Saturday , May 18 2024

ውህደት

ናይ ምቾት ሕጊታት አብ ሽወደን

ኣብ ትነብሮ ቦታ ንስኻ ምስ ጎረባብብትኻ ብሓባር ኢኹም ምሕዝነትን ምስናይን እትፈጥሩ። ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዝቅመጥዎ ገዛ (flerfamiljshus) ብሰላም መታን ክነብሩ ኩሎም ተቐመጥቲ ክስዕብዎ ዘለዎም ናይ ምስናይ ሕጊ ይርከብ እዩ። ዝተፈላለዩ ኣካረይቲ ወይ ወነንቲ ገዛውቲ ዝተፈላለዩ ሕግታት ክህልዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ገለ ልሙዳት ሕግታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዝቅመጥዎ ገዛ ጥቓ ጎረባብትኻ ኢኻ እትቕመጥ። እዚ ማለት ክብረት ከተርኢ፣ ትዕግስቲ …

Read More »

ንግዲ ደቂ ሰባት ገበን እዩ

ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ምስግጋር ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ሓደ ወይ ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ንኸእትዉ ክምዝምዙኺ ከሎዉ እዩ። እዚ ንኣብነት ሰባት ጾታዊ ርክብ ክትሸጢ፡ ክትሰርቂ፡ ክትሰርሒ ወይ ዕጸፋርስ ክትሸጢ ከገድዱኺ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዝኾንኪ ወይ ሂወት ከመይ ክትከውን ከም ዝኾነት ከዐሽዉኺ ልሙድ እዩ። ከፈራርሑኽን ክህድዱኽን ልሙድ እዩ። ንኣብነት ከምዚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ሓደ ሰብ ኣብ …

Read More »

ጥዕና፡ ብሕማም ረስዕ ከጋጥም ዝኽእል መጠን ስቓይ ምቁጽጻር ይከኣል’ዶ ይኸውን?

ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራቤት ግዳይ ሕማም ረሲዕ ዝኾነ ሰብ እንተሃልዩ፡ ጥዑይ መነባብሮ እንተድኣ ተኸቲሉ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ከጋጥሞ ንዝኽእል ናይ‘ቲ ሕማም ሓደጋ ከጉድል ከም ዝኽእል ውጽኢት ምርምር ኣመልኪቲ። ብመሰረት’ቲ ኣብ ኣስታት 200,000 ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ሓደጋ ብሓደ ሲሶ ነኪዩ። እቶም ውጺኢታት መጽናዕቲ ዘሕጉሱን ዘበራትዑን ከም ዝኾኑ ተገሊጹ’ሎ። “ሰባት ድማ ኣብ ሕማም ረሲዕ ኣይክሽመሙን’ዮም” ኢሉ እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ …

Read More »

ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ክትገዝእ ከለኻ ዘሎዉ መሰላት

ኣብ ሽወደን ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ክትገዝእ ከሎካ ዝከለኸሉልካ ሕግታት ኣሎዉ። እቶም ሕግታት ንኣብነት ንዕድግካ ክትጠርዕ ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ድማ ክትጠዓስ መሰል ይህቡኻ እዮም። ቅብሊት ካብ ዱኳን ክትዕድግ ከሎኻ፡ ቅብሊት ክወሃበካ መሰል ኣሎካ። ብኢንተርኔት እንተ ዄንካ ዓዲግካ፡ ናይቲ ትእዛዝካ መረጋገጺ ክወሃበካ መሰል ኣሎካ። ነቲ እንታይ ከም ዝዓደግካን ክንደይ ከም ዝኸፈልካን ዘርኢ መርትዖ ክትዕቅቦ ጽቡቕ ምኳኑ ዘክር። እቲ ቅብሊት ካልእ ገዲፍካ ናይ …

Read More »

ልዑል ጸቅጢ ደም

ብ ማእከላይ ገምጋም ዓቀን ደምና 140 ወይ ድማ ካበኡ ንላዕሊ ምስ ዝከውን ልዑል ጸቕጢ ደም ክንብሎ ንክእል። ሎዑል ጸቕጢ ደም ጠንቂ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ልብን ጅማውትን ሕማማት እዩ። እንድሕር ደኣ ነዞም ዝስዕቡ ምክርታት ተኸታቲልናዮም ብሕማም ልቢ ወይ ድማ ናይ ጅማውቲ ሕማማት ክንሓምም ዘሎ ተኽእሎ ይጎድል ።ሓሓደ ጊዜ እውን ልዑል ጸቕጢ ደም በዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ክጎድል ይክእል እዩ።• ሽጋራ ምትካኽ ምቁራጽ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ሕጽረት ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምና የጋጥም ኣሎ !!

ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ዝርከቡ ሕሙማት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ሓደ መዓልቲ ምሉእ ይጽበዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ ሽወደን ዘሎ ሕጽረት ነርስታት ብፍላይ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ምህላዉ ተገሊጹ። ክረምታዊ ዕረፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤናት የርኢ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ Ekot ዳይረክተር ሆስፒታል ሱንደርክ ማትያስ ሞሪን ሕሙማት ክፍሉ ህጹጽ ሕክምና ክትትል ከይተገብረሎም …

Read More »

ጠንቅን ሳዕቤንን ፍትሕ . . .

ክኸይድ ኣብ ዝፍትነሉ ግዜ ድማ ቅልውላው መንነት ሒዙዎ ኣብ ነውጺ ክኣቱ ንቡር’ዩ። ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ኣብ ሕማቕ ይወድቕን ሰኸም ሕብረተሰቡ ይኸውንን። ፈውሲ ናይዚ ኵሉ ሳዕቤን እንታይ’ዩ እንተ ደኣ ኢልና፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤቱ ዝግባእ ትምህርቲን ስነ-ምግባርን ቀሲሙ ምስ ዝዓቢ’ዩ። ስድራቤት ንመላእ ኣባላታ ብዘይርአ ሓይሊ (ፍቕሪ) ጠሚራ ናይ ምሓዝን ምሕብሓብን ጸጋ ዘለዋ’ያ። እቲ ኣብ ስድራቤት ዘሎ ክዕቀን ዘይክእል ፍቕሪ፡ ክንክንን ሓልዮትን ድማ’ዩ …

Read More »

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሸገረኣብ ‘ንሕማማት ተቓሊዕና’ ይብሉ

ኣብ ምብራቕ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገረኣብ ተዓቝቦም ዘለው ኣስታት 5 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ብስግኣት ጸጥታ፡ ሕጽረት መግብን ማይን፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ይሳቐዩ ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ካብ ኤርትራ ውሕስነት ስኢኖም ከምዝተሰደዱ ዝገልጹ ስደተኛታት፡ ሓላፍነት ክወስድ ዝግበኦ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ‘ዩኤንኤችሲኣር’ ኣቓልቦ ከምዝነፈጎም ብሳዕቤኑ ድማ ብተመሓላለፍቲ ሕማማትን ምምሕዳራዊ ጸገማትን ተሸጊሮም ምህላዎም ይገልጹ። እዞም “ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ምምሕዳራዊ ወጽዓ ኢና ተሰዲድና!” …

Read More »

ኩባንያ ቦይንግ፡ ንሓንቲ 737 ማክስ ነፋሪት ሓድሽ ስም ሂቡ

ንመገዲ ኣየር ሪያንኤይር ዝተዳለወት ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ናይ ቅድሚት ክፋላ [ኣፍንጫ] ዝተጽሓፈ ስያመ ሞዴል ተቐይሩ ተራእዩ። እታ፡ ኩባንያ ቦይንግ ነፈርቲ ካብ ዘፍርየሉ ጋራዥ ወጺኣ ትረኣይ ነፋሪት፡ 737 ማክስ ዝብል ስማ ብ737-8200 ከም ዝተተክአ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሑ ስእልታት የመልክቱ። እዚ ከኣ እታ ፈተናታት ዝበዝሓ ማክስ፡ ብድሕሪ እቶም ዘጋጠምዋ ክልተ ከበድቲ ሓደጋታት ስማ ብምቕያር ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ከም ዝተሓሰበ ግምታት …

Read More »

ኣዲስ ኣበባ፡ ኩሎም ተምሃሮ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ‘ዲቪዛ’ ብነጻ ከም ዝዕደሉ ተገሊጹ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 400 መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ከባቢ 600 ሽሕ ተመሃሮ፡ ‘ዲቪዛ’ [ክዳን ተምሃሮ]፣ ደፍተርን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን ብናጻ ከም ዝዕደሎም ምምሕዳር ናይታ ከተማ ኣፍሊጡ። “ጽርየት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብምዕላም፡ ምክትል ከንቲባ ናይታ ከተማ ታከለ ኡማ (ኢንጂነር) ዘበገስዎ ሓሳብ’ዩ” ክትብል ናይ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ፕሬስ ሴክሬታሪ ፌቨን ተሾመ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ሸኽሚ ስድራ ናይቶም ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com