Thursday , May 16 2024

ውህደት

ዜናታት ሽወደን ብቛንቋ ትግርኛ Swedish News on Tigrigna 2019 02 25

1. ሃገራት ኤዉሮጳ ኣብ ጉዳይ ምቕባል ኣባላት ዳዒሽ ነበር በበይኑ መርገጺ ሒዘን ኣሎዋ። 2. ሩስያ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ ኣየር ግዝኣት ሽወደን ጥሕሰት ከምዝፈጸመት ተፈሊጡ።

Read More »

ሽወደናዊት ኣባል ዳዕሽ ናብ ስዊድን ክትምለስ ትደሊ።

29 ዝዕድሚኣ ሊሳ ኣንደርሰን ወዳ ኣብ ጉተንበርግ ገዲፋ ግብረሽበራዊ ጒጅለ ዳዕሽ ተጸንቢራ። ሕጂ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ሶርያ መዓስከር ስደተኛታት ትቕመጥ ኣላ። ሽወደን ናብ ቦታይ ክትመልሰኒ እየ ዝደሊ። ደቀይ ክጻወቱ፡ ዕዳጋን ቤት ትምህርቲን ክኸዱን ብንቡር ኣገባብ ክዓብዩን ክርኢ ድሌት ኣሎኒ። ሕጂ ግና ብኹሉ ጽሉኣትን ኲኑናትን እዮም ብምባል ን NRK ሃረርታኣ ገሊጻ’ላ። ኣብ ወረዳ ኣል ሃሳካ ሰሜን ሶርያ 450 ኣንስትን ቆልዑን …

Read More »

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ስርሓቱ ይዝሕትል።

ኣብ ቊጽሪ ቤትጽሕፈታቱ ጭቡጥ ናይ ምጒዳል ተርእዮ ከምዘሎን ኣብ መንጐ ደለይቲ ስራሕን ስታፍ ቤትጽሕፈትን ዝነበር ርክባት እውን እናቐሃመ ምምጽኡን ውሽጣዊ ሰነዳት ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣመልኪቱ ። ብመሰረት እዞም ብRadio ekot ዝተመመዩ ሰነዳት ዕላማዚ ቤት ጽሕፈት 90 ሚእታዊት ጒዳያት ምዝገባ ካብ ጥቅምቲ ጀሚርካ ሰባት ባዕላቶም ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ክመልኡ እዩ ። እዞም ሰነዳት ከም ዘመልክትዎ ኣብተን ቀዳሞት መንፈቕ ኣብ መንጐ ደለይቲ ስራሕን ስታፍ …

Read More »

መመረቕታ መጽሓፍ: ”እንቶሽ” ብቐሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ሽወደን ድማ ከም ተርጓሚ ጽሑፋትን ከም ተሓዚ ጉዳያትን’ዩ ዝሰርሕ። ብዛዕባ ”እንቶሽ” እታ እትምረቕ ዘላ፡ እኩባት ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ኣመልኪቱ፡ መግለጺ ክህብን ገለ ካብ ትሕዝቶታታ’ውን ከንብብን ስለዝዀነ፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም። እታ መጽሓፍ፡ ንመሸጣን ንምንባር ክታም ደራስን፡ ኣብቲ ዕለት እቲ ክትዝርጋሕ እያ (ብካሽ ወይ ብስዊሽ ምዕዳግ ይከኣል)። ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ቅድሚ ሕጂ’ውን …

Read More »

ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓስፖርቲታት ከም ዝስረዙ ተፈሊጡ።

ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓስፖርቲታት ብዝተፈለለየ ምኽንያታት ከም ዝስረዙ ተፈሊጡ። ገለ ካብዞም ምኽንያታት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዕድጊ ምክያድ ከምኡወን ፓስፖርትኻ ንመቕርብካ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንክፍጽሙሉ ምሃብ እዮም። ዝሓለፈ ዓመት 2018 ፖሊስ ልዕሊ 65 ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ፓስፖርቲታት ከም ዝሰረዙን እዚ ምስ ናይ 2017 ብምንጽጻር ብ 700 ዓብዩ ከም ዝርከብን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። በዓልቲ መዚ ሃገራዊ ስርሒት ፖሊስ ኤሚሊ ሊንድቮል ንሬድዮ ሽወደን ኣብ …

