Saturday , April 27 2024

3.5% ስቶክሆልማውያን ኣፈናዊ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘለዎም ይዛረቡ።

160 ሽሕ ዝኾኑ ነባሮ ሽወደን ነቲ ብ ሉንድ ዩንቨርሲቲ ዝተዳለወ ኣፕሊኬሽን መጸብጸቢ ምልክታት ኮቪድ-19 ካብ ኢንተርነት ዳውንሎድ ምግባሮምን ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ደቒቕ ገዛእ ርእሶም ብምፍታሽ ምልክታት እዚ ቫይረስ እንተለዎም ንገዛእ ርእሶም ክምርምሩን ዝገብር እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 3.5% ስቶክሆልማውያን ኣፈናዊ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘለዎም ዝግመት ኮይኑ ኣብ ዞባ ስኮነ ዝበሉ ቦታታት እቲ ኣሃዝ ዝወሓደ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ክፍሊ ጀነቲክስ ከምኡ’ውን ሕማማት ለበዳ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ዝኾነ ፕሮፌሰር ፖል ፍራንክስ ንተመኲሮ መጽናዕቲ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣመልኪቱ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ብዙሓት ሰባት ምልክታት ኮቪድ 19 ከም ዘርኣዩ ይጠርዑ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ምልክትት ብፍላይ ምሽታትን ጣዕሚን ምስኣን ምዃኖም ድማ ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com