Friday , April 26 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ዑቅባ ትሓተሉ ሃገር ክትመርጽ ይፍቀዶ?

ናይ ዑቕባ ምልክታኻ፤ ኣየነይቲ ሃገር ከም እትምርምሮ፤ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። (ናይ ውዕል ዳብሊን)

ኣብ ሃገር ሽወደን ዑቕባ ምስ ሓተትካ፤ ሚግራሾንስቨርከት እቲ መጀመርታ ዚገብሮ፤ ናይ ዑቕባኻ ጉዳይ ሓላፍነት እትወስድ ሃገር፤ ሽወደን ወይ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሃገር ምዃና መጽናዕቲ ይገብር።

ንኽትኣቱ ቪዛ ዝተቐበልካላ፤ ገለ ዓይነት መቐመጢ ፍቓድ ተዋሃብካላ ዝጸናሕካ፤ ወይውን ናብዚ ናብ ምምጻእካ ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሃገር ዑቕባ እንተደኣ ሓቲትካ ኔርካ፤ ናብኣ ክትምለስ ከድልየካ ይኽእል እዩ።

እዚ ሕጊዚ ኣብ ናይ ውዕል ዳብሊን ሰፊሩ ዘሎ እዩ።

እቲ ናይ ዳብሊን ኣዋጅ፤ ኣብ 1 ጥሪ 2014 ምቅይያር ተጌሩሉ ኣሎ።

ኣብዚ ታሕቲ ሰፊሩ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ፤ ብዛዕባቲ ንዓኻ ብድሕሪ ጥሪ 2014 ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተትካ ዚምልከት ሓድሽ ሕጊታት፤ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ ዳብሊን ኣዋጅ ነንበይኖም ክፋላት ዚገልጽ፤ ኣብ ኣርባዕተ ጥራዛት ተዳልዩ ቀሪቡ ኣሎ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ብምጥዋቅ ከተንብቡ ንዕድም::
https://goo.gl/mVws1L

ምንጪ ሚግረሽንስቨርከት ስዊድን


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com