Friday , May 17 2024

ውህደት

ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ነፍሰ ቕትለት ብዕጽፊ ይውስኽ።

ሓድሽ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ነፍሰ ቕትለት ብዕጽፊ ይውስኽ። ኣብ ሓድሽ ዓመት ካብ ካልእ መዓልታት ዝያዳ ብዕጽፎ ነፍሶም ከም ዘጥፍኡ ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት ኣቐድም ኣቢሉ ዝተሓትመ ሃገራዊ ማእከል መጽናዕትን ምክልኻልን ነፍሰቕትለት እዩ ነዚ ዝገለጸ። ደ ካብዞም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ስባስቲያን ሁክቢ እዚ ብብዙሕ ምኽንያታት ክኽሰት ይኽእል እዩ ይብል። ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ማሕበራዊ ግርጭታት ናይ ምውሳኽ …

Read More »

ቃለመሕትት ምስ ኣማኑኤል ሳህለ ክፍሊ II

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 28 ታሕሳስ 2018

Read More »

ፖሊስ፥ ክሱስ ንብዙሓት ኣብ ጎደና ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ብስሕለት ክቐትል ምህቃኑ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ሽወደን እቲ ትማል ምሸት ኣብ ሆሊስበሪ ብጥይት ዝወቕዖ ሰብ ብዙሓት ሰባት ክቐትል ሃቂኑ ምንባሩ ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስ ኣብ መርበቦም ኣብ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ እዚ ሰብኣይ ምስኣ ርክብ ከም ዝነበሮን ሰባት ብስሕለት ክሃርም ይሓስብ ከም ዘሎን ከም ዝነገራ ኣረጋጊጾም። ፖሊስ ሰሉስ መዓልቲ ነቲ ሰብኣይ ጥቓ መደበር ሆልስበሪ እግሩ ድሕሪ ምቚሳል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ። እቲ ሰብኣይ ስሕለት ኣብ ኢዱ ሒዙ እናሃልወ …

Read More »

ዑቅባ ትሓተሉ ሃገር ክትመርጽ ይፍቀዶ?

ናይ ዑቕባ ምልክታኻ፤ ኣየነይቲ ሃገር ከም እትምርምሮ፤ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። (ናይ ውዕል ዳብሊን) ኣብ ሃገር ሽወደን ዑቕባ ምስ ሓተትካ፤ ሚግራሾንስቨርከት እቲ መጀመርታ ዚገብሮ፤ ናይ ዑቕባኻ ጉዳይ ሓላፍነት እትወስድ ሃገር፤ ሽወደን ወይ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሃገር ምዃና መጽናዕቲ ይገብር። ንኽትኣቱ ቪዛ ዝተቐበልካላ፤ ገለ ዓይነት መቐመጢ ፍቓድ ተዋሃብካላ ዝጸናሕካ፤ ወይውን ናብዚ ናብ ምምጻእካ ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሃገር ዑቕባ እንተደኣ …

Read More »

ካብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ሽወደናውያን ርችት ክትኲሱ ፍቓድ ክሓቱ ከድልዮም እዩ ተባሂሉ።

ካብ ሰነ 2019 ጀሚሩ ርችት ክትኲሱ ዝደልዩ ፍቓድ ክሓቱ ከድልዮም እዩ። ርችት ንዝሓለፉ 2000 ዓመታት ብዙሕ ፍቱዋት መግለጺ ሓጎስ ኾይኖም ይቕጽሉ’ለው። ርችት ፈለማ ብርሃንን ድምጽን ጥራይ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ቻይናን ህንድን እዩ ተማሂዙ። ድሕሪ ግዜ ከኣ ነዚ ናይ ሎሚ መልክዑ ሒዙ ይርከብ። ፕረዚደንት ማሕበር ርችት ሽወደን ኤሪክ ኔልሰን “ምስ ብርሃንን ድምጽን ዝተሓሓዝ እዩ” ብምባል ንተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ …

Read More »

ኣብ 2018 ብሰብ መዚ ናብ ሓፋሽ እተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ምውሳኾም ተገሊጹ።

ኣብ 2018 ብሰብ መዚ ናብ ሓፋሽ እተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ብዘይነዓቕ መጠን ምውሳኾም ተገሊጹ። ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ጀሚሩ 53 መልእኽቲታት ዝተሰዱ ክኾኑ እንከለዉ እዚ እቲ ዝለዓለ ቊጽሪ እዩ ተባሂሉ ተመዝጊቡ’ሎ። ገለ ካብዞም ዝተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ዝሓለፈ ክረምቲ ምስ ተላባዒ ሓዊ ጫካ ዝተሓሓዙ 20 መልእኽቲታት ይርከብዎም። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓዓመቱ ካብ 15 ክሳብ 20 ዝኾኑ መልእኽቲ …

Read More »

ኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርሊን ምስ ስቴቫን ሉፈን ከሙኡውን ምስ ኡልፍ ከራተርሰን ብዛዕባ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዘን ዝስዕባ ዕለታት ኣብ ፈተነ ምቛም መንግስቲ ክፋለን ከበርከታ ትጽቢት ዝግበረለን እየን። ታሕሳስ 28 ከሙኡውን ጥሪ 4 ስቴቫን ሉፈን ከሙኡውን ኣፈኛ ባይቶ ኡልፍ ከራተርሰን ብዛዕባ ውጥን ምቛም መንግስቲ መግለጺ ክህቡ እዮም። ጥሪ 10 ኣፈኛ ባይቶ ምስ ኡልፍን ከራተርሰን ኣብ ህንጻ ባይቶ ሪስክዳግ ክራኸቡ እዮም። ጥሪ 14 ኣብ መንጐ ኣፈኛ ባይቶ ምስ ኲሎም መራሕቲ ሰልፊ ሰፊሕ ዘተ ከካይዱ እዮም። ድሕሪኡ ፕረሲደንት …

Read More »

ቤት ፍርዲ ሽወደን ህጻን ጓል 9 ዓመት ብምግሳሱ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲን ካብ ስዊድን ምስጓጒን ፈሪድዎ::

ኣብ ማልም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሽወደን ሓደ ስብኣይ ን ጓል 9 ዓመት ህጻን ብምግሳሱ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲን ምስጓጒን ፈሪድዎ። ቤትፍርዲ ብተወሳኺ ንግዳይ 17 ሽሕ ክሮነር ካሕሳ ክኸፍል በይንሉ’ሎ። እዚ ዘጋጠመ ሰላሳ ዝዕድሚኡ ስብኣይ ነታ ህጻን ኣታሊሉ ናብ መኻዚኖ ብምእታው ብሓይሊ ድሕሪ ምዕማጹ’ዩ። ኣብ ኣጋ ምሸት እቲ ሰብኣይ ብገዛእ ባዕሉ ኢዱ ናብ ፖሊስ ብምስትላም ገበኑ ተናዚዙ። ኣብ እዋን ምግሳስ ኣውያት …

Read More »

ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዲግሪ ኣብ ሽወደን ወሰኽ ኣርእዩ”ሎ ተባሂሉ።

ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዲግሪ ኣብ ሽወደን ክሳብ 100 ሽሕ ክሮነር ከም ዝሓቱ ተፈሊጡ። ብመሰረት ካብ ቆንስል ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝተረኽበ ኣሃዝ ቊጽሪ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዩኒቨርሲቲ ወሰኽ ኣርእዩ”ሎ። ኣብ 2018 ሰማንያን ሰለስተን ከምዚ ዝበለ ጒዳይ ተረኺቡ”ሎ። ዓሚ ዝነበረ ቊጽሪ 13 ጥራይ እዩ ኔሩ። እቲ ቆንስል ዝተፈላለዩ ካሎኦት ካብ ወጽእ ሃገር ዝመጹ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐታት ከም ዘቃልዐ ብምግላጽ እዞም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com