Saturday , May 4 2024

ውህደት

ነስተውዕል …

ጌጋ መናብርትና እዩ። የግዳስ ተደጋጋሚ ሓደ ዓይነት ጌጋ ምድግጋም፡ ጸገም ከም ዘለና እዩ ዘርኢ። ጌጋ ምፍጻም ምስ ኣጉደልናን ተቖጻጸርናን፡ ቅኑዓት ነገራት ባዕሎም እዮም ዝመጹና። ብዝዀነ፡ ነዞም ዝስዕቡ ጌጋታት ንፍጽም ከይንህሉ ምዝካር ከድልየና እዩ። ዕዉር ፍርዲ ንህብ ከይንህሉ፡- ንሰባት በቲ ዘንጸባርቑዎ ደጋዊ ነጸብራቖም ንፈርዶም ከይንህሉ ንጠንቀቕ። ምኽንያቱ እቲ ሰባት ዘርእዩና ዘለዉ ባህርያት፡ እቲ ከርእዩና ዝደልዩ ዝመረጹዎ ነገራት ጥራይ ወይ ድማ ካብ …

Read More »

ብስለት ማለት . . .

ብስለት ማለት፡ ንንኣሽቱ ዊንታታትን ቃሕታታትን ክንጻወር ምኽኣል፡ ቀጥታዊ ዓወትን ናእዳን ክመጽኣና ዘይምጽባይን ጽባሕ ክንርእዮ ንእንደሊ ሎሚ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ከም ዘለና ምፍላጥን እዩ። ብስለት፡ ጽቡቕ ሚዛን ዘለዎ ጽንዓትን መትከልን እዩ።  እዚ ማለት፡ ንዕላማታትና ብግቡእ ምፍላጥ፡ ንዝሓንጸጽናዮም ዕላማታት፡ ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊርና ናብ ሸቶ ንምብጻሕ ከይተሓለልናምስራሕ ማለት እዩ። ነዚ ንምግባር እነጥርዮ ክእለትን እነዋህልሎ ፍልጠትን ድማ’ዩ ብስለት። እወ! ጉልበትናን ዓቕምናን ብዘይጠቅም ከነጥፍእ ከምዘይብልና ምፍላጥ። …

Read More »

ቡዙሓት ነበርቲ ካብ ከተማ ስቶኮልም ወጺዮም ኣብ ካልእ ቦታታት ክነብሩ ይመርጹ!!

ብመስረት መጽናዕቲ ስቨኒስካ ዳግ ብላደት ብዝሒ ንከትማ ስቶኮልም ገዲፎም ኣብ ካልእ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ከምዝወሰኸን እቲ ድሌት ድማ ገና ብተዓጻጻፊ ቁጽሪ ከምዘሎ ጸብጻብ ምምሕዳር እዛ ከተማ የረድእ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን ብምኽንያት ሓደሽቲ ዝውለዱን ናብ ከተማ ስቶኮልም ካብ ዝተፈላልየ ከተማታት በብዓመቱ ዝመጹ ሓደሽቲ ሰፍርቲ ብዝሒ ተቐማጦ እዛ ከተማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወሰከ ይከይድ ከምዘሎ …

Read More »

ጥንታዊ ዘመናዊ ሰብ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ተረኺቡ

ዝጠንተወ ዓሌት ዘመናዊ ሰብ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ከም ዝረኸቡ ተመራመርቲ ገሊጾም። እቲ ኣብ ግሪኽ ተቐቢሩ ዝተረኽበ ሽኽና 210,000 ዓመት ዝገበረ ምዃኑ ኢዩ ዝንገረሉ ዘሎ። እዚ ኣደናቒ ርኽበት፡ ነቲ ኣብ ሕጂ ዘለዉ ሰባት ገለ ኣሰር ዲኤንኤ ዘይገደፈ፡ ጥንታዊ ፍልሰት ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ መርትዕዖ ክህልዎ ገይርዎ ኣሎ። እቲ ርኸበት ኣብ ጆረናል ነቸር ኢዩ ተሓቲሙ ተዘርጊሑ። ተመራመርቲ ኣብ ሰብዓታት ኣብ በዓቲ ኣፒዲማ …

Read More »

ካብ ልምዲ ማውሪታንያ

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ትርከብ ሃገረ ማውሪታንያ፡ ኣብ መርዓ ፍልይ ዝበለ ልምዲ እዩ ዘለዋ። ኣብዚ ሕብረተሰብ፡ እታ ዝገዘፈት ጓል ኣንስተይቲ እታ ዝያዳ ተመራጺት እያ። በዚ ምኽንያት ድማ ስድራቤታት ደቆም ሓሙሽተ ዓመት ክመልኣ እንከለዋ፡ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ ሓደ መግዘፊ መዓስከር’ዮም ዝሰዱወን። እዚ ልምዲ ‘ለብሎህ’ (leblouh) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ መዓስከር እትኣቱ ጓል፡ ጠገለ ዘይብሉ መግቢ ክትበልዕ ኣለዋ። ሓደ ሓደ እዋን’ውን ተገዲዳ ትበልዕ …

