Saturday , May 4 2024

ውህደት

ኣብ ስቶክሆልም መጠነ ሞት ኮሮና ይንኪ ኣሎ።

እቲ ህቦብላ ንፋስ ግን ይቕጽል ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ክጎድል ከምተራእየን ናይቲ ሕማም ህቦብላ ንፋስ ግን ይቕጽል ከምዘሎን ሓላፊ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ቢዮሪን ኤሪክሰን፡ ክምዘረጋገጾ TT ሓቢሩ። ኤሪክሰን፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንሕማም ኮቪድ-19፡ ብህቦብላ ንፋስ ከምዘመሳስሎ ይዝከር። ህቦብላ ኮሮና ብምሉእ ሓይሉ እዩ ነፊሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ህቦብላ ንፋስ ብከፊል ይዝሕል ከምዘሎን እዚ ግን ዝቑጸር ኣይኮነን …

Read More »

ማዕከናት ዜና ሽወደን ንሎቬን ይነቕፋ።

ቃለ መሕተት ከነካይድ ኣብ ንደልየሉ እዋናት ክንረኽቦ ኣይከኣልናን ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከባ ሸሞንተ ዓበይቲ ማርበባት ሓበሬታ እተን ሽዱሽተ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ምስ መርበባት ሓቤሬታ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ኣመልኪተን ንሎቬን ከምዝነቐፋ ተሓቢሩ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሎቪን ምስ ማዕከናት ሓበሬታ እኹል ዝኾነ ርክባት ከምዘየካየደ በቲ ሬድዩ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ መሰረት እተን ሽዱሽተ ካብተን ሸሞንተ ዓበይቲ ማዕከናት ሓበሬታ ከምዝተሰማማዓሉ ተሓቢሩ። ኣብቲ …

Read More »

Swedish News in Tigrigna ዜና ሽወደን ብትግርኛ 04 ግንቦት 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ጸረ ቫይረስ ኮሮና መድሃኒት ክዋሃብ ክጅምር እዩ ተባሂሉ። 2. ሃገረ ደንማርክ ጃምላዊ ምርመራ ኮቪድ 19 ንምክያድ ሓደ ሃገራዊ መደብ ሓንጺጻ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

2020 እታ ዝለዓለ ሙቐት ዘለዋ ዓመት ክትከውን ትኽእል እያ ተባሂሉ።

ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣከባቢ ኣወንታዊ ተራ ምጽዋቱን ኣየርን ኣከንባቢን ስቶክሆልም ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ምጽራዩን ኣብ መትረባት ቨኒስ ሰላማዊ ዓሳ ክረአ ምጅማሩን ይፍለጥ። እንተኾነ ግና እኩብ ናይ ግሪን ሃውስ ብድሆ ንምግጣም ናይ ነዊሕ እዋን ኣከባብያዊ ስራሕ ከም ዘድሊ ተመራመርቲ ገሊጾም። ኮሮና ኣምጺእዎ ዘሎ ኣዎንታዊ ኲነታት ኣከባቢ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ 2020 እታ ዝወዓየት ዓመት ክትከውን እያ ድማ ኢሎም። እቲ ቅድሚ ሕጂ …

Read More »

መንግስቲ ገበነኛታት ካብ ሽወደን ከባርር እዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ፍሩዳት ገበነኛታት ካብ ሃገር ንምብራር ናይ ማእከላይን ሊበራላዊ ሰልፍታት ደገፍ ምርካቡን ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። “ሕጂ ዘሎ ሕጊታት ኣዝዩ ልኡም እዩ። ኣብ ምድሪ ሽወደን ገበን ዝፈጸመ ሰብ ዘይዜጋ እንተኾይኑ ናብ ሃገሩ ክባረር እዩ ዘለዎ” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ገሊጹ። እዚ ምስጓጒ መዓስ ክትግበር ምዃኑን ኣብ ከመይ ኲነታትከ ካብ ትግባረ ክተርፍ ይኽእል ዝብል ገና ዘይደቀሰ ዛዕባ እኳ እንተኾነ ክብሪ …

