Saturday , May 4 2024

ውህደት

Swedish News in tigrigna – ዜና ሽወደን ብትግርኛ 15 ሚያዚያ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. መጻኢ ሃገራዊ ቁጠባ ሽወደን ኣብ ዓበይቲ ብድሆታት ከምዝተቐርቀረ ተሓቢሩ። 2. ብሰንኪ ኮቪድ 19 ናይ ዝሞቱን ዝሓሞሙን ቁጺሪ ብደረጃ ሃገር ይዉስኽ ምሕላዉ ተፈሊጡ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

ሽወደናውያን ንመምርሒታት መገሻ ከምዘተግበሩ ተፈሊጡ።

መብዛሕትኦም ተገልገልቲ ኩባንያ ቴልያ (Telia) ዝኾኑ ሽወደናውያን ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ ኣብ እዋን በዓላት ናይ ዘይምጋሽ መምርሒ ከም ዘተግበሩ ብመንገዲ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረስ ምስ ምንቅስቓስ ሰባት ንምዝማድ ክኽእሎ ካብተን ኩባንያታት ነቲ ናይ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ሓበሬታ ክጥቀመሉ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብ እዋን በዓላት ብሽወደናውያን ዝፍጸሙ ዝነበሩ መገሻታት፡ ናብ እንዳ ቤተ ሰብን መዘናግዒ ጎቦታትን፡ …

Read More »

ኩባንያታት ቮልቮን ስካንያን ብኸፊል ስርሐን ክጅምራ እየን።

ኩባንያታት ቮልቮን ስካንያን ዝቕጽል ሰሙን ስርሐን ብኸፊል ክጅምራ ምዃነን ጋዜጣዊ ጸብጻባት ሎሚ ሰሉስ ሓቢረን። ኩባንያ ቮልቮ ካብ ዝቕጽል ሰኑይ፡ ኩባንያ ስካንያ ድማ ኣብ ዝቕጽል ሰሉስ ስራሐን ክጅምራ መደብ ከምዘለወን ሬድዮ ኢኮት (Ekot) ሓቢራ። እዘን ኩባንያታት ፍርያት ኣብ ዝጅምራሉ እዋን፡ እቲ ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት ከጋጥም ዝኽእል ዋሕዲ ናይቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ሽወደን ዝኣቱ ዝነበረ መቀያየሪ ኣቕሑ ከም ቀንዲ ብደሆታተን ክኸውን …

Read More »

ጽንብል ምምራቕን ምዉዳእን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከይግበር ተኣዚዙ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣበየ ዓመቱ ንምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ተማሃሮን ማለት Studenten fest ዝካየዱ ጽምብላት፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ከይግበር ከምዝተመኽረ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሽወደን ሓቢሩ። ብመሰረት ንመዋእል ዝጸንሐ ባህሊ ምጽንባል ምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ንመንእሰያት ተማሃሮ ትምህርቶም ዝዉድእሉን፣ መገዲ ሂወት ልዕሊ ዕድመ ዝኣትዉሉን ከምኻኑ መጠን እቲ ዝግበር ጽምብል ነዚ ምኽንያትን መሰረትን ዝገበረ ከምዝኾነ ይፍለጥ፣ ሎሚ ዓመት ግን ብሰንኪ ለበዳ …

Read More »

መንግስቲ ንሰዓታት ስራሕ ብ80% ናይ ምጉዳል ዝብል ሓሳብ ደገፉ ቀጺሉ።

መንግስቲ ሽወደን ብሰልፍታት ሞደራትናን ሊበራልን ተሓጊዙ ሰዓታት ስራሕ ሰራሕተኛታት ካብ ብ60% ናብ ብ80% ክጎድል ዝብል ሓሳብ ከም ዝደገፍዎ ተሓቢሩ። እዚ ውሳነ ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስዩ ወሃብቲ ስራሕ ምሉእ ደገፎም ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ። ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝወረደ ሃስያ ንምቕናስ ዝከኣል ስጉምታት ክንወስድ ኢና ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ማግዳሊና ኣንደርሸን፡ ሓቢራ። እዘን ኩባንያታት ብደገፍ መንግስቲ ንሰዓታት ስራሕ ብ60% ከጉድላ ክኢለን ነይረን። …

Read More »

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሽስታን ቴነስታን ክጎድል ኣንከሎ ኣብ ሶደርታልያ ግን ይውስኽ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ስቶክሆልም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ከባቢታት ሺስታ፡ ቴነስታን ሱንዲቤሪን ቁጽሪ ናይቶም ዝተለኽፉ ሰባት ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ ሎሚ ከም ዝጎደለ ተፈሊጡ። ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስቶክሆሎም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ሶደርታልያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ቁጽሮም ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጸብጻባት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ንከባቢታት ሽስታን …

Read More »

ቲግኒል፡ መጠን ወሰኽ ለበዳ ቫይረስ ብዓቢ ደረጃ ከምዝነክየ ይሕብር።

ብሰሉስ ዝተመዝገበ መጠን ወሰኽ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣመልኪቱ ስክፍታ ዝመልኦ ተስፋ ከምዘሎ ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንድሽ ቲግኒል ገሊጹ። ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ መጠን ወስኽ ብዝሒ ብቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ሎሚ ብዓቢ ደረጃ ነክዩ ክብል ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ትሕቲ 1 ሽሕ ሕሙማት ኣለውና። ብመንጽሩ ድማ ብዝሒ ናይተን ኣሃዱታት ይውስኽ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ …

Read More »

ስቶክሆሎም፡ ክልተ ሰባት ኣብ ምልውዋጥ ቶኽሲ ተቐቲሎም።

ኣብ ምዕራብ ስቶክሆሎም ከባቢ ቬሊንግቢ ሎሚ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 2 ናይ ምሸት ኣብ ዘጋጠመ ምልውዋጥ ናይ ቶኽሲ፡ ክልተ ሰባት ሂወቶም ከም ዝሳኣኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢራ። ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪታ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ኣብ ዘመሓላለፈቶ ዜና፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ክልተ ሰባት ህወቶም ከምዝሰኣኑ ሓቢራ። ፖሊስ’ቲ ከባቢ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ንምልውዋጥ ቶኽሲ ኣመልኪቶም ከም ዝደወሉን እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ቤት …

Read More »

ባንክ ሽወደን Swedbank ብሰንኪ ኮቪድ 19 ክሳር ከምዘጋጦም ሓቢሩ።

ባንክ ሽወደን Swedbank ብሰንኪ ኮቪድ 19 ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይቲ ባንኪ ጸገማትን ተደሚሩ እብዚ ርብዒ ዓመት ገንዘባዊ ጸብጻቡ ዓቢ ጉድኣትን ክሳራን ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ባኒ ዘዉጽኦ ርብዒ ዓመታዊ ጸብጻብ 2,2 ሚልያርድ ክሮነር ክሳራ ከምዘጋጠሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ባንኪ ቅድሚ ቅልዉላዉ ቫይረስ ኮሮና፣ ብሰንኪ እቲ ባንኪ ኢድ ዘሓወሰሉ ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ገንዘብ፣ ዝወረዶ መቕጻዕቲ ወሲኽካ ቁጠባ እቲ ባንኪ ኣብ …

Read More »

ሽወደናዊት ኩባንያ፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ዝኸውን መድሃኒት ትፍትን።

ሽወደናዊት እንግሊዛዊት ኩባንያ Astra Zeneca ንሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኸውን መድሃኒት ትፍትን ከምዘላ ተሓቢሩ። ንፍሉይ ዝኾን ዓይነት ሕማም መንሽሮ ደም ዝጥቀምሉ Calequence ዝበሃል መድሃኒት ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ንሕሙማት ኮቪድ-19 ትፍትን ምህላዋ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ እታ ኩባንያ ትሕብር። ንሕማም ኮቪድ-19 ከም መድሃኒት ክኸውንን ንብዝሒ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ምንካይን እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፈተነ ምዃኑ እታ ኩባንያ ትሕብር።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com