Saturday , May 18 2024

ውህደት

ደቆም ንቤት ትምህርቲ ዘይልእኩ ወለዲ ካሕሳ ክኸፍሉ ምኳኖም ተሓቢሮም።

ኣብ ምምሕዳር ሊድሾፒን ዝነብሩ ወለዲ፡ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘይልእኩ ካሕሳ ክኸፍሉ ምዃኖም ተሓቢርዎም ክብል TT ሓቢሩ። ኣብ’ዚ ምምሕዳር፡ ብዝሒ ብኩራት ተማሃሮ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ወሲኹ ይርከብ። ምምሕዳር እቲ ከባቢ፡ ደቆም ካብ ትምህርቲ ንዘብኮሩ ወለዲ ምልእኽቲ ሰዲድሎም ኣሎ። መምርሒ ግዴታዊ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ከምዘሎን እቶም ብዘይ ናይ ሕማም ምኽንያት ደቆም ኣብ ገዛ ዘትርፉ ወለዲ ድማ ኣደዳ መቕጻዕቲን ስጉምትን …

Read More »

ሰልፊ ሰንተር ንኣረጋውያን ዚምልከት ንጹር መምርሒ ይደልዩ።

ሰልፊ ሰንተር፡ ኣረጋውያን ከመይ ገይሮም ኮሮና ከይለኸፎምም ምስ ቤተሰቦምን ብጾቶምንኪራኸቡ ከም ዚኽእሉ መምርሒ ኪህብ ነቲ ወኪል ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ኪሓቶ ሙዃኑ ይሕብር። ምክትል ሓላፊ ሰንተር ፓርቲ ኣንደሽ ዮንሶን ንራድዮ ሽወደን ከም ዝበሎ፡ እቲ ማሕበራዊ በይናውነት ንኣረጋውያን ካልእ ዘይተደልየ ሕማማት ከስዕበሎም ይኽእል እዩ።ንሱ ነቶም 70ን ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም ሰባት ኣብ ግዜ ለበዳ ዘካይዱዎ ማሕበራዊ ርክባት ብዚምልከት፡ ንጹር መምርሒታት ኪወሃቦ ይደሊ፡ ይብል።

Read More »

መንግስቲን መሻርኽቲ ሰልፊታትን ናይ 15 ቢልዮን ክሮነር ሓድሽ እማመ ኣቕሪቦም።

ካብቶም ብዙሓት በዚ እማመ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ዝተኸስተ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ካሕሳኡን ክኾኑ እዮም። ” ብመሰረት እዚ እማመ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝግበረሎም ሰባት እናበዝሑ እዮም ክኸዱ” ክብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሚኒስተር ማግዳሊን ኣንደርሰን። እዚ ወሰኽ ካብ 760 ክሳብ 1000 ክሮና ኣብ መዓልቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ተመልኪቱ። እዚ ወሰኽ ግዜያዊ ኰይኑ ካብ ሰነ 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ክጸንሕ እዩ። ናይ መጸበዪ …

Read More »

ሚኒስተር ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ምብኳር ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ትብል።

ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ልዕሊ ፍርቂ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታ ብኲራት እኳ እንተርኣያ ድሕሪ ፋስጋ ግና ናብ ንቡር ምምላስ ጀሚረን ኣለዋ። ” ኣብዘን ዝዕጸዋ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሳመርን ቀዳመ ሰንበትን እቲ ንቡር ንጥፈት ምሃብ ምተኻእለ” ትብል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ን ኣገልግሎት ዜና ኤክስትሮም ሓቢራ። ” ተመሃሮ ምልክታት እቲ ሕማም ክሳብ ዘየርኣዩ ክሳብ ክንድዚ ካብ ትምህርቲ ክበዂሩ ጽቡቕ …

Read More »

ስቶክሆልም ተራ ሽማግለታት ብምዕዛዝ ምልባዕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምዕጋት ተዓዊታ ተባሂሉ።

ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ዝኽሰት ምልባዕ ለበዳ ብምግታእ ዝወሰደቶ ስጒምቲ ከም ኣብነት ክውሰድ ዝግብኦ እዩ ኢሉ። ” ብፍላይ ድማ መሰረታዊ ጽሬትን ኣሰራርሓ ምምካንን በቲ ዝድለ መጠን እናሰራሕናሉ ክንቅጽል ኢና” ክብል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሁ’ሎ። ሕጂ ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ስቶክሆልም ዘሎ ዝወሓደ መጠን ለበዳ ናይዚ ዝተወስደ ስጒምቲ ኣዎንታዊ ውጽኢት እዩ ድማ ኢሉ። ዳይረክተር ኣውራጃዊን ቆንስል …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ወርቂ ክብሪ ዋጋ የርኢ።

ኲነታቶም ከውሕሱ ዝንቀሳሳቐሱ ዘለዉ ኣውፈርቲ ዋጋ ወርቂ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ተራእዩ ናብ ዘይፈልጦ ወሰኽ ዋጋ ከርኢ ምግባሮም ተፈሊጡ። ወርቂ ከም ህያብ ምግዛእ ልሙድ ምስ ምዃኑ ኣብ ሳመር ዝህሉ መርዓን ናይ መመረቕታ ስነስርዓትን ናብ ወሰኽ ዋጋ ወርቂ ክወስዱ ምዃኖም ገለ ኣመታት እኳ እንተነበረ ምስ ምምጻእ ቅልውላው ኮሮናን ፍርሂ ምንቊልቋል ባጤራን ግና እዚ ወሰኽ ናብ ዝለዓለ ጠር በጺሑ ይርከብ ኣሎ ተባሂሉ።

Read More »

ብዝናብ ዝተሰነየ በረድ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክህሉ ሙዃኑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ኣርክቲክ ዝመጽእ ዛሕሊ 15 ሰንቲሚተር በረድ ክፈጥር ይኽእል እዩ ተባሂሉ። እዚ ካብ ኣርክቲክ ዝመጽእ ዛሕሊ ውርጪን ንፋስን ከኸትል ከምዝኽእልን፣ በዚ ድማ ቀዳም ደበና ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ዝህሉ  ኮይኑ ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ሽወደን ግን ዝናብ ክህሉ ትጽቢት ከምዘሎ  እዚ በዓል መዚ ይትንበ። በዚ መሰረት ደርጃ ሙቐት ካብ 10°-15°C ዝበጽሕ ክህሉ፣ ኣብ ሰሜን ሽወደን ከባቢ ዶብ …

Read More »

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዋጋ ኣባይቲ ስቶክሆክም ምንቊልቋል ተራእዩ ተባሂሉ።

ምስ ካልኦት ኣዋርሕ ብምንጽጻር ኣብ መንበሪ ኣባይቲን ገዛውቲ ቪላን ስቶክሆልን ዓብዪ ምጒዳል ከም እተመዝገበ ተገሊጹ። ብመሰረት ኲባንያ ኣባይቲ SBAB ከምኡ’ውን ቡሊ ዘውጽኦ ስታቲስቲክስ ዋጋ ኣባይቲ ናይ 3.8% ምጒዳል ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። ለበዳ ኮሮና ኣብ ዕዳጋ ኣባይቲ ዘምጽኦ ምጒዳል ኣብ ስቶክሆልም እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ድማ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ብፍላይ ምስፍሕፋሕ እዚ ሕማም ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ከም ማእከላይ ሽወደን ዝመሰሉ …

Read More »

ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ ተሓቢሩ።

ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ካብ ወርሓ መጋቢት ንደሓር ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ኣመና ምጒዳሉን በዚ ድማ እቲ ናይ መገሻ እገዳ እንተቐጺሉ ሕቶ ዕቚባ ናብ 10 ሽሕ ጥራይ ክድረት ከም ዝኽእል ገሊጹ። “እቲ ትጽቢታት ገና ኣይተረጋገጸን” ዝበለ ዳይረክተር ውጥን ሄንሪክ ሆልማን ” እዚ ለበዳ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ሕቶ ክሳብ መኣስ ይጸንሕ ኣብ ዝብል ዝምርኰስ እዩ” ክብል ወሲኹ ኣብሪሁ። ሕቶ ዕቚባ …

Read More »

ናይ ሽወደን ዕዳጋ ስራሕ፡ ኣብ ታሪኹ እቲ ኣዚዩ ዝጸንከረ ቀውሲ የጋጥሞ።

ሚኒስተር ዕዮ ኤቫ ኖርድማርክ፡ ኣብ ሽወደን ብዝሒ ስራሕ ኣልቦነትን ምድስካልን ኣጸጋጋሚ ኩነታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊጻ። ኣብዚ ግዚ እቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ካብ መጋቢት 1 ጀሚሩ ተወሰኽቲ 122,000 ስራሕ-ኣልቦ ከም ዝመዝገበ ሓቢሩ።  “እቲ ድስከላ ኣብ ወርሒ መጋቢት 42,000 ነይሩ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ 268000፡ እዚ ድማ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ትብል ኖርድማርክ። ኣብ 1992 እቲ ዝለዓለ 22,000 እዩ ነሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com