Read More »

መንገዲ ኣየር ሳስ ናብ ከተማ ኬሮና ዝነበሮ በረራ ከምዘቛሮጾ ሓቢሩ።

ዋላኳ ካብ ቆንስል ከተማ ኬሮና ቊጥዐ እንተጋጠሞ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ናብታ ከተማ ዝገብሮ በረራ ምቊራጹ ተገሊጹ። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ምስ ንግድ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ካብ ሎሚ ሰኑይ ጅሚሩ ናብ ከተማ ኬሮና ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ከቋርጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ካብ ቆንስል እታ ከተማ ከቢድ ቅሬታ ምኽታሉን እታ ከተማ ንሰሙን ዝጸንሕ በረራ ውሑስ ንምግባር ክሳብ 180 ሽሕ ክሮና ወጻኢ ክሓታ ከም ዝኽእልን SVT …

Read More »

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ

ግንቦት 3 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ኮይኑ ብደረጃ ዓለም ዝበዓል መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ዕለት ኣብ ዓለምና ኣብ ልዕሊ ጋዚጠኛታት ዝወርድ መጥቃዕቲን ማእሰርትን ዝዝከረሉ ኮይኑ ብደረጃ ስዊድን ከኣ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝርከብ ጋዜጠኛ ስዊድናዊ ኤርትራዊ ዳዊት ኢሳቕ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ኣዛረቢ ኮይኑ ይርከብ። ንልዕሊ 19 ዓመት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝርከብ ዳዊት ኢሳቕ ጉዳዩ ብመንግስቲ ተታሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብል ነቀፌታት …

Read More »

መሰል ወዲ ሰብ።

ኣማኑኤል ሳህለ ንምዃኑ ወድሰብ፡ መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ?ወድ ሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን፡ እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ ወይ ጉጅለ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥርን ኪግልገለሉን ዝኸኣለ። ናይ መን መሰል? ናይ ባዕሉ መሰል። እቲ ንነብሱ መሰል ዝሃባ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ …

Read More »

ናይ ለበዳ ምልክታት ተኸታቲሉ ዘጠንቅቕ ኣፕሊከሽን ኣብ ሽወደን።

ኣብ ሉንድ ዩኒቨርሲቲ ዚርከቡ ሰብ ምርምር፡ ነቲ ምዝርጋሕ ለበዳ ኮሮና ዚከታተልን ኣቐዲሙ ዘጠንቅቕን መሳርሒ ኪፈጥሩ ከም ዚኽእሉ ኣሚቶም ኣለዉ። ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዘለዎ ጥቕሚ ምስ ተሓተተ፡ ተግነል፡ ናይ ለበዳ ክኢላ፡ ንተለቪዥን ሽወደን ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንሱ ርግጸኛ ከም ዘይኮነ እዩ ዚገልጽ። ግን ከኣ ፖል ፍራንክስ ናይ ሉንድ ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ለበዳ፡ ንራድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንሱ እቲ መሳርሒ ከምቲ ኣብ ዓባይ …

Read More »

ሰልፊ ቨንስተር፡ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ተወሳኺ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ንኽወሃቦም ይሓትት።

ቁጽሪ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕናን ኣባላት እንዳ መናበይ ዓበይቲን ንምውሳኽ ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ክካየድ ከምዘለዎን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሞሳ ናይቲ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዝገብርዎ ዘለዉ ተወሳኺ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ንኽወሃቦም ሰልፊ ቨንስተር ጸዊዑ። ሰልፊ ቨንስተር ነዞም ኣብዚ ከቢድን ዘይንቡርን ግዜ ሂወቶም ኣብ ቀዳማይ መስመር ሰሪዕም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ንኸድሕኑን ኣንጻር’ዚ ሕማም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዓስቦም ንኽኸፍሎም ድልየት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com