Saturday , May 18 2024

ውህደት

ዝኾና ሕዱር ሕማም ዘይነብሮ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ብሰንኪ ኮሮና ዓሪፉ።

ኣብ ደቡብ ስቶክሆሎም ዝቕመጥ ዝነበረ ሕዱር ሕማም ዘይነበሮ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣሚን ስላይፍ ብሰንኪ ኮሮና ካብዛ ዓለም ብሞት ከምተፈልየ “ኣፍቶንብላደት” ሓቢሩ። መንእሰይ ኣሚን፡ ኣብ መጀመርታ ከም ንቡር ሓማም ሰዓል መሲልዎ ሸለል እኳ እንተበላ፡ ቀጺሉ ግን በብቕሩብ ብርቱዕ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጎሮሮን ረስንን ኣስዒብሉ፡ ቀጺሉ ውን ኣብ ምዝራብ ጸገማት ክገብረሉ ጀሚሩ ክትብል ኣዲኡ ሓቢራ። መንእሰይ ኣሚን፡ ንሰለስተ ሳምንታት ኣብ ትሕቲ …

Read More »

ሓንቲ ነርስ ድሕሪ ህይወታ ምሕላፉ ሆስፒታል ብሸለልትነት ይኽሰስ።

ሕሙማት ኮሮና ኣብ ምእላይ እናሃለወት ህይወታ ዝሓለፈ ነርስ ኣማውታኣ ምስ ሸለልትነት ዝተተሓሓዘ እዩ ንዝብል ክሲ ንምጽራይ መርመራ ከም እተጀመረ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። እዛ ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርብዓታት እትርከብ ነርስ ኣብ ስቶክሆልም ሆስፒታል ካሮሊንስካ ሕሙማት ኮሮና ኣብ ምእላይ ተዋፊራ ምንባራ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ሆስፒታላት ክቕረብ ዝጸንሐ ናይ መከላኸሊ ኣልባሳት ምስ ስታንዳርድ ኤጀንሲ ጥዕና ብምውድዳር ትሑት ብቕዓት ዘለዎ ኮይኑ ብምርካቡን እዛ ነርስ በዚ …

Read More »

ስተፋን ሎቨን፡ ንኹሉ ብምዕጻውና ካብ ቫይረስ ክንገላገል ኣይንኽእልን ኢና።

ጽልዋ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሽወደን ንዝነወሐ እዋን ዝጸንሕ እዩ። ንኹሉ ብምዕጻው ካብ ቫይረስ ክንገላገል ንኽእል ኢና ዝበሃል ሓሳብ ክትኣምኖ ቀሊል እዩ። ይኹን እምበር፡ ክኢላታት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ቫይረስ እንደገና ክመጽእ ተኽእሎታት ከምዘለዎ እዩም ዝሕብሩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዝዝርጋሕን ንንውሕ ዝበለ እዋን ክጸንሕ ከምዝኽእልን ተረዲእና ነቲ ብበዓል …

Read More »

ልዕሊ ርብዒ ካብ መናበይ ዓበይቲ ሶልና ብሞት ተፈልዮም።

ካብቶም ኣብ ሶልና ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ “ ቢርጋ” ዝሰፍሩ ዝነበሩ 96 ኣረጋውያን እቶም 27 ከምዝሞቱ ናብ ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ዝቐርበ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሰራሕተኛታት እቲ ቦታ ብሰንኪ ሕጽረት ናውቲ መከላኸልን ዘይጽሩይ ናይ ስራሕ ሃዋሁን ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ይሰርሑ ከምዘለዉ ናይ ድሕነት ተቖጻጸርቲ ምስ ተለቪዥን ሽወደን SVT ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ገሊጾም። ኩነታት እንዳ መናበይ ዓበይቲ “ቢርጋ” ብጣዕሚ ከቢድ ምህላዉን ዳርጋ ፍርቂ …

Read More »

Swedish news in Tigrigna ዜና ሽወደን ብትግርኛ 29 ሚያዚያ 2020

ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ ብብዝሒ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መሸጣ ዱኳናት ከምዘሎ ሰብ መዚ ጥዕና ሓቢሮም። ጽምብል መዛዘሚ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብጸቢብ ክካየድ መንግስቲ ወሲኑ። sverige #alkompis #sweden #Tigrinja

Read More »

ስኮነ፡ ን50 ሕሙማት ኮቪድ-19 ናይ ጸረ-ነብሳት መርመራ ክካየድ እዩ።

ንመጽናዕቲ ተባሂሉ ን50 ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ናይ ጸረ-ነብሳት መርመራ ክካየደሎም ምዃኑ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ስኮና ገሊጹ። ምንጪ ናይቶም ጸረ-ነብሳት ካብ ደም ናይ 50 ቅድሚ ሕጂ ብሕማም ኮቪድ ተጠቒዖም ዝነበሩ እሞ ዝሓወዩ ሰባት ዝርከብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት መርመራ ንምክያድ ካብ ኮሚቴ ስነ-ስርዓት ፍቓድ ተዋሂቡ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዝሓጸር እዋን ፈተናታት ክትጅመር ምዃና እታ ዩኒቨርሲቲ …

Read More »

ኡፕሳላ ካብ ሚኒስትሪ ፍይናንስ ሓገዝ ትጽበ ምህላዋ ተመልኪቱ።

ቆንስል ኣውራጃ ኡፕሳላ ን ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊና ኣንደርሰን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ንዝፈሰሰ ፋይናንሳዊ ማል ዝኸውን ካሕሳ ከም ዘድልዮ ምሕታቱ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ’ላ። እታ ደብዳቤ ብ ፕረሲደንት ቆንስል ኤሞሊ ኦሪንግ ዝተጻሕፈ ኮይኑ። “እቲ ኲነታት እናኸፍአ እዩ ዝኸይድ ከምዘሎን ጽልውኡ ከቢድ ብምዃኑ ደግፍ የድልየና” ይብል ኦሪስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ። እዚ ዞባ ኣብ ምምካት ኮሮና ዘውጽኣቶ ፋይናንሳዊ ጸጋ፥ ናብ …

Read More »

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ኣብ ልዕሊ ኮሮና ተወሳኺ ስጉምትታት ክውሰዱ ድሌት ከም ዘለዎም ይገልጹ።

ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ቊጠባ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ሰለስተ ርብዒ ካብ ህዝቢ ሽወደን ለበዳ ኮሮን ንምዕጋት ዝግበር ዘሎ ወፍሪ እዂል ኣይኮነን ኢሎም ከም ዝኣምኑ፥ 40% ዝኾኑ ከኣ ኣብ ከተማታት ግዜያዊ ሰዓት እቶ እቶ እንተተኣወጀ ቅር ከም ዘይብሎም ጸብጻብ ኣፍቶንብላዴት ኣመልኪቱ። እዚ ኣብ መፋርቕ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ሽወደናውያን ብዛዕባ እዚ ሕማምን ኣገባብ ኣተኣላልያኡን ዘለዎም ሓፈሻዊ ርእይቶ ንምግምጋም ዝተኻየደ …

Read More »

ምስፍሕፋሕ ኮቪድ 19 ኣብ መዓስከር ሓተቲ ዑቕባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ።

ኣብ መዕቆቢ ሓተቲ ዑቕባ ማዓስከራት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣሻቓሊ ኮይኑ ከምዘሎ ኣገልግሎ ዜና ኤኮት ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ዳርጋ ኣብቲ ብባዓል መዚ ኢመግራሽን ዝእለይ ካምፕ ወይ ዉን ሓባራዊ መንበሪ ስደተኛታት፣ ብሰንኪ ጽበትን ሕጽረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ናዉቲ መከላኸልን፣ ንምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ዝተቓልዐ ብምዃኑ፣ እቲ ሻቕሎት እንዳዓበየ ምምጽኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ባዓል መዚ ኢመግረሽን ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝተፈጥረ ዓለማዊ ኩነታት ጉዳዮም ዝተነጸጉ ካብ …

Read More »

ፊን ቲንገል፥ ፊላንድ ሳላ ተሪር ስጉምቲ ኣብ ኮቪድ-19 ውጺኢታዊት ትኸውን፣

እቲ ለበዳ ኪዝርጋሕ ምስ ጀመረ፡ ፊንላንድ ካብ ሽወደን ንላዕሊ ቅየዳታት ኣተኣታቲ እያ። ሚካ ሳልሚነን፡ ሓላፊ ክንክን ጥዕና፡ እቲ ቅየዳታት፡ ቀጻሊ ምዝርጋሕ ለበዳ ከምዝንኪ ብምግባሩ ውጽኢት ክኽውን ዝኽኣለ ብምባል ድማ ይውስኽ። ሳልሚነን ኣብ ፊንላድ ልክዕ ከም ናይ ሽወደን ቲንገል እዩ። ፊንላንድ ነቲ ለበዳ ንምዕጋት ኣብያተ ትምርቲ ዓጽያ፡ ነተን ኣውራጃታት ድማ ከም ዚብሕታ ገይራተን። እዚ ምዕጻዋት ግን ነቲ ለበዳ ነዊሕ ከም ዚጸንሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com