Saturday , May 18 2024

ውህደት

ሆስፒታላት ሽወደን ህጹጽ ምኽንያት ንዘይብሎም ብመጥባሕቲ ዝግበር ኣገባብ ሕርሲ፣ ቀዳምነት ከምዘይህባ ይሕብራ።

ኣብ ክልተ ዞባታት ሽወደን ዝርክርባ ሆስፒታላት ብሰንኪ ፍርሒ ዝተበገሰ ኣብ እዋን ሕርሲ ብመጥባሕቲ ሕርሲ ክወልዳ ንዝደልያ ኣደታት ዘሎ ተኽእሎ ይጸብብ ወይ ዉን ከምዘየካይዳ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ይሕብሩ። ብመሰረት እቲ ዜና፣ ምኽንያት እተን ሆስፒታላት ብሰንኪ ኮቪድ 19፣ ኣብ ልዕሊ ክፍሊ መጥባሕትን ኣገልግሎት ሕክምናን  ዝተፈጥረ ጸቕጢ ምዃኑ፣ ስበ መዚ ጥዕና ዞባታት ምብራቓዊ ጎትላንድ ዳላርና ሓቢሮም ። ብኣገላልጻ እተን ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኩሉ …

Read More »

ዓለም ቀስ ብቐስ ክትክፈት ትጅምር ኣላ ተባሂሉ።

ምስ ምጅማር እዛ ሒዝናያ ዘሎና ሰሙን ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ተባሂሉ ክትግበር ዝጸንሐ እገዳታት ቀስ እናበለ ይዘልቕ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ምዝላቕ ኣብ መብዛሕትኡ ክፍላት ኢጣልያ ማእከላት ስፖርትን መሕጸብ ሰብነትን ይኽፈት ኣሎ ክትብል ኣገልግሎት ዜና ኣንሳ ሓቢራ። ይዂንምበር ለበዳ እቲ ሕማም ምኽንያት ብምግባር እዘን ትካላት ሕጂ’ውን ጥቡቕ መምርሒታት ክኽተላ ከም ዘለወን ተሓቢሩወን ኣሎ። ንኣብነት ሓምበስቲ ኣብ መንጐኦም ናይ ክልተ …

Read More »

ሓንቲ ኣደ ብሞት ጓላ ናብ ፍርዲ ትቀርብ።

ሓንቲ ስድራቤት ንብርክት ዝበላ ዓመታት ኣብ ፋሚሊ ሆም ድሕሪ ምጽናሕ ሰለስተ ዝዕድሚኣ ጓሎም ናይ ምዕባይ መሰል እኳ እንተተዋህቦም እዛ ጓሎም ድሕሪ ዓሰርተ ኣዋርሕ ምሟታ ተፈሊጡ። እዛ ህጻን ኣብ ኖርሾፒንግ ኣብ ዝርከብ ቤት እዞም ጽምዲ እያ ህይወታ ሓሊፋ ተረኺባ ዘላ። ብሞት እጻ ህጻን እተጠርጠረት ኣደ ናብ መጋባእያ ከም እትቐርብ ድማ ተገሊጹ’ሎ። እዛ ኣደ ምስ ኣቦ ጓላ ብምስምማዕ ነዚ ቕትለት ከም ዝወዓለቶን …

Read More »

ናይ ከተማ ስቶክሆልም ባቡር ብሰንኪ ከይከፈሉ ዝጓዓዙ ተሳፈርቲ 270 ሚልዮን ክሮነር ይከስር::

ክፍሊ መጓዓዝያ ባቡር ስቶክሆልም ኣብ 2019 270 ሚልዮን ክኸስር ከሎ ብመንጽር ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት 2018 10 ሚልዮን ክሮነር ዝተሓተ ምዃኑ ተፈሊጡ:: . ዘሊልካ ናብ ባቡር ብምእታውን ኣብ ኣውቶቡስ ቲኬት ዘይብልካ ምድያብንነቲ ትካል ኣዝዩ የኽስሮ ምህላው ተገሊጹ:: 3 ሰባት ካብ 100 ሰባት ብዘይ ትኬት ክጉዓዙ ከለው ዝበዝሑ ኣብ ቲቨር ባና ክኾኑ ከለው ዝወሓዱ ኸኣ ተሳፈርቲ ኣውቶቡስ ምዃኖም ተፈሊጡ:: ቁጽጽር ትኬት ውጽኢት …

Read More »

ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ሻቕለተን ይዓቢ።

ኖርዌይን ፊንላንድን ንወቕቲ ቱሪዝም ብምባል ዶበን ክኸፍታን እገዳ ጒዕዞ ሽወደን ክዕቅባን ይዝትያ ምህላወን ተመልኪቱ። ኣብ ዴንማርክ ብዙሓት ተቓወምቲ ሰልፊታት ንሃገረ ጀርመንን ኖርዌይን ዶበን ክኸፍታ ድሉዋት እኳ እንተኾና ኣብ ሽወደን ግና ጥርጣረታት ከም ዘለወን ድማ ተሓቢሩ። ሽወደን 30 ሽሕ ሕሙማትን ኣስታት 4000 ምዉታትን ለበዳ ኮሮና ምምዝጋባን እዚ ድማ ናይዘን ሰለስተ ሃገራት (ኣይስላንድ፥ ዴንማርክን ፊንላንድን) ሕሙማት ሰለስተ ዕጽፊ ምዃኑን እቲ ቀንዲ ምኽንያት …

Read More »

ሉፊን፥ ሕማም ኮሮና ኣብ ምብቅዑ ዝሓየለ ሕብረተሰብ ክንሃንጽ ኢና።

ቅልውላው ኮሮና ዘግሃዶም ጉድለታትን ሕጽረታትን ኣብ ቀጻሊ ክእረሙን ክመሓየሹን ከምዝግባኦም ተረዲኡና ኣሎ። ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝወሃቡ ዝነበሩ ነዋሕቲ ቆጸራታት ምምሕያሽ፡ ኣረጋውያን ግቡእ ኣገልግሎት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ምንዳይን ንማሕበራዊ ውሕስነታት ዘድልዩ ኣገደስቲ ምንጭታት ረቓሒታትን ምቕራብ ከም መደብ ሒዝና ሓያል ሕብረተ ሰብ ክንሃንጽ ኢና ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር። መንግስቲ ሽወደን፡ ንማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ተባሂሉ 20 ቢልዮን ክሮነር ድጎማ ሰሊዑ ከምዘሎን ካብ ዝቕጽል ሰሙን …

Read More »

ፉሉይ መደብ 50 ደቂቅ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ( ርሑስ ብዓል ንኹሎም ምእመናን ምስልምና )

Read More »

ሽወደን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓለም ዝለዓለ እተባህለ መጠነ ሞት ለበዳ ኮሮና ኣመዝጊባ።

ብመሰረት ቊጽሪ ህዝቢ ሽወደን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓለም ዝለዓለ እተባህለ መጠነ ሞት ለበዳ ኮሮና ኣመዝጊባ ክትብል ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ። እንተኾነ ግና እዚ ኣገባብ ምውድዳር ሃገራት ብዙሕ ጠርጠራ ዘለዓዕል ምዃኑ ተሓቢሩ። ” ሃገራት ብዝተፈለየ ኣገባብ እየን ቅመራ ዝግበረለን። ስለዚ ድማ እዚ ዝተባህለ ቊጽሪ ቅቡል ከይከውን ይኽእል እዩ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቱ ስቶክሆልም ፕሮፌሰር ስታቲስቲክስ ዳን ሂድሊን ሓቢሩ። ናይ ሃገራት ስታቲስቲክስ ለበዳ ብመንጽር …

Read More »

ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር! ንኹልኹም መእመናን ተኸታተልቲ ኣልኮምፒስ ትግርኛ፡እንቋዕ ናብ ዒድ ኣልፈጥር ናይ መበል 1441 ሃጁርያ ኣብጽሐኩም። ሰላምና መሊኡ፡ሰግሊሉ ጠጢዑ፡ዝተሰደ ሰላም ክምለስ፡ሽሻይና በዚሑ ክሕፈስ እምነ። ደጊመ ዒድ ጠልን ኣዝመራን ክኸውን እናተመነኹ፡ምስ ምሉእ ስድራቤትኩም ኣብ ስደትን ውሽጢ ሃገርን እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሐልኩም ንብል።

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣገባብ ምስጋድ ኣብ ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ዘበነ ክሮና ቫይረስ

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com