Read More »

ሃድን ሓበሬታ! ብበሪሁሉ ብኣማን

ንሓደ ንጥፈት ኣብ ፍልጠት ተመርኲስካ ክተሰላስሎ እንተዄንካ ሓበሬታ ክህልወካ ይግባእ። ሓበሬታ ክህልወካ ድማ ክትሓትትን ክትውከስን ኣለካ። ናይ ምፍላጥ ህንጡይነትና ኣብ ግዜ ቁልዕነትና ጥራይ ዝንጸባረቕ፡ ኣብ ግዜ ብጽሕናና ግን ዳርጋ ጠቕሊሉ ዝቕህም ባህርይ ክኸውን ይረአ። ሓታቲን ፈታሺን ባህርይ ከምቲ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ኣብ ግዜ ብጽሕና እውን ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ተማሂርካ እትረኽቦ፡ ሓቲትካን ተወኪስካን እትረኽቦ ሓበሬታ ንኣተሓሳስባኻ ብዝያዳ ከስፍሖ …

Read More »

ትፈልጡዶ?ብኣማኑኤል ሳህለ

·         ብ1899 ሰልክመን እተባህሉ ፈላሚ ደቀባት ቺሊ ናብ ኤውሮጳ ተወሲዶም ኣብ ዙ ወይ መካነ እንስሳታት ተዳጕኖም ህዝቢ ይርእዮም ከም ዝነበረ ትፈልጡዶ? ·         ብ 1923 ባጤራ ጀርመን ኣዚዩ ብምንቁልቋሉ፡ ገለ ሰባት ነቲ ኣቓርሽ ከም መሸፈኒ መንደቕ ወይ ዎልፐይፐር ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ትፈልጡዶ? ·         ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዚርከቡ ቋንቋኦም ኮይኑ እንግሊዝ ዝዛረቡ ህዝቢ፡ ኣብ ቻይና ዚርከቡ ብትምህርቲ ዝኸኣሉዎ እንግሊዝ ዝዛረቡ ህዝቢ ከም ዚበዝሑ ትፈልጡዶ? ·         ሓርማዝ …

Read More »

ግዳያት ወልፊ ስራሕ (Workaholism) ብበሪሁሉ ብኣማን

ክንሰርሕ ዲና ንነብር ወይስ ክንነብር ኢና ንሰርሕ ዝብል ሕቶ ወትሩ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምላሽ ክንረኽበሉ ንተሓታተተሉ ኣርእስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሕብረተሰባት ናይ ገለ ከባቢታት ዓለም፣ ሰባት ንኽሰርሑ ከም ዝነብሩ ይኣምኑ። ኣብ ገለ ካልኦት ከኣ ንኽንነብር ኢና ንሰርሕ ይብሉ። ወድ ሰብ ብባህሪኡ ክሰርሕን ክሃልኽን በሃላይ እዩ። ንብድሆታት ህይወት ብስራሕ ሰጊሩ ናይ ዓወት መንፈስ ክስመዖ ይደሊ። ሰሪሕካን ኣፍሪኻን ክብረትን ትርጉም ዘለዎ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 2019 02 22

Read More »

መንሽሮ ሳንቡእ( lungcancer) ከየተፈልጠ ንነዊሕ እዋን ሰባት ከምዘሳቕይ ተሓቢሩ።

ኣብ ብዙሕ ከባብታት ሽወደን ኣብ ምልላይ ሕማም መንሽሮ ሳንቡእ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ብዙሓት ሰባት ሕማሞም ከይፈለጡ ይሳቕዩ ከምዘሎዉ ንምንጭታት ሓለዋ ጥዕና ጠቒሱ ዝተዘርግሐ ዜና ሓቢሩ።። ብመሰረት ሰብ መዚ ጥዕና ተመራመርቲ ሕማም መንሽሮ( ካንሰር )ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብ ሳንቡእ ዝስረት ሕማም መንሽሮ ንምልላዩን ብኣግኡ ንምፍላጡን፣ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፣ ብዙሓት ሰባት ግዳያት ኮይኖም ምህላዎም ተፈሊጡ። ሙሉእ ዕድሜኦም ሽጋራ ብምትኻኽ ንሕማም መንሽሮ ሳናቡእ ዝተቓልዐ እዩ ዝብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com