Saturday , May 4 2024

ውህደት

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 04 11 2019

ገለ ካብ ካብ ናይ ሎሚ ዜና፣- ሃገረ ነርወይ ንዕዳጋ ዓለም ብተቕርቦ ፍርያት ነዳዲን ጋዝን፣  ሓንቲ ካብ በከልቲ ኩነታት ኣየር ተባሂላ ክትዉቀስ፣ ሚዛናዉነት ከምዘይብሉ ትገልጽ። መንግስቲ ሽወደን ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ዘሎ ሃገራዊ ዶባት፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ምንዋሕ ግዜ ቁጽጽርን ሓለዋን ክግበር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

Read More »

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ደቂ ክልተ ዚመሳሰሉ ማነቱ፡ ብጀነቲካዊ መገዲ ኣሕዋት እምበር ደቂ ሓወቦታት ኣይኮኑን። 2. ካብ ኩሉ ፍጡር፡ ሰብ ጥራይ እዩ እተቓመመ መግቢ ዚፈቱ። 3. ኣብ እምነት ኣይሁድ፡ ኣንበጣ ይብላዕ እዩ። ብመሰረት ቶራ (ናይ ኣይሁድ ኦሪት)፡ ቀዪሕን ብጫን ትኳዕ ዘለዎን ጻዕዳን ኣንበጣ ይብልዑ እዮም። ማለት፡ ሓላል እዮም። 4. እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ሓሸራ፡ ፍልሖ እዩ። 5. ህጻን ውልድ ምስ በለ ኪበኪ ከሎ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣብ ስራሕ ወይ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ሓደጋ ወይ ሕማም ምስ ዘጋጥም ካሕሳ ንምርካብ ክግብሩ ዘለዎም ነገራት።

ኣብ ስራሕ ሓደጋ ምስ ዝፍጠር ወይ ድማ ብስራሕ ዝተታሓሓዘ ምክንያት ምስ ትሓምም ናይ ገንዘብ ኻሕሳ ካብ መድሕን ዉሕስና ሰራሕተኛታት (arbetsskadeförsäkringen)ምርኻብ ይካኣል። ኣገደስቲ 5 ነጥብታት ከነስተውዕለሎም ዝግቡኡ ድማ 1- ምሕታት ካሕሳ ኻሕሳ ንትረክቡ ጉዳይኩም ንክራኣየልኩምን ባዕልኩም መሕተቲ ቕጥዒ ከተእትው ኣለኩም። ቐጥዒ መሕተቲ ካሕሳ ብ ምክንያት ሓደጋ ዘጋጠመ ኣብ ስራሕኩም(arbetsskada) ምስ ዝከውን ናብ መድሕን ኣፋ (AFA Forsakring) ይላኣክ። ምስ ስራሕኩም ብዝተሓሓዘ ምክንያት …

Read More »

ኣብ ኦሬብሮ ትርከብ ምምሕዳር ንዘጋጠማ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ትሓትት።

ኣብ ኦሬብሮ እትርከብ ምምሕዳር ካርልስኲጋ (Karlskogas) ሎሚ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ፡ እዛ ምምሕዳር’ዚኣ ብቁጠባዊ ቅልውላው ትሰቐ ከምዘላን ካብ ማእከላይ መንግስቲ ሓገዝ ከምዝጠለበትን ምምሕዳር ስነ-ማሕበር (Socialförvaltningen) ሓቢሩ። መጻኢ ኣንፈት ናይቲ ምምሕዳር ንምምልላይ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣጀንዳ ኣማሓዳሪን ላዕለዎት ሓለፍቲ ፋይናንስ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ እዚ ዛዕባ ተላዒሉ። እዛ ምምሕዳር ብሕጽረት 30 ሚልዮን ክሮነር ትሳቐ ከም ዘላ ካብ ተለቪዥን ሽወደን ዝመጸ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 01 11 2019

ገለ ካብ ካብ ናይ ሎሚ ዜና፣- 1. መጻኢ ዕማማት ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ብዞባዊ ምምሕዳራት ክትካእ ርእይቶ ከምዝቐረበ ተሓቢሩ። 2. መንግስቲ ሽወደን፣ ንሃገራዊን ጸጥታ ኣስጋእቲ ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጸጥታ ሽወደን ዝጸንሑ፣ ሽዱሽተ ሰባት ካብ ሃገር ክጥረዙ ዉሳነ ሂቡ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ

Read More »

ማሕበራዊ ኮዳት ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ሽወደን

ናይ ሽወደን ሕላገት ኮይኑ ዝረአ ሓድሓደ ማሕበራዊ ኮድ ናይ ዕዳጋ-ዕዮ ኣሎ። ኣብ ቦታ ስራሕ፡ ልሙድ ዝኾነ ኣወዳድባ፡ ልሙጽ እምበር ጽፍሓዊ ኣይኮነን። እዚ ማለት ካኣ፡ መብዛሕትኦም ንስራሕ ዝምልከቱ ነገራት፡ ብሓለቓታትን ሰራሕተኛታትን ብሓባር እዩ ዝወሰን። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ውሳነ ኣብ ምውሳድ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ ንሰራሕተኛታት ግን ተሳታፍነትን ሓላፍነት ናይ ምውሳድ መንፈስን የስፍነሎም’ዩ። ናይቲ ስራሕ ሃዋሁው፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምቕሉልነት ዝሰፈኖ እዩ። …

Read More »

ትካል መኪና ቮልቮ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ዕብየት መሸጣ መካይን ኣርእዩ።

ዕብየት መሸጥ መካይን ትካል ቮልቮ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብ7.4% ወሲኹ 507,704 ከም ዝሸጠን ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ግዜ’ዚ 472553 ተሽከርከርቲ ሸይጡ ከምዝነበረ ይዝከር። እዚ ዕብየት ድማ ብሰንኪ ምውሳኽ ጠለብ ናይ ፖሊስ (V60) ዝዓይነተን መካይን ኮይኑ ጠለቦም ብ481% ብምዝያድ ካብ 6619 ናብ 38508 መካይን ክብ ኢሉ። ሞዴል (S60) ዝዓይነተን ፍርያት ቮልቮ ዝኾና መካይን ሽያጠን ብ100% …

Read More »

28 ምምሕዳራት ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ክቕበላ ድልየት የርእያ።

ካብ 166 ምምሕዳራት ሽወደን እተን 28 ምምሕዳራት ልዕሊ እቲ ብቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝምደበለን ብዝሒ ሓደስቲ መጻእቲ ክቕበላ ድልዋት ምህላወን ዳህሳስ መስመር ተሌቪዥን TV4 ሓብሩ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝወሰነለን ብዝሒ ሓደስቲ መጻእቲ ንላዕሊ ክቕበላ ድልውነት ኣለወን’ዶ ንዝብል ዳህሳስ ን166 ምምሕዳራት ዝተኻየደ እዩ። ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን 10 ሓደስቲ መጻእቲ ሰዲዱልና፡ ይኹነ እምበር ካብ 50 ክሳብ 150 ሓደስቲ መጻእቲ ክንቅበል ድልዋት ኢና …

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ንዋጋ ወለድ ባንክ ብዝምልከት ክሳብ ዝቕጽል ወርሒ ታሕሳስ ከም ዘለዎ 0.25% ከይወሰኸ ክጸንሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ውሳኔ’ዚ ንዓቕሚ ባጤራ ክሮነር ምስ ዶላርን ዩሮን ኣወዳዲርካ ኣብ ናይ ንግሆ ምንቅስቓስ ሸርፊ ባጤራታት ሓይሊ ከምዝወሰኸሉ ካብ ማእከላይ ባንክ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብር። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት፡ ሓያል ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ናይ ቀረባ ዝቕባበን ናብቲ ዝሕሰብ ዕላም ናይ 2% ምስ ኣብጸሓና፡ ቁጠባ ሽወደን ክረገጋእን ኣብ ንቡር ክምለስን ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ባንክ፡ ኣብዚ ዓመት ከጋጥም ዝኽእል ዝቕባበ ባጤራ …

Read More »

በርሙዳ ትሪያንግል

በርሙዳ ትሪያንግል፡ ኣብዚ ዘመንና እቲ ዝዓበየ ዘይተፈትሐ ምስጢር ሒዙ ይርከብ። እዚ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ስሉስ ኩርናዕ ቅርጺ ሒዙ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝርከብ ቦታ፡ ሂወት ብኣሽሓት ናይ ዝቑጸሩ ሰባትን፡ ዝተፈላለያ መራኽብ፡ ጀላቡን ነፈርትን ኣጥፊኡ ይርከብ። ምስጢር ምስዋር ናይዘን መራኽብን ነፈርትን ኣብዚ ቦታ’ዚ ክፍለጥ ብዘይምኽኣሉ፡ ካብ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ትርጉሙ ክርደኣካ ናብ ዘይክእል ጽውጽዋይ ተቐይሩ ይርከብ። • በርሙዳ ትሪያንግል ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com