Monday , April 29 2024

ሉፊን፥ ሕማም ኮሮና ኣብ ምብቅዑ ዝሓየለ ሕብረተሰብ ክንሃንጽ ኢና።

ቅልውላው ኮሮና ዘግሃዶም ጉድለታትን ሕጽረታትን ኣብ ቀጻሊ ክእረሙን ክመሓየሹን ከምዝግባኦም ተረዲኡና ኣሎ። ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝወሃቡ ዝነበሩ ነዋሕቲ ቆጸራታት ምምሕያሽ፡ ኣረጋውያን ግቡእ ኣገልግሎት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ምንዳይን ንማሕበራዊ ውሕስነታት ዘድልዩ ኣገደስቲ ምንጭታት ረቓሒታትን ምቕራብ ከም መደብ ሒዝና ሓያል ሕብረተ ሰብ ክንሃንጽ ኢና ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር። መንግስቲ ሽወደን፡ ንማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ተባሂሉ 20 ቢልዮን ክሮነር ድጎማ ሰሊዑ ከምዘሎን ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ ነዚ ዕላማ ተባሂሉ ንነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ድማ ተወሳኺ ናይ 6 ቢልዮን ክሮነር ድጎማ ክወሃባ ምዃነን ሎቪን ሓቢሩ። ምምሕዳራትን ዞባታትን ሽወደን ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዝገበረኦ ወጻኢታት ብመንግስቲ ሽወደን ክትከኣለን ምዃነን ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ማግደሊና ኣንደርሸን፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com