትውቲ ነበረት። ምርቓ ወለዳን፡ ወትሩ ጽላል ዝኾንዋ ኣሕዋታን ድማ ኣብ ምዕዋት ትምህርታ ሓጋዚ ነበረ። እዚ ምስጉን ጠባይ ኣብ ገዝኣን ከባቢኣን እናንጸባረቐት’ያ ድማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝሓለፈ ብሉጽ ውጽኢት እናመዝገበትን ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣብነት እናተጸውዐትን፡ ናብ …

Read More »

ዴኒማርክ፡ ብጀካ ካብ ሽወደን ንኻልኦት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ኣፍደገኣ ትኸፍት

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ካብ 15/06/2020 ጀሚራ ንኹሎም ካብ ጀርመን፡ ኖርወይን ኣይስላንድን ዝመጹ በጻሕቲ ኣፍደገኣ ክፉት ምዃኑ እንዳሓበረት ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ክትቅበል ድልውቲ ከምዘይኮነት ግን መርገጺኣ ደጊማ ኣረጋጊጻ። እቶም በጻሕቲ ናብ ኮፐንሃገን ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ሚኒስተር ፍትሒ ዴኒማርክ፡ ኒክ ሂኪሮፕ፡ ከም ዝሓበረ TT ኣመሓላሊፉ። በጻሕቲ ናብ ከተማ ኮፐንሃገን ክበጽሑ ኣይፍቀድን እዩ ዝብል ኣቐድም ኣቢሉ ብመንግስቲ ዝወጸ መግለጺ ካብ ብዙሓት ሰልፍታት ዴኒማርክ …

Read More »

መንግስቲ፡ ሓቀኛ ዕድመ ስደተኛታት ንምፍላጥ ዘኽእሉ ኣገባባት የናዲ

መንግስቲ ሽወደን፡ ሓቀኛ ዕድመ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ንምፍላጥ ዘኽእል ሕክምናዊ ኣገባብ ንምንዳይ ሓደ መርማሪ ከምዝመዘዘ TT ሓቢሩ። ድልዳለ ኣስናንን ኣብራኽን ብምዕዛብ ዕድመ ናይ ስደተኛታት ንምፍላጥ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣጠራጣርን ናብ ቅኑዕ መደምደታ ዘየብጽሕን ብብዙሓት ክኢላታት ክንቀፍ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።    ዕድመ ስደተኛ ኣብ ውሳነ ሕቶ ዑቕባ ዓቢ ተራ ኣለዎ። እቲ ምንታይ’ሲ፡ ሓደ ስደተኛ ልዕሊ 18 ዓመት ወይ ትሕትኡ ምዃኑ ምፍላጥ ኣብቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com