Saturday , May 4 2024

ውህደት

ፍርሂ ብዓይኒ ፍልስፍና።

ብ ናስሮቪች “ሓንበስቲ ብፍርሂ እንተዝእሰሩ ሉል ዝበሃል ክቡር ስልማት ኣይምሃለወናን” ሳዲ ፍርሂ ካብቶም ፈጺሞም ዘይብሃጉ ስምዒታት እዩ፡፡ ይዂን”ምበር ፍርሂ ዝቕስቅሱ ፊልምታት ኣዝዮም ፍቱዋት ኣገባባት ምዝንጋዕ ካብ ዝኾኑ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሮም ኣለዉ፡፡ እዚ ምስ ግርምቢጥ ክጽብጸብ ዝኽእል ኵነት ሰለምንታይ ይኽሰት ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ብቐንዱ ንተመራመርቲ ሰነልቦና ዝግደፍ እዩ፡፡ ምናልባት ግና ማእከላይ ስርዓተ መትኒና ካብ ዘለዎ ሕሉፍ ባህጊ ምንቕቓሕ ዝብገስ ክኸውን ይኽእል …

Read More »

ፕሮሶሰይ ሓቀኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ምስ ሰመረ ዝተሰማማዕናዮ፡ ናይ ሓዳር መደባት ንምትግባር ኣብ መስርሕ ከለና፡ ሓንቲ ልክዕ ከም ከማይ ነጋዲት፡ ካብ ኤርትራ ናብ ቱርኪ እትመላለስ፡ ደጋጊማ ሓደ ንመጻእየይ ዝጸልምት ሓሳባት እናምጽአት ደጋጊማ ትልምነኒ፡ ልክዕ ንምዃን ኣርሴማ’ዩ ስማ። ኣርሴማ፡ ”ብመንገዲ ቱርኪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምእታው ብሉጽ ህይወት ክንመርሕ ኢና” ብምባል ደጋጊማ ክትልምመኒ ትጅምር፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዕዞ ጥልቅ ዝበለ ኣፍልጦ ዘለዋ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ …

Read More »

ደንማርክን ኖርወይን ንሽወደን ብምፍላይ ዶባተን ይኸፍታ።

ደንማርክን ኖርወይን ካብ ዕለት 15/06/2020 ጀሚረን ካብን ናብን ሃገራተን ናይ መገሻ መስመራተን ክኸፍታ ተሰማሚዐን። ሽወደን ግን ኣብዚ ስምምዕ እትውቲ ከምዘይኮነት TT ሓቢሩ።   ሽወደን ኣብዚ ስምምዕ እትውቲ ዘይምዃና ብሰንኪ ኣብዘን ሃገራት ዝተራእየ ፍልልይ ናይ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምዃኑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ደኒማርክ፡ ሚት ፍረድሪክሰን፡ ሓቢራ። ምስ ጎረቤትና ዝኾነት ሽወደን፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት መፍትሒ ንምርካብ ቀጻሊ ዝኾነ ርክባት ንገብር ኣለና ክትብል …

Read More »

Swedish News in Tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 25 May 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ኣብ ሽወደን ዘሎዉ ሆስፒታላት ህጹጽ ምኽንያት ንዘይብሎም ብመጥባሕቲ ዝግበር ኣገባብ ሕርሲ፣ ቀዳምነት ከምዘይህባ ተሓቢሩ። 2. ኣብ መንጎ ቻይናን ኣሜሪካን ዘሎ ምስሕሓብን ናይ ቃላት ዉግእን ናብ እዋን ዝሑል ኩናት ዝነበረ ኩነታት የምርሕ ኣሎ ተባሂሉ። ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብና መድባት ኣልኮምፒስ ብዝተሳለጠ መገዲ ንምክትታል ኩሉኹም ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣፕሊከሽን ተዳልይልኩም ስለዘሎ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኢልኩም ብምዉራድ ክትጥቀሙ ትኽእሉ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ጽቡቕ ምግባር/ሕማቕ ምግባር።

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ጥልቕ ዝበለ ፍልስፍና እንተ ኣቲና፡ ኣብ ፍጥረት ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ዚብሃል ነገር ከም ዘየልቦ ክንዕዘብ ንኽእል። ንሕማቕ ሕማቕ፡ ንጽቡቕ ጽቡቕ ዚገብሮም ንኽልቲኣቶም መምዘኒ ባይታ ምስ እንፈጥረሎም ደኣ እምበር፡ ንበይኖምስ ብዘይ እኹል ትርጉም ጠልጠል ኢሎም ኢዮም ዚተርፉ። ኣብ መዓልታዊ ዘረባና፡ ላዕሊ ወይ ታሕቲ ዚብሉ ቃላት ከነዘውትር ከሎና፡ ነቲ ናይ መሬት ግራቪቲ ከም መምዘኒ ወይ ከም መወከሲ ብምውሳድ እዩ …

