Sunday , April 28 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን መርመራ ኮሮና ዘገም ብምባሉ ምሕዛኑ ገሊጹ።

“እዚ ኣብ መንጐ መንግስትን ዞባታትን ምንባብ ዘይምህላዉ ዘመልክት እዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፊን ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብዚ እዋን ሓጋይ ብዛዕባ ዝህሉ ዕድላት ጒዕዞ ሕቶ ከም ዝቐረበሉን ነዚ ኣመልኪቱ ምስ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ምዝርራብ ምህላዉን ገሊጹ’ሎ። “ቊጽሪ ሞት እንድሕሪ ርኢና ዝበዝሑ እቶም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተጓዕዙ ዘይኮነኑ ኣብ ኣባይቲ መእለዪ ዝናበሩ ሽማግለታት ሙኻኖም ይገልጽ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ መንግስቲ ሽወደን ቊጽሪ ተመርመርቲ ኣብ ሰሙን ክሳብ 100 ሽሕ ክበጽሕ እኳ ኣሚሙ እንተነበረ ሲሶ እዚ ኣሃዝ እኳ ክትግበር ከም ዘይተኻእለ ተፈሊጡ። ዞባታት ብመሰረት ጻውዒት ንኸይዓያ ዝእግደን ዘሎ ቀረብ ሎጂስቲክ ዘይምህላዉ ምዃኑ ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። ሓላፊ ሰልፊ ቬንስተር ዮናስ ኾስተድ በዚ ኲነታት ምሕዛኑ ገሊጹ’ሎ። ኲነታት ከምቲ እተወጠንዎ ይኸዱ ብዘይምህላዎም መንግስቲ ገዚፍ ምትእትታው ክገብር ግዚኡ እዩ ድማ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com