Thursday , May 16 2024

ውህደት

ሕብረትሰብ ሽወደን

​ሽወደን ሓንቲ ደሞክራስያዊት ሃገር እያ። እዚ ማለት ድማ፤ ህዝቢ ነቶም ኣገደስቲ ውሳኔታት ክውስኑ ዚኽእሉ፤ ሰልፊታት ወይ ግለ-ሰባት ብምምራጽ፤ ዘመሓድሮ ስርዓት ማለት እዩ። እቶም ዚምረጹ ሰባት ፖሊቲካኛታት ይስመዩ። ንሳቶም ድማ፤ ኣብ ኮሙናዊ-ባይቶ፤ ኣብ ወረዳዊ-ባይቶን ኣብ ሃገራዊ-ባይቶን ውሳኔታት ይወስዱ። ገለ ኣገደስቲ መሰረታት ሕብረሰብ ሽወደን ናይ ጽሑፍን ሓሳብካ ምግላጽን ነጻነት፤ እዚ ንኹሉ ሰብ ሓሳብቱ ክገልጽ፤ ርእይቶ ክህብ፤ ስምዒቱ ብቓልን ብጽሑፍን ክገልጽ ዘፍቅድ እዩ። …

Read More »

ብናይ ግዳም ምዕማጽ እተታሕዘ ሰብ

ሓደ 30 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብኣይ ንሓንቲ ኣብ ጥቓ ቦልነስ ሀልሲንግላንድ እትነብር ሰበይቲ ብምዕማጽ ከም እተታሕዘ ማዕከናት ፖሊስ ይሕብሩ። እቲ ዓመጽ ኣብ ግዳም እዩ ተፈጺሙ፡ እቲ ሓበሬታ ድማ ፍርቂ ለይቲ ተላኢኹ። እታ 50 ዓመት ዝዕድመኣ ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ። ብመሰረት ፖሊስ፡ እታ ሰበይቲ ነቲ ሰብኣይ ካብ ቀደም ትፈልጦ እያ። እቲ ገበነኛ ተኣሲሩ ኣሎ።    

Read More »

ጥርጡር ቀታል ጋዜጠኛ ናብ ሃገሩ ይጥረዝ

20 ዓመት ዝዕድመኡ ዓማጽን ቀታልን ጋዜጠኛ ቲቪ ቡልጋርያ ቪክቶርያ ማሪኖቫ፡ ካብ ጀርመን ናብ ቡልጋርያ ተጠሪዙ። እታ 30 ዓመት ዝዕድመኣ ማሪኖቫ፡ ጥቅምቲ 6 ኣብ ናይ ቡልጋርያ ከተማ ሩሰ፡ ኣብ ሓደ መገዲ፡ ጥቓ ወሓዚ እያ ሞይታ ተረኺባ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ እቲ ጥርጡር ኣብ ጀርመን ተታሒዙ። እቲ ቅትለት ምስ ሞያ ማሪኖቫ ወይ ምስ ካልእ ነገራት ምትእስሳሩ ርጉጽ ኣይኮነን። እቲ ጥርጡር ንማሪኖቫ ከም …

Read More »

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ኣብ ቀንዲ ኣኼባኡ ንስደተኛታት ዚምልከት ረፈረንድም ይጽውዕ

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ብመገዲ ሰክረተሪ ፓርቲ ሪቻርድ ዮምስሆፍ ገይሩ ንስደተኛታት ብዚምልከት ረፈረንድም ኪግበር ሓሳብ የቕርብ። እቲ ሰክረታሪ ከም ኣብነት ንሃንጋሪ ይጠቅስ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ንሽወደናውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ናይ ውሁዳን ደረጃ ከየእትዎም ድማ ይሰግእ። ንሱ ነቲ ረፈረንደም ኪካየድ ዝደለየሉ ምኽንያት፡ ህዝቢ ሽወደን ነቲ ሓላፍነት ዘይብሉ ኣዕናዊ ፖሊሲ ወይ ነቲ ሓላፍነት ዘለዎን ቀያድን ፖሊሲ ሓዲኡ ንምምራጽ ብማለት እዩ። ኣብ ካልእ ሃገራት …

Read More »

ናጻ በረራ ንተማሃሮ

ካብ መጋቢት 15 ክሳዕ ጥቅምቲ 31-2019 ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ን 12000 ካብ 18 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ዘለዉ ተመሃሮ ናጻ በረራ ኪህብ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት እቲ ፈደረሽን ን 15000 ተምሃሮ ናብ ውሽጢ ኤውሮጳ ዝዓለመን ኤውሮጳ ንፍምላጥ ዚካየድን ናጻ በረራ ኣዳሊዩ ነይሩ። ቲቦር ናፍረሰ፡ ናይ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ሓላፊ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ በረራ ኣወንታዊ ግብረመልሲ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ሕጂውን ንዓመታ ነዚ በረራዚ ክንደግሞ ኢና …

Read More »

ተቐማጦ ኦስተርሱንድ፡ ማይ ቡምባ ቅድሚ ምስታይኩም ኣፍልሑዎ!!

ኣብ ኦስተርሱንድ እትርከቡ ተቐማጦ፡ ንማይ ቡምባ ቅድሚ ምስታይኩም ይኹን ወይ ኣብ ምግቢ ቅድሚ ምዝውታርኩም ኣፍልሑዎ። ነዚ መምርሕዚ ኪኽተሉ ዘለዎም እቶም ምስ ኦስተርሱንድ ምትእስሳር ዘለዎም ኮሙናት፥ ፍረሾን ናይ ብሩንፍሎ ከተማታትን፡ ሉንቪክ፡ ቢስኩገንን፡ ሶንግሁስቫለን ከምኡውን ኣነርስያ ካብ ቫልሱንድስብሩን ክሳብ ኦርቪከን። እቲ ተጠርሪሩ ዘሎ ማይ፡ ናይ ኢ-ኮሊ ባክተርያ ኣለዎ እዩ ዚብሃል ዘሎ። www.ostersund.se ምስ እትኸፍቱ፡ እዋናዊ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

Read More »

ሽወደን ካብ ኤውሮጳ እቲ ዝተሓተ ቍጽሪ ድኻታት ኣሎዋ

ኣብ ሽወደን ሓድ ካብ ሚእቲ እዮም ብድኽነት ዚነብሩ – እዚ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ዝተሓተ እዩ። ኣብ 2017 ኣብ ሽወደን 1.1 ሚእታዊት ተቐማጦ ኣብ ድኽነት ይነብሩ ነይሮም፡ ማለት 100 000 ሰባት። እዚ ምስ ናይ ኤውሮጳ ኪወዳደር ከሎ ኣብ ኤውሮጳ ብገምጋም 7 ሚእታዊት፡ ኣብ ቡልጋርያ፡ እታ ዝበዝሐ ቍጽሪ ድኻታት ዘለዋ፡ 30 ሚእታዊት እዩ። ኣብ ሽወደን እቲ ቍጽሪ ከይተለወጠ ጸኒሑ፡ ደሓር ግን ካብ …

Read More »

እቲ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕጊ ንኸይቅየር

ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣቦመንበር ካርል ፐተር ቶርቫልድሶን፡ እቲ ስተፋን ሎፍቨን ምስ ሰንተርን ሊበራልን ኮይኑ ዚምስርቶ መንግስቲ ነቲ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት LO ሕጊ ከየበላሽዎ ይሰግእ። – ብዛዕባቲ ሕቲ ንምዝታይ ኣይጸልእን ግን ብሓደ ወገን ጥራይ ዚግበር ለውጢ ነቲ ሕጊ ከበላሽዎ ይኽእል እዩ። – ነቲ ጠለባት ቁጠባዊ ህይወት ሽወደን ከም ዚዓግብ ምግባርን ነቲ ዚወርድን ዚድይብን ናይ ኣቕሓ ይኹን ናይ ኣገልግሎት ፍርያት ንምምሕዳር ጽቡቕ …

Read More »

ስቨርየ ደሞክትራተርና SD፡ ንሞደራተርናዊ M መንግስቲ ደው ከብሉዎ ይሓስቡ

መራሒ ሞደራተርና፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ብሞደራት ዚምራሕ ወይ ድማ ብልፍንቲ ሞደራትን ክሪስትያን ደሞክራስን KD ዚምራሕ መንግስቲ ከቕውም ድሉው እዩ። ማእከላይ ሰልፊ ነቲ መራሒ ሞደራተርና ነቲ መደቡ ወግዓዊ ብምግባሩ ይነቕፎ። ሽወደናዊ ደሞክራሳውያን SD ነቲ ናይ ክሪስተርሶን ትልሚ ደው ከብሉዎ ይደልዩ። ”ንሕና ምንም ጽልዋ ከም ዘይብልና ብግልጺ ዚዛረብ መንግስቲ ዕድል ክንህቦ ኣይንደልን” ይብል ጂሚ ኦከንሶን ናይቲ SD መራሒ። “ምንም ናይ SD ጽልዋ” እቲ …

Read More »

ግዜያዊ ሕጊ ወጻእተኛታትን፡ ሳዕቤኑን

ስድራቤት ዝኣኻኽብ መሰል ብ2016 ተደሪቱ። ብዙሓት ቤተሰቦም ከይርኣዩ ሰለስተ ዓመታት ተጸቢዮም። ሕጂ ናይቲ ሕጊ ሳዕቤን ይረአ ኣሎ። ሓድሽ ጸብጻብና፡ ናይቶም ግዳያት ሓፈሻዊ ጭንቀት ኣእምሮ የርኢ። ቀዪሕ መስቀል፡ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምርመራ ኣካዪዱ። ነዚ ድማ ብመገዲ’ቲ እተዋህበ ብዪን፡ ብመገዲ ምስ ግዳያትን ምስ ተወከልቲ ኣብያተጽሕፈት እተገብረ ቃለምልልስ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ሚግረሽን፡ ኣካዪድናዮ። ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ፡ ነቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com