Saturday , May 18 2024

ውህደት

ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር

Read More »

ሓንቲ ዓለም፥ ካብ ሳንዱቕካ ምውጻእ።

ኣማኑኤል ሳህለ ሓድሓድ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ ንነዊሕ እዋን ምሳኻ ዚቕመጥ ዝነበረ ሓሳባትን ኣተሓሳስባን መርገጽን እምነትን ከም ኣባል ቤተሰብ ጌርካ ኣብቲ ናይ ኣእምሮኻ ውሻጠ ምቕማጥ ጥዑም እዩ። ሒዝካዮ ክትመውት እውን ኣይትጸልእን። ወላውን ሓድሓደ ግዜ ምስቲ ጭቡጥ ናይቲ ከባቢኻ ኩነታት ዘይቃዶ እንተ ኾነ፡ ውጻእ ክትብሎ ኣይትደፍርን። ልክዕ ንውላድካ ካብ ገዛ ውጻእ እትብሎ ከም ዘሎኻ ኾይኑ እዩ ዚስመዓካ። ንሱ እዩ ሰላም ዚህበካ፡ ንሱ …

Read More »

ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣብ ሽወደን ተዓጊቶም ኣለዉ ተባሂሉ።

ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናን ንሱ ዘምጽኦ እገዳ ጒዕዞን ኣብ ሽወደን ተዓጊቶም ምህላዎም ኣመልኪቶም። እቲ ምምሕዳር ናይ በጻሕቲ ቪዛ ናይ ምንዋሕ ሕቶታት ምብዝሖም ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ። ፈረንሳዊ ኣብ ሰርከሰ ዝነጥፍ ኒኮላስ ፖካ ዝርከብዎም ብዙሓት ስደተኛታት ምህላዎም ጸብጻብ እታ ሬድዮ ኣመልኪቱ’ሎ። ፖካ ኣብ ካናዳ ዝነብርን ዝሰርሕን ሰርከሰኛ ኮይኑ” ካብዚ ዘለናሉ ማሕዩር እንወጸሉ እንኮ መንገዲ ምስ ኤምባሲ …

Read More »

ዓበይቲ ፕሮጀክትታ ትሕተ ቅርጺ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ከይተዓናቐፉ ስርሖም ይቕጽሉ ከምዘሎዉ ተሓቢሩ።

ብደረጃ ሃገር ኣቐዲሞም ዝተጀመሩ ዓበይቲ፣ ስራሓዉቲ ትሕተ ቅርጺ፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ቅልዉላዉ፣ ከይተሰናኸሉ ብዝተመደበሎም ዓቐን ስርሖም ይቕጽሉ ምህላዎም ባዓል መዚ መገድታት ሽወደን ሓቢሩ። እዞም ኣብ ልዕልን ትሕቲን መሬት፣ ዝስርሑ ዘሎዉ መጠነ ሰፋሕቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት፣ ኣብ ዞባ ኖርቦተን፣ ዮቶቦርን፣ ስቶክሆልምን ንዘሎ ትሕተ ቅርጺ መገዲ ባቡርን ጽርግያን ብዝማዕበለ ዘመናዊ መገዲ ከምሓይሽዎ ተባሂሎም ዝተመደቡ ዓበይቲ መደባት፣ ነፍሲ ወከፎም ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ክራዉን …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ክትባት ብርትዓዊ ኣገባብ ክመቓራሕ ድሌት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ሉፊን ክትባት ብርትዓዊ ኣገባብ ከመቓርሕ ድሌት ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ እዚ ክትባት ብሓባር ምስ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብሙዃን ስትራቴጂ ብምንዳፍ ሃገራዊ መወሃሃዲ ኮሚተ ብሙቛም ክትግበር ድልየቱ ሙኻኑ ይገልጽ። ” ንዂሉ ህዝቢ ዓለም ዝኣክል ክትባት ክፈሪ ከም ዘይክእል ግምት ኣሎና” ዝበለት ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና “ኣየኖት ክፋል ሕብረተሰብ ቀዳምነት ክወሃቦም ኣለዎ” ኣብ ዝብል ሕቶ ምዝታይ ከድሊ …

Read More »

ዋንነት መንገዲ ኣየር ኖርወጅያን ብዘይ ቀጥታዊ ኣገባብ ብቻይና ተዓብሊሉ።

መንግስቲ ቻይና፡ ብዘይ ቀጥታዊ ኣገባብ እቲ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎ ወናኒ ኩባንያ መንገዲ ኣየር ኖርወጅያን ምዃኑ TT ሓቢሩ። ቻይናዊ ኩባንያ Boc Aviation ካብ ብርክታት ኩባንያ መንገዲ ኣየር ኖርወጅያን ልዕሊ 12% ከም ዝወነነን ተፈሊጡ። ኩባንያ Boc Aviation ብተዘዋዋሪ መንገዲ ናይ መንግስቲ ቻይና ምዃኑ ይንገር። ኩባንያ ኖርወጅያን ካብ ዝነበራ ከቢድ ዕዳ ንምንጋፍ ንዝነበራ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ዕዳ ናብ ብርክታት ከምዝቐየረቶ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ …

Read More »

ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ክረምታዊ ንጥፈታት ህጻናት ንኽካየድ ኣፍቂዱ።

ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ክረምቲ ንዝካየዱ ንጥፈታት ህጻናትን ስፖርታዊ ውድድራት መንእሰያትን ቀጠልያ መብራህቲ ከምዝሃበ SVT ሓቢሩ። ዝካየዱ ንጥፈታት ሃገራውያን ክሳብ ዝኾኑ ክትግበሩ ይግባእ ክብል ኣማኻሪ ጉዳያት ለበዳ ሽወደን፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን ንክረምታዊ ንጥፈታት ዝምልከት ኣብ ወርሒ ሰነ መምርሒታት ከመሓላልፍ ትጽቢት ይግበር። ህጻናትና ምእንቲ ምሉእ ጥዕና ክረኽቡ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ንቡር ንጥፈታቶም ክቕጽልዎ ይግባእ። ብዛዕባ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ናይ ኣድልዎ በደል ከይፍጸም ጻውዒት ቀሪቡ።

ዴንማርክ ኖርዌይን ፊንላንድን ንዕረፍቲ ሳመር ዶባት እንተተኸፊቱ ሽወደናውያን ለበዳ ኮሮና ሒዞምልና ክመጹ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘልዎም ተገሊጹ። ሚኒስተር ንግድን ቱሪዝምን ኢብራሂም ባይላን ዝኾነ ዜጋ ዘየድሊ ምጒናይ ክበጽሖ ኣይግባእን ድሕሪ ማባል ሽወደናውያን በዚ በደል ከይወርዶም ምጽውዑ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ባይላን ምስ ሚኒስተራት ቱሪዝም ኣውሮጳዊ ሕብረት ብቪድዮ ክራኸብ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ። ባይላን ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ብኮሚሽን ኣውሮጳ ዝቐረቡ ንኣከፋፍታ ዶባት …

Read More »

ኣብ ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ዝነጥፍ ዝነበረ ሓደ ፖሊስን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዉ።

ፖሊስ ሽወደን ኣንጻር ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝገበሮ ናይ ሃድን ስርሒት፡ ንሓደ ኣባል ፖሊስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ሬድዮ ኢኮት ሎሚ ሓቢሩ።እቲ ኣባል ፖሊስን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ብመንገዲ ኣብ ኦስተርማልም፡ ማእከል ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ናይ መሳጅ ትካሎም ኣቢሎም ይነጥፉ ከምዝነበሩ ዝብል ክሲ ብመንገዲ ኣኽባሪ ሕጊ ቀሪብሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።ከምዝፍለጥ፡ ፖሊስ ሽወደን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር …

Read More »

ኣብ ታሪኽ ሽወደን ዝልዓለ ሞት ዝተመዝገበትላ ወርሒ ሚያዝያ ትኸውን።

ሽወደናዊ ስታቲካዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ ኣስታት 10458 ሰባት ከምዝሞቱን እዚ ቁጽሪ ድማ ሓድሽ መሊንዮም ካብ ዝኣቱ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ SVT ኣመሓላሊፉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ መጠን ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ከምዝበጽሐ ተዓዘብቲ ይሕብሩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣስታት 11057 ሰባት ዝሞትሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 1993 ምንባሩን ብድምር ኣብቲ ዓመት ክሳብ 97008 ሰባት ሞይቶም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com