Saturday , May 18 2024

ውህደት

ባዕላዊ መመርመሪ ኮሮና ኣብ ዕዳጋታት ንኸይሽየጥ በዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን ከልኪሉ።

ኩባንያ ዛንድሴል (Zandcell)፡ ንባዕላዊ ወይ ብገዛእ ነብስኻ ዝግበር መመርመሪ ኮሮና ኣመልኪታ ምውዕዋዕን መሸጣን ንኸይተካይድ ብበዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን መጠንቀቕታ ተዋሂብዋ። ኩባንያ ዛንድሴል፡ ብዛዕባ ሕክምናዊ ብቕዓት ናይዚ ፍርያት ዝገልጽ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ሰነድ ስለዘየቕረበት፡ ኣብ ዕዳጋ ሽወደን ክዝርጋሕ ከምዘይግበኦ ኣማኻሪ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ፒር ኔስተር፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። በዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን ክሳብ ሕጂ ካብ ሽዱሽተ ዘይውሕዱ …

Read More »

ሽወደናውያን ተመራመርቲ ተስፋ ዘለዎ ናይ ኮሮና መድሃኒት ኣብ ምምዕባል ይሳተፉ።

ኣብ ካናዳ ዝመደበሮም ተመራመርቲ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ መድሃኒት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ምርምር ኣብ ዓመተ 2003 ኣብ እዋን ለበዳ ሳርስ ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምቁጽጻር ሕማም ሳርስ እቲ መጽናዕቲ ኣቋሪጹ ምጽንሑን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ጸረ ኮሮና መድሃኒት ኮይኑ ንኸገልግል ዝምዕብል ዘሎ እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ካናዳውያን ተመራመርቲ ACE2 ዝስሙ ናይ ወዲ ሰብ ዓይነት ፕሮቲን ኣብ ላቦራቶሪ ብምድላዎም ነቲ …

Read More »

ቁጽሪ ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን 11 ሚእታዊት ይበጽሕ።

ኣብ ዉሽጢ ክልተ ወርሒ ኣስታት 70 000 ዜጋታ ካብ ስራሕ ብምባሎም መጠን ቁጽሪ ሽቅለት ኣልቦነት ይውስኽ። ጸብጻባት ዕዮ ስራሕ ከምሕብሮ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን 69000 ሰባት ካብ ስርሖም ተባሪሮም። ቁጽሪ ሽቅለት ኣልቦነት ኣብዚ ደው ከምዘይብልን ብተዓጻጻፊ ቁጽሪ ከምዝውስክን ኣብ ሓጋይ ድማ ናብ 11% ክዓርግዩ። መብዛሕቶም ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ዝተባረሩ ድማ ካብ ጽላት መጓዝያን ኢንዱስትሪን እዮም።

Read More »

6% ካብ ኣባላት ሆስትፒታል ካሮለኒስካ ብኮሮና ከምዝተለኽፉ ተሓቢሩ።

ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ሕማም ዘየርኣዩ 6% ካብ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ሆስፒታል ካሮለኒስካ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሓዲሽ መጽናዕቲ ከም ዝሓበረ P4 Stockholm ኣፍሊጡ። ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ኮይኖም ዝኾነ ምልክታት ሕማም ዘይብሎም ኣባላት ኣለውና። እዚ ድማ ዘይተጸበናዮን ዘደንጹ ውጽኢትን ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሮለኒስካ መምህር ስነ-ለበዳ ዝኾነ ዪዋኪም ዲንልነር ገሊጹ። ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ሓቀኛ ዝርጋሐ ለበዳ ቫይረስ ንምፍላጥ ዘኽእል ኣገባባት ንኸተኣታቱን ቀዳማይ …

Read More »

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ 10% ካብ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ ኣብ ዝተገብረ ኣጋጣሚ (Random) ናይ ጸረ-ነፍሳት መርመራታት፡ 10% ካብ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ጸብጻባት ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሮም ክብል ራድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። እዞም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ዝተፈልጡ ሰባት ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ከባቢ ወርሒ መጋቢት ተለኺፎም ዝነበሩ’ሞ ጸረ-ነፍሳት ዘማዕበሉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ KTH ተሓጋጋዚ መምህር ዝኾነ ኒኮላስ ሮክሲድ ሓቢሩ። ቅድሚ በዓል ፋሲካ ዝነበረ ግዜያት ካብቶም ኣብ ካሮለኒስካን …

Read More »

ብሕማም ኮቪድ-19 ተጠቒዖም ዝነበሩ 10 ኣረጋውያን ሓውዮም።

ቀንዲ ግዳያት ናይ ቫይረስ ኮሮና ዝኾኑ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ Gnosjo ዝነብሩ ኣረጋውያን ምሉእ ብምሉእ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሓወዩ ሓላፊ እቲ ትካል ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ናይ ሕማም ከምዘየርኣዩ ኣብቲ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ሓላፊ ኦፐረሸን ዝኾነ ብወል ሲሞንሰን ሓቢሩ። ኣብ መላእ ሽወደን እቶም ቀንዲ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ሽማግለታት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ Gnosjo …

Read More »

ሓድሽ ሕጊ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ነቶም ከም መተካእታን ንብሰዓታት ዝሰርሑ ዝነበሩን።

ኣብ ሕግታት ሳጹን ሽቕለት ኣልቦነት (a-kassa) ዝተኣታተዉ ዘለዉ ለውጥታት፡ ነቶም ከም መተካእታ (vikariat) ወይ ድማ ብሰዓታት(timanställning) ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ስራሕ ደው ኣብ ዝብልሉ ግዜ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ንኽረኽቡ ከኽእሎም እዩ። ነዚ ጉዳይ ከተጽንዕ ብመንግስቲ ዝተመዘዘት፡ ማርያ ሂሚንግሶን፡ መሰል ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ኣታዊታት እምበር ኣብ ሰዓታት ስራሕ ዝምርኮስ ክኸውን የብሉን ከምዝበለት TT ሓቢሩ። ክፍሊት ካሕሳ ምስ ሰዓታት ስራሕ ስለዝዛመድ እቶም …

Read More »

ናይ ዕቚባ ሕቶኦም እተነጽገ ሰባት ዳግማይ ከመልክቱ ዓሰርተ ዓመት ዘጸብይ እማመ ይቐርብ።

ኮሚተ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ባይቶ ሽወደን ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ምሉእ ብምሉእ እተነጽገ ሰባት ኣብ ክንዲ በቲ ዝጸንሐ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ገደብ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ዳግማይ ከመልክቱ ንዝብል እማመ የጽንዖ ምህላዉ ሬድዮ ኤኮት ሓቢራ። እታ ኮሚተ ኣብ እኩባት እማመታት ንምዝታይ ምስ ወከልቲ ባይቶ ክትራኸብ ምዃና እውን ተገሊጹ’ሎ። ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራትን ሰልፊ ሞደራትን ጽንክር ዝበለ ሕጊ ክወጽእ ኣለዎ ኣብ ዝብል መርገጺ ምጽንዖምን ሊበራላውያን …

Read More »

ሬሳ ዝጥፍኤ ጋዜጠኛ ኣብ ሩባ ኡፕሰላ ተረኺቡ።

ኣብ ሰሜን ሩባ ኡፕሰላ ዝተረኽበ ሬሳ፡ ናይቲ ደሃዩ ኣብ ወርሓ መጋቢት ዝጠፍአ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ምዃኑ ፖሊስ ምርግጋጾም ተሓቢሩ። እዚ ሳጂድ ሁሴን ዝተባህለ ወዲ 39 ዓመት ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ በቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻባት ኣብ ህይወቱ ምፍርራህ ይመጾ ከም ዝነበረን በዚ ድማ ዓሚ ኣብ ሽወደን ዕቚባ ከም እተዋህቦን ይፍለጥ። ንሱ ናብ ኡፕሰላ ክሰግር ኣብ መስርሕ እናሃለወ እዩ ተሰዊሩ። ኣፈኛ በዓልመዚ ኣኽባር ሕጊ እቲ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ፖሊስ ክጥንቐቑ ይሕብር።

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ሰባት ብሓሶት ይደናገሩ ምህላዉ ፖሊስ ሽወደን  ይሕብር። ሰባት ብኣደናገርቲ ፖሊስ ገንዘቦም ይዝረፉ ከምዘለዉን ሓቢሮም። እቶም ናይ ሓሶት ፖሊስ ደዊሎም ብ ሓሶት ወድኻ ብሓደጋ ተጎዲኡ ብምባል ንሰባት ኣብ ምድንጋር ተዋፊሮም ከምዘለው ይገልጹ። እዞም ናይ ሓሶት ፖላይስ፡ ኣብ ኢንተርነትካ ናይ ባንክ ሒሳብ እቶ ብምባልን፣ ናይ ባንክ ሒሳብካ ቁጽሪ ካርድ ሃበና ብምባል ንሰባት ይዘምቱኻ ከምዘለዉ ወሲኾም ይገልጹ። ግን ነብስኻ ንምክልኻል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com