Saturday , May 4 2024

ውህደት

ክኢላታት፡ ቁጠባ ሽወደን ከም እንደገና ዕብየት ከርኢ ክጅምር እዩ።

ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ዘንቆልቆለ ቁጠባ ሽወደን ከምእንደገና ዕብየት ከርኢ ክጅምር ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣብ ባንክ ኖርድያ ዝርከቡ ተመራመርቲ (ክኢላታት) ቁጠባ ከምዝሓበሩ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ቁጠባ ሽወደን ብ6% ከምዘንቆልቆለ ክኢላታት ቁጠባ ይሕብሩ። ብኻልእ ወገን፡ ቁጠባ ሽወደን ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ ንታሕቲ ከንቆልቅል ከምዝኽእል ላዕለዋይ ክኢላ ቁጠባ’ቲ ባንክ ዝኾነት፡ ኣኒካ ቪንሰንት፡ ግምታታ ትገልጽ። ስራሕ ኣቋሪጸን ዝጸንሓ ኩባንያታት፡ ኣብ ክረምቲ …

Read More »

ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ሉንድ ምፍርራህ ይበጽሖም ኣሎ።

ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ክፍሊ መርመራ እንስሳታት ዝሰርሕ ሳይንቲስት ብደብዳቤ እተሰነየ ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝበጽሖ ተሓቢሩ። ተመሳሳሊ መላጸ ወይ ላማ እተጣበቖ ደብዳቤ ንኻልእ ተመራማሪ ሉንድ ከም ዝበጽሖን “MVH እንስሳታት” ዝብል ክታም ከም እተነብሮን ሲድስቨንስካ ሓቢራ። ኻልእ ሳልሳይ ተመራማራይ “እዚ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽርና እዩ” ዝብል ክታም ዘለዎ ጽሑፍ ኣብ ቤቱ ተጠቂዑ ምርካቡን ብሓፈሻ ኣብ ተመራመርቲ እንስሳ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ርኡይን …

Read More »

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ንቴግኔል ይነቕፍ።

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ነቲ ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ሬድዮ ሽወደን ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣመልኪቱ ብትሪ ነቒፍዎ። “ኲሎም ካብ ዶባት ሃገርና ወጻኢ ዘለዉ ኣህዛብ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ክኾኑ እዩ ዝግብኦም ኔሩ” ክብል እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።፡ ኣምባሳደር ማርዮ ኮስፒቶ ቲግኔል ብ 24 ግንቦት ምስ P1 ንዝገበሮ ቃለመሕትት ብምንቃፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ጽሑፉ ኣስፊሩ’ሎ። ኣብቲ ቃለ …

Read More »

መጠነ ሞት ኣብ ሽወደን ይንኪ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ወርሓ ግንቦት መጠነ ሞት ሕሙማት ኮሮና ሽወደን እናነከየ ምምጽኡ ክፍሊ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። እዚ ምንካይ ብፍላይ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ብፍላይ ዝለዓለ ምዃኑ ብኣንጻሩ ግና ኣብ ቫስትራ ጉትላንድ መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮና ምውሳዂ ተገሊጹ’ሎ። ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ጀሚሩ ሰሙናዊ መጠነ ሞት ዜጋታት ምንካዩ ድማ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ዝኸፍአ ግዜያት ሞት ክሳብ መፋርቕ ሚያዝያ ዝነበረ ምዃኑን ኣብዚ እዋን ብማእከላይ ገምጋም 106 ሰባት መዓልታዊ …

Read More »

ፊንላንዳዊ ሓኪም፡ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዝተረኽቡ ግዳያት ኮሮና-19 ካብ ሽወደን ዝመጹ እዮም።

ሓደ ኣብ ከባቢ ኦስተርቡተን ዝሰርሕ ፊንላዳዊ ሓኪም፡ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዝተረኽቡ ግዳያት ኮሮና ዝኾኑ ሰባት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሽወደን ብቫይረስ ዝተለኽፉ ምንባሮምን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ናብታ ሃገር ክግያሽ ከምዘይግባእ ክብል ከምዘጠንቀቐ SVT ሓቢሩ። ኣብ መጨረሽታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመዝገበት ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነት ካብ ሽወደን ዝመጸት ሰብ ነይራ ክብል ኣብ ሆስትፒታል ፋሳ ዝሰርሕ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ፡ …

Read More »

