Saturday , May 18 2024

ውህደት

ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ንኡስ ውላድካ ስእሊ ምልጣፍ ዘይሕጋዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ሽወደን ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚራ ብመሰረት ስምምዕ መሰል ህጻናት ው/ሕ/ሃ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ስእሊ ውሉዳት ምልጣፍ ዘይሕጋዊ ንምግባር ተዳልያ ኣላ። እዚ ንምትግባር እቲ ሕጊ ይጽናዕ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ። ሓላፊት ጒዳያት ቆልዑ ኤልሳቤጥ ዳሕሊን ኣብቲ ውዕል ዘሎ መሰል ህጻናት፣ ወለዲ ስእሊ ደቆም ኣብ ዩትዩብ ኢንስታግራም ፌይቡክን ካልእን ካብ ምልጣፍ ኣይከልከሎም ዘሎ ኢላ።፡ እዚ እገባብ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኣብ ዝብል ዛጊት …

Read More »

ስቶክሆልም ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ትሸባሸብ።

ሽወደን ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል ሙዚቃዊ ርችት ንምፍናውን ትዳሎ ኣላ ተባሂሉ። ናይ ሎም ዓመት ጽንብል ካብ ናይ ዓሚ ዝተፈልየ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ እውን ተገሊጹ። ስቶክሆልም ካብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ርችት ምትኳስ ዝኸልከለት ኮይና ናብ ትሕት ዝበለ ጽፍሒ ንምጒዳልን ብሙዚቃ ዝተሰነየን ንምግባር ተዳልያ ኣላ።፡ ብራኸ እዞም ርችት ካብ 60 ክሳብ 75 ሜትሮ ኮይኑ ካብቲ ዓሚ ዝነበረ ናይ 300 ሜትሮ እንክነጻጸር …

Read More »

ቱሰ ተዓዋቲ ውድድር ኣይዶል ሽወደን 2019 ኮይኑ።

ቱሰ ቺሳ ኣብ ናይ መወዳእታ ውድድር ዝበዝሐ ድምጺ ብምርካብ ተዓዋቲ ኣይዶል ሽወደን ኮይኑ። እዚ ን ኣስታት 8 ወርሒ ዝቐጸለ ውድድር ኣዝዩ ኣድካን ብሙንባሩ ነዚ ዓወት ምብቕዔይ ንኩሉ ድምጺ ዝሃቦ ኣመስጊኑ። ቱሰ ድሕሪዚ ውድድር ብዙሕ ታሕጓስን ሃንደበትነት ከም እተሰምዖ ድማ ገሊጹ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ነብሰይ ምእማን ዳርጋ ኣጥፊአ ኔረ። ንቤተይ ክኸይድ ብዙሕ እዋን ወስዊሰ ኔረ ኢሉ ብምባል ነዚ ውድድር ገሊጽዎ። ኣብዚ …

Read More »

ናይ ጊዜ ገደብ ኣብ ምቕይያራት ኣሰራርሓ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ተናዊሑ።።

ናይ ጊዜ ገደብ ኣብ ምቕይያራት ኣሰራርሓ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ተናዊሑ። ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን መሻርክቱ ሰልፍታትን ዝኮና ሰልፊ ሰንተርን ሊበራልን ን ናይ ግዜ ገደብ ምምሕያሻት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ካብ 2021 ናብ 2022 ከምዝተናወሓ ሚኒስትር ዕዮ ኤፋ ኖርድማክ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። እዚ ድማ ነቲ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብ ምዕማም ለውጥታቱን ኣብ ኣሰራርሑን ሓጋዚ ሙካኑ ትሕብር። ብተወሳክውን ለውጥታት ኣብ ቤት …

Read More »

Swedish News on Tigrgna ሽወደን ብትግርኛ 6/12/2019

Read More »

ባዓል መዚ ትራንስፖርት ሽወደን ማለት Transport styrelse ንኣወጻጽኣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ብዝምልከት ሓድሽ መምርሕን ምምሕያሽ ሕግን ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ብቐደሙ እዉን ተሪር መስርሕን ቅድመ ኩነትን ዝሓትት ምዉጻእ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ሽወደን፣ዝያዳ ከምዘትርር ዝንገረሉ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ንዝተፈላለዩ ኣብ መስርሕ ፈተና ናይ ቃል ማለት (teoriprov) ንምድንጋራት ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ጸገማት ክፈትሕ፣ ተባሂሉ ዝወጽእ ዘሎ መምርሒ ምዃኑ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። በዚ መሰረት ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ቃል ፈተና ገርካ ምሕላፍካን ምትራፍካን ከይፈለጥካ፣ ዝግበር ዝነበረ ፈተና ምዝዋር መኪና፣ ተሪፉ ስጋብ ናይ ቃል …

Read More »

ቀሳቢ ድርኺት

ብዙሓት ሰባት ምስ ቅሳበ ዝመሳሰል ሓሳባት ከም ንኣብነት፡ እቶን ኣጥፊአዮ`ዶ፡ ማዕጾ ተዓጽዩ`ዶ እንዳበልካ ምቊጽጻር፡ ክህልወኦም ይኽእል። እዚ ቀሳቢ ድርኺታት፡ ነቲ ሰብ ህይወቱ ክሕምሰሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ከም ሕማም እዩ ዝቊጸር። እዚ ኸኣ ሕክምናዊ ረድኤት ክርከበሉ ዝኽእል ሕማም እዩ። ቀሳቢ-ድርኺት እንታይ እዩ? ምሒር ምምዝባል ውሽጣዊ ድራኺ (obsessive compulsive disorder) ሕማም ኮይኑ፡ ነቲ ግዳይ ዘይተደልየ ነገራት ክገብር ዝእዝዞ ቀሳቢ ሓሳባት …

Read More »

ማሕበር ግብረ-ሰናይ ነርሰስ ፎር ረፍዩጅስ ኣብ ነርወይ

ኣብ ምሕጋዝ ኤርትራውያ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ሱዳን ኣተኲሩ ዝሰርሕ ዘሎ ኣብ ነርወይ ዝመደበሩ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ነርሰስ ፎር ረፍዩጅስ (Nurses for refugees) ቀዳም ዕለት 16 ሕዳር ባህላዊ መደብ ኣካዪዱ። ዕላማ ናይቲ መደብ ድማ ባህልን ኣመጋግባን ናይ ኤርትራን ካልኦት ከባቢታት ዓለም ምልላይን ብኡ ኣቢልካ ድማ ንሓገዝ ስደተኛታት ዝውዕል ኣታዊ ንምርካብ እዩ። 1 እዚ ማሕበር ኣብ ሓጋይ 2018 ብረጃእ ኣበራን ኣበባ ሰይድን ተመስሪቱ። …

Read More »

ሽቅለት ኣልቦነት ይውስክ ምህላው ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ።

ኣስታት 357 620 ደለይቲ ስራሕ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር 2019 ምዝጉባት ከምዘለዉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ። ምስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ክነጻጸር ከሎ ኣስታት 17000 ዝያዳ ደለይቲ ስራሕ ከምዘልዉ ይሕብር። እዚ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት ናብ 7•1 ሚእታዊት ክብ ምባሉ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወርሒ ሽቅለት ኣልቢነት 6•1 ሚእታዊት ኔሩ። እዚ ተርእዪ ምውሳክ ሽህቅለት ኣልቦነት ብተከታታሊ ን …

Read More »

ንስደተኛታት ብቓልን ኣካልን ዘከላበተ ሰብ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ።

ኣብ ክሊ ዕድመ ሓሙሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ስደተኛታት ብቓልን ኣካልን ብምክልባቱ ሎሚ ኣብ መጋባኣያ ኡሚዮ ምቕራቡ ጋዜጣ ዌስተርባተን-ኲሪሪን ሓቢራ። እዚ ሰብኣይ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ኣውቶቡስ ተሳፊረን ንዝነበራ ስደተኛታት “ኪዳ! ኣመናዝር!” ዝብልን ካልእ ጸርፊታትን ከም ዘዝነበለን ድማ ተገሊጹ። ክዓርቊ ንዝፈተኑ ክልተ ሰብኡት ጒድኣት ከም ዘውረደሎም ድማ ተመልኪቱ’ሎ። እዚ ድሕሪ ምዃኑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ እዚ ሰብኣይ ንጐረቤቱ መንእሰይ ብጒስጢ ምጥቅዑን ብመቐስ ክወግኦ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com