Read More »

3.5% ስቶክሆልማውያን ኣፈናዊ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘለዎም ይዛረቡ።

160 ሽሕ ዝኾኑ ነባሮ ሽወደን ነቲ ብ ሉንድ ዩንቨርሲቲ ዝተዳለወ ኣፕሊኬሽን መጸብጸቢ ምልክታት ኮቪድ-19 ካብ ኢንተርነት ዳውንሎድ ምግባሮምን ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ደቒቕ ገዛእ ርእሶም ብምፍታሽ ምልክታት እዚ ቫይረስ እንተለዎም ንገዛእ ርእሶም ክምርምሩን ዝገብር እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 3.5% ስቶክሆልማውያን ኣፈናዊ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘለዎም ዝግመት ኮይኑ ኣብ ዞባ ስኮነ ዝበሉ ቦታታት እቲ ኣሃዝ ዝወሓደ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ክፍሊ ጀነቲክስ ከምኡ’ውን …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን መርመራ ኮሮና ዘገም ብምባሉ ምሕዛኑ ገሊጹ።

“እዚ ኣብ መንጐ መንግስትን ዞባታትን ምንባብ ዘይምህላዉ ዘመልክት እዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፊን ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብዚ እዋን ሓጋይ ብዛዕባ ዝህሉ ዕድላት ጒዕዞ ሕቶ ከም ዝቐረበሉን ነዚ ኣመልኪቱ ምስ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ምዝርራብ ምህላዉን ገሊጹ’ሎ። “ቊጽሪ ሞት እንድሕሪ ርኢና ዝበዝሑ እቶም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተጓዕዙ ዘይኮነኑ ኣብ ኣባይቲ መእለዪ ዝናበሩ ሽማግለታት ሙኻኖም ይገልጽ። ኣብ …

Read More »

ሽወደናዊ ኢክያ ንጥፈታቱ ዳግማይ ይጅምር

ሽወደናዊ ኩባንያ መፍረ ናይ ገዛ ኣቕሑ “ኢክያ”፡ ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ዝርከቡ 442 ዝኾኑ ናይ መከፋፈሊ ዱኳናቱ ዘገም እናበለ ክኸፍቶም ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ መጀምርታ ኣስታት 350 ዱኳናት፡ ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ድማ እቶም ዝተረፉ ንምኽፋት መደብ ኣለዎ ክብል ዋሃብ ቃል’ቲ ኩባንያ ከምዝገለጸ TT ሓቢሩ። ኩባንያ ኢክያ ኣብ ሃገረ ቺለ ክኸፍቶ መዲቡ ዝነበረ ሓድሽ ጨንፈር ብሰንኪ …

Read More »

ሎቬን፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታትን ዩኒቨርሲታትን ክንከፍት ኢና

ካብ መፋርቕ ሰኔ ጀሚሩ ኩሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲታትን ናይ ክረምታዊ ትምህርቲ ንጥፈታቶም ከሰላስሉ ክጅምሩ ምዃኖም ተፈሊጡ። ኩሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ኮለጃት፡ ዩኒቨርሲታትን ናይ ዓበይቲ ቤት ትምህርታትን ኣብ ክረምቲ ስሩዕ ንጥፈታቶም ክጅምሩ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።  ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዕለት 15/06/2020 ትምህርቶም ክጅምሩ ምዃኖም ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣና ኢኮስቶርም፡ ሓቢራ። እቶም ናይ ክረምታዊ ትምህርቲ ዕድላት …

Read More »

ላዕለዋይ ደርጃ ኣብያተ ትምህርትን ወሃብቲ ስልጠናታትን ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ክኽፈታ ሙዃነን ይሕበር።

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ኮለጃት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ናይ ዓበይቲ ቤት ትምህርታትን ስነ-ኪነትን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰኔ ክኸፍታ ምዃነን ኣፍቶንብላደት ስም ናይ ምንጭታቱ ከይጠቐሰ ሓቢሩ። እዚ ማለት ድማ፡ ከምቲ ልሙድ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ክረምታዊ ንጥፈታት ትምህርቲ ክቕጽል ምዃኑን ኣብ እዋን ክረምቲ ዝጅምር ዓመታዊ ትምህርትን ትምህርቲ ንዓበይቲን ክቕጽል ምዃኑ ዝሕብር እዩ። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታትን ዩኒቨርሲታትን ካልኦትን ካብ ዝሓለፈ 17 መጋቢት ጀሚረን ብሰንኪ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com