ክሮኤሽያ ሽወደናውያን በጻሕቲ ክቕበል እየ ትብል።

ክሮኤሽያ ዶባታ ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን ካብ መላእ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝመጹ በጻሕቲ ( እንተላይ ናይ ሽወደን) ከተአንግድ ድሌት ከም ዘለዋ ሓቢራ። ኲሎም በጻሕቲ ካብ ዓዶም ቅድሚ ምንቃሎም ኣቐዲሞም ዝሓዝእዎ ሆቴላትን ካልእ እንግዶትን ከመዝግቡን ድማ ኣተሓሳሲባ’ላ። ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክሮኤሽያ ዑደት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝበሃል ዘሎ ብዘይ ፍሉይ ስምምዕ እዘን ሃገራት እዩ። እቲ እንኮ ካብ ክሮኤሽያ ዝሕተት ረቛሒ ኣቐዲምካ ኣገልግሎታት ሓዚእካ …

Read More »

ስቶክሆልም ሓድሽ መርመራ ክትጅምር እያ።

ምምሕዳር ኮሮና ኣብ ሰሙን 40 ሽሕ ተቐማጦ ዝምርመርሉ ፕሮግራም ክትፍኑ እያ ተባሂሉ። ብመሰረት እዚ ፕሮግራም “ፍሉይ ንጥፈት ዘካይዱ” ተባሂሎም ዝተረቚሑ ክፍላት ሕብረተሰብ እውን ኣብዚ መርመራ ክካተቱ ክግበር እዩ ክብል ዳይረክተር ጥዕናን ሕክምናን ብዦርን ኤሪክሰን ሓቢሩ’ሎ። ካብቶም ብቐዳምነት ክምርመሩ እዮም ተባሂሎም ዘለዉ ልዑል ናይ ምልባድ ሓደጋ ዘንጸላለዎምን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝርከቡን ኣባላት እዮም ተባሂሉ’ሎ። በዚ ኣሃዝ መርመራ እቶም ኣብ ስልሳይ ደረጃ …

Read More »

ናይ ጾታዊ መጻምዲ ምብዛሕ ንለበዳ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ጾታዊ መጻምዲ ምብዛሕ ወይ ምስ ቡዙሓት ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ንለበዳ ከም ዘቃልዕ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ብምጥቃስ ሓቢሩ። መጻምዲ ዝኾነ ይዂን ምልክት እንተዘይብሎም ጾታዊ ህይወቶም ከስተማቕሩ ዝመኸረ እቲ ጸብጻብ ምስ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝግበር ጾታዊ ዝምድና ግና ነዚ ሕማም ኣብ ምልባድ ኣሉታዉ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ። ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ …

Read More »

መርመራ ኮሮና ዝግበረሎም ሰባት እናወሓዱ ምምጽኦም ተገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን መርመራ ኮሮና እተገብረሎም ሰባት 28800 ጥራይ ምንባሩን እዚ ድማ ቊጽሪ ተመርመርቲ እናነከየ ምምጽኡ ዘረድእ እዩ ተባሂሉ። እቲ ኣብ ሰሙን 100 ሽሕ ንምምርማር እተታሕዘ ሸቶ ምስዚ እንክነጻጸር ኣዝዩ ዘይመጣጠን ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። ዝሓለፈ ሰሙን እተመርመሩ ምስታ ኣቐዲማ ዝነበረት ሰሙን ብምውድዳር ብ 4000 ከም ዝውሕዱ ዘመልከተ ክፍሊ ስታቲስቲክስ ሽወደን እታ ሃገር ኣብ ሰሙን 100 ሽሕ ሰባት ናይ ምምርማር ብቕዓት እኳ …

Read More »

ብብዝሒ ሰራሕተኛታት ካብ ዝቀነሳ ጽላታት ስራሕ ሽወደን።

TT ካብ 1መጋቢት ክሳብ 17 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ 73000 ሰባት ካብ ስራሕ ደው ከምዝበሉን ብጠቅላላ ኣብ ስዊድን ከምደለይቲ ስራሕ ዝተመዝገቡ ሰባት ቁጽሪ 430000 ክበጽሕ ከሎ፣እዚ ማለት ከኣ 8.4% ካብ ህዝቢ ስዊድን ምዃኑ ተገሊጹ:: እቶም በዚ ኩነታት ክሮና ቫይረስ ዝያዳ እተጠቅዑ ጽላታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:: 1. ሆቴላትን ኣብያተ መግብን – 17 530 ሰባት 2. ኣገልግሎት ጉዕዞ ፡ምክራይን ተዛመድቲ ኣገልግሎታት – …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com