Friday , May 10 2024

ቱሰ ተዓዋቲ ውድድር ኣይዶል ሽወደን 2019 ኮይኑ።

ቱሰ ቺሳ ኣብ ናይ መወዳእታ ውድድር ዝበዝሐ ድምጺ ብምርካብ ተዓዋቲ ኣይዶል ሽወደን ኮይኑ። እዚ ን ኣስታት 8 ወርሒ ዝቐጸለ ውድድር ኣዝዩ ኣድካን ብሙንባሩ ነዚ ዓወት ምብቕዔይ ንኩሉ ድምጺ ዝሃቦ ኣመስጊኑ። ቱሰ ድሕሪዚ ውድድር ብዙሕ ታሕጓስን ሃንደበትነት ከም እተሰምዖ ድማ ገሊጹ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ነብሰይ ምእማን ዳርጋ ኣጥፊአ ኔረ። ንቤተይ ክኸይድ ብዙሕ እዋን ወስዊሰ ኔረ ኢሉ ብምባል ነዚ ውድድር ገሊጽዎ።

ኣብዚ ውድድር ካልኣይ ዝወጸ ፍሬዲ ሊልየግረን ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ ውድድር ጽቡቕ ምድራፉን ክዕወትየ ዝብል ስምዒት ከም ዝነበሮን ተገሊጹ። እንተኾነ ዝበዝሑ ተመልከትቲ ተሌቪዥን ንቱሰ እዮም መሪጾሞ። ሰባት ክንድዚ ሓገዝ ክህቡንን ብኣይ ክኣምኑን ምርኣየይ ኣደኒቑኒ እዩ ይብል ተሰ ኣብ መዛዘዘሚ እቲ ሽልማት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com