Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝህሉ ዋጋ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምውሳዂ ተገሊጹ።

ኲባንያታት ምስ ሓድሽ ዋጋታት መጓዓዝያ ንምምዕርራይ ኣብ ዝተጸምዳሉ እዋን ተጓዓዝቲ ክብሪ ዋጋ ከም ዘጋጠሞም ይግለጽ ኣሎ። ዮተበሪ፥ ማልም፥ ስቶክሆልም፥ ኖርኮፒን ሊንኮፒን ገለ ካብተን በዚ ዝተጸልዋ ከተማታት እየን ተብሂሉ’ሎ።

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከብ ይሕብሩ።

ኣብ ሽወደን ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዝርከብብ ሰሙናዊ ጸብጻብ ሃገራዊ በዓልመዚ ጥዕና ኣመልኪቱ። ብመሰረት ኣፈናዊ ኣሃዛት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 2019 ኣስታት 226 ጥርዓናት ከም እተጸብጸቡ’ውን ሓቢሩ። ካብዚ ቊጽሪ ዝለዓለ መጠን ዝሓሰት ጎትላንድ ኮይና ብማእከላይ ገምጋም ዝበዝሑ ሰባት እተረኽቡዋ ግና ኖርልንድ እያ ተባሂሉ። ካብ ዝሓለፉ ወቕቲታት ዝተፈኽቡ ተመኲሮታት ከም ዘመልክትዎ ናይ ኢንፍሉዌንዛ ንጥፈታት ኣብ እዋን መገሻታት በዓል ልደት …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭይ ብውሑስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዓለም መበል 13 ዝበለጸ መንገዲ ኣየር ተባሂሉ።

AirlineRating.com ዝተባህለ 405 መንገዲ ኣየራትን ውሕስነተንን ዝከታተል ኣካል ብዓለም ደረጃ ዳህሳስ ድሕሪ ምግባር ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ ኣገባብ ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ካብ ሰብመዚ በረራን መንግስታትን ዝርከብ ርእይቶታት፡ ናይ ምሕምሻሽ ታሪኽን ካልእ ሓደጋታትን ፋይናንሳዊ ኲነታት ከምኡ’ውን ስልጠና ፓይሎታት ዝብሉ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። መንገዲ ኣየር ኣውስትራልያ ካንታስ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ መንገዲ ኣየር ኒውዚላንድ ካልኣይ መንገዲ ኣየር ኢቲሓድ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዒራቕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይላ ንግዚኡ ከተደስክሎ ምውሳና ተገሊጹ።

ኣመሪካ ንኢራናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ቃስም ሱሌይማኒ ዕላማ ዝገብረ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ጥቓ ከተማ ባቕዳድ ድሕሪ ምክያዳ እዩ እዚ ውሳነ ሽወደን ዝመጽእ ዘሎ። “ብምኽንያት ህሉው ኲነታት ኣብቲ ቦታ ክንሰርሕ ኣይንደልን ኢና” ክትብል በዓልቶ መዚ ሓበሬታ ሓይልታት ሽወደን ክሪስቲና ስዋን ሓቢራ’ላ። ኣብ መዓስከር ኣመሪካ ዒራቕ 70 ዝኾኑ ወተሃደራት ሽወደን ነቊጦም ከም ዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ኣገልግሎት መድሃኒት(ፋርማሲ) ሽወደን ብሕጽረት ኣፋውስ ይሽገር ምህላዉ ይገልጽ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ዞባታት ሽወደን ዝርከባ ኲባንያ ኣገልግሎት መድሃኒት ብሕጽረት መድሃኒት ንዝጎነፎ ሽግር ንምውጻእ ገለ ድጎማ ከም ዝጠልብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሄይተር ሓቢራ። እታ ኲባንያ ኣብ ፈለማ ስርዓት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምፍሻሉ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝሰራጮ ምግባሩ እዩ ከም ምኽንያት ኣቕሪብዎ ኔሩ። ጸኒሑ ግና እቲ ኲባንያ ብሰንኪ ኣብ ማእከላት ጥዕና ዘሎ ጠለብ ኢንቨንትሪን ሕጽረት ኣፋውስን ኣሎ ዝብል ዘይቅትዑይ ሓበሬታ እዩ ዝብል መብርሂ …

Read More »

ካብ ዙርያ ስቶክሆልም ዝርከባ ኣብያተ ጥዕና ሞያውያን ዶክተራት የብለንን ክብል ዳህሳስ ቲቪ 4 ኣቃሊዓ።

ኣብ ዙርያ ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ጥዕና ኣብ ክንዲ ኣብ ሞያውያን ሓካያም ኣብ መባእታዊ ተንቀሳቐስቲ ሓካይም ከም ዝምርኮሳ ድማ ተመልኪቱ። ብዘይካ ሓንቲ ዞባ ኲለን ብዛዕባዚ ተሓቲተን እወ ኢለን ምምላሰን ድማ ተሓቢሩ። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ምስቲ መደበር ተሌቪዥን ጻንሖት ዝገበረት ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃለንግረን ኣብ ተንቀሳቐስቲ ሓካይም ክሳብ እትበጽሕ ምጽናሕ ኣዝዩ ዘሰንብድ ተርእዮ እዩ ኢላ’ላ። “ቀወምቲ ሓካይምን ነርስታትን ክህልዉ እየ ዝደሊ፥ ሕሙማት …

Read More »

ኣብ ሽወደን 800 ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝገጠመን ተገሊጹ።

800 ዝኾና ደቂኣነስትዮ ካብ መጻምደን ነበር ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝመጸንን ተሓቢአን ክነበራ ምግዳደንን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ብሰንኪ ጎነጻዊ ምፍርራህ ህይወተን ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ደቀንስትዮ ካብ ዝነበራሉ ከተማ ውጽእ ኢለን ብምርሓቕ ክነበራ ምጅማረን እውን እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ’ላ። እታ ጋዜጣ እዘን ደቀንስትዮ ዘሕልፋኦ ዝበለቶ ስቓይ ዘርዚራ’ላ። ሓንቲ ሉዊዛ ዝስማ ካብዘን ግዳያት” ከይቅተል ብምባል ተሓቢአ እየ ዝነብር። ሰባት ምስ መትና ብዜና እዮም …

Read More »

ካብ ምጅማር እዛ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ስቶክሆልም ንዝንቀሳቀሳ መኻይን ክፍሊት ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።

ካብ ጥሪ 1 2020 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ካብን ናብን ዝህሉ ምዝዋር መኪና ክፍሊት ክውስኽ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ጎደና ኤሲንግለደን ( Essingeleden ) ዝግበር ዝያዳ ዝኸበረ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ምውሳኽ ቀረጽ ናብታ ከተማ ዝህሉ ኣታውነት ክውስኽ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ’ሎ። ኣብ ምዝዛም እዛ ዓመት ካብን ናብን ስቶክሆልም ዝግበር ነዊሕ ጒዕዞ ዝኸበረ ክኸውን እዩ። ብዙሕ ትራፊክ ኣብ ዝህልወሉ መዓልቲ …

Read More »

ኣብ ቤታ ተቐቲላ እተረኽበት ሰበይቲ ክልተ ሚልዮን ክሮናኣ መን ይውረሶ?

ተሌቪዥን ሽወደን ከምቲ ልሙድ ኣብ “መን ይውረስ” ዝብል ፕሮግራሙ ሓንቲ ምድላው ሒዙ ቀሪቡ ኔሩ። እቲ ዛንታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ሓንቲ ዒራቓዊት ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብቲ በይና እትቕመጠሉ ከተማ ስቶክሆልም ሞይታ ከም እተረኽበትን ኣብ ቤታ ምንጩ ዘይፍለጥ 2 ሚልዮን ክሮና ከም እተረኽበን ድማ ኣፍሊጡ። መዋቲት ሳዓዳ ሓሰን ኣብ ምዕዳል ጋዜጣታት እያ ትዋፈር ኔራ። ስለዚ ድማ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክተዋህልል ዘይከኣል እዩ። …

Read More »

ካብ ምጅማር ዓመተ ትምህርቲ ኣትሒዙ 146 ቆልዑ ሽወደን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይምስታፎም ተገሊጹ።

ብውሑዱ 146 ተመሃሮ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከተማ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ቦኺሮም ከም እተረኽቡ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሓቢሩ። ደቀንስትዮ ሽውደን ካብ ምጅማር እዚ ዓመት እዚ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይተረኽባሉ ምኽንያት ምናልባት ስድረአን ናብ ካልእ ከተማ ስለዝገዓዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ’ሎ። ካብተን ተመሃሮ ዝቦኸሩለን 30 ምምሕዳር ከተማታት እተን 23 ዛጊት ምኽንያት እዚ ኲነት ኣርጊጸን ከም ዘይፈልጣ ድማ ተመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com