Read More »

ስርዓተ-ኣስተንትኖ “ዮጋ”

ዮጋ ብቛንቋ ህንዲ ክልተ ትርጒም ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ሃይማኖት ሂንዱ ትምህርቲ ሓሳባት ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ኣገባብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ምዕባለ’ዩ። ስርዓተ-ኣስተንትኖ ቃል ብቓሉ ክትርጐም እንከሎ፡ ስነ-ስርዓት ወይ ኣደብ ምግባር ማለት’ዩ። ሰዓብቲ ናይዚ ትምህርቲ ዮጊንስ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ትምህርቲ ኣብ መንጎ ሓሳብን ኣካልን ዘሎ መንፈሳዊ ፍልልይ ኣለሊኻ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዝግበር ልምምድ’ዩ፡፡ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ጥዕንኦም ንምምሕያሽ …

Read More »

ብዛዕባ ህይወትን ሓጐስን

ሓጐስ እንተተባሂሉ፡ ማዕሪኡ ሕጉስ ናይ ምዃን ባህጊ’ዩ ዝዝከር። ሓጐስ፡ ምሕጓስ፡ ሕጉስ ምዃን ማለት’ዩ። ልክዕ ከም ካልእ ባህግታት ግና፡ ኣብ ህይወት መጠን ዝብህጎ ሓጐስ ዝረኸበ ውሑድ’ዩ። እዚ ግን፡ ናይ ብሓቂ ዘሐጕስ ስለ ዘይረኸብና ዘይኰነ፡ ብመጠን ኣብ ህይወት ዘለና ትጽቢታትን እንረኽቦ ውጽኢትን ግበረ-መልስን’ዩ። ኣብ እዋን ህጻንነት ዝነበረና ትጽቢት ምስ ዓበና ኣይንረኽቦን ኢና። ቈልዓ እንከለና፡ ዘሐጕሱና ዝነበሩ ነገራት ምስ ዓበና ተቐይሮም ይጸንሑና ወይ …

Read More »

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ወጺኦም

ሰብ መዚ ሊብያ፡ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብነፈርቲ ዝተደብደበን ኣብ ታጁራ ዝርከብን ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ ከምዘፍቀዱ ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ልዕሊ 50 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፤ እቲ መጥቃዕቲ ሓይልታት ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣር እዮም ፈጺሞምዎ ተባሂሉ እዩ። እንተኾነ፤ ሓይልታት ጄነራል ሃፍጣር ግን እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ እዩ ተፈጺሙ እዮም ዘብሉ። ኣብቲ …

Read More »

ብምትሕውዋስ ዘርኢ መፍረ፡ ኣሜሪካውያን መጻምዲ ዘይውላድና ወሊድና ይብሉ

ኤስያዊ መቦቆል ዘለዎም መጻምድቲ ብ IVF (ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ፡ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ መፍረ) ኣቢሎም ክወልዱ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ኣብ ክሊኒክ መፍረ ካሊፎርናያ ብዝተፈጥረ ምትሕውዋስ ዘርኢ፡ እታ ኣደ ዘይውላዳ ከምዝጠነሰት ገሊጾም። ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመስረትዎ ክሲ፡ እቶም መጻምድቲ፡ ዘርኢ ኤስያ ዘለዎም ዘይመስሉ ክልተ ኣወዳት ምስ ተገላገሉ ኣዝዮም ከም ዝሰንበዱ ገሊጾም። እቲ …

Read More »

ባህሊ ቓህዋ ዓረቢ ኣብ ቀቢላታት ዓረብ

ምስታይ ቡን ወይ ድማ ቓህዋ ብዓረብ፡ ኣብ መንጎ ኣዕራብ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ገጠር ዓቢ ክብሪ ዘለዎ ጽምብል’ዩ። ቡን ከም ምልክት ልግሲ’ያ እትቑጸር። ኣብ ልዕሊ ኣግማሎም ልዑል ፍቕሪ ዘለዎም ኣዕራብ፡ ንቡን ካብ ጸባ ግመል ፈልዮም ኣይርእዩዋን’ዮም። ወግዒ ቡን ኣብ ኣዕራብ፡ ፍሉይ ልምዲ ኣቀራርባን ኣሰታትያን ኣለዎ። ኣብ ገለ ካብ’ዞም ገጠራት፡ ኣብ እዋን ሓዘን ቡን መራር ማለት ብዘይ ሽኮር’ያ ትቕረብ። ኣብ እዋን ሓጎስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com