Saturday , May 18 2024

ውህደት

ዛንታ ካብ መሸጣ ንግዲ ባርያ ዝደሓኑ 64 ኢትዮጵያውያን

እዋኑ መስከረም 1888 ነይሩ። ሓይሊ ባሕሪ እንግሊዝ ኣብ ኣደን ዓሪዱ፡ ኣንጻር ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ንግዲ ባሮት ወፍርታት የካይድ ነበረ። ኣብቲ እዋን፡ ካብ ገማግም ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ሰለስተ ጀላቡ ድማ ሓዘ። ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝሽየጡ 204 ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ‘ባራዩ’ ሒዘን እየን ዝጓዓዛ ነይረን። እዞም ህጻናት ካብ ከበሳ ኢትዮጵያ፡ ከባቢታት ኦሮሞ ዝተወሰዱ እዮም ነይሮም። እቶም ኣንጻር ንግዲ ባሮት ወፍርታት ዘካይዱ ዝነበሩ …

Read More »

እናገፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ጋግ ድኽነትን ሃብትን

ኣብ ሰለስተ ሃገራት ማለት፡ ኣብ ናይጀርያ ህንድን ሲንጋፖርን ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልያት ኣዝዩ እናገፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ ንዝተኻየዱ መጽናዕታት ብምውካስ ጸብጻባት ሓቢሮም። እተን ሰለስተ ሃገራት ነቲ ኣብ ዜጋታተን እናገፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ጋግ ከጽብብ ዝኽእል መደባት ከም ዘይብለንን፡ ብኣንጻሩ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናገፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብቲ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካየደ ዓለምለኻዊ ትካል ‘ኦክስፋም’ ዝዘርገሖ ጸብጻብ የረድእ።1 ደቡብ …

Read More »

ጸወታ ንቖልዑ

ጸወታ ምጽዋት ክንብል ከለና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝሓቑፍ ኮይኑ ዕላምኡ ድማ ምዝንጋዕ ንምፍጣር እዩ። ጸወታ ምስ ህጻናት ምጽዋት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ዕላማታት ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ድማ • እሕምሮ ንምንቕቓሕ • ሓድሽ ጥበብ ብምቕሳም ርእሰ ምትእምማን የዕብይ • ማሕበራዊ ጥበባት ተማዕብል • ስምዒታትካ ንደገ ምውጻእን ጸቕጢን ብዝሒ ጸዓትን ምንካይን ሓደሓደ ጸወታታት ናይ ህጻናት ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ …

Read More »

ጸጕሪ ርእስናን ጥዕናናን

እንሓንሳእ ጸጕርና ልዕሊ ካልኦት ክፋላት ኣካላትና ብዛዕባ ጥዕናና ከም ዝዛረብ ንፈልጥዶ? እስከ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ንርኣዮም’ሞ፡ ነቲ ሓቂ ንገንዘቦ። ዝልከ ሕብርታት ጸጕሪ ርእሲ፡ መንቀጺ ፎንን ኣብ ጨዋም ማይ ምሕንባስን፡ ንጸጕርና ከንቅጾ፡ ከስሕዎን ክሰባብሮን ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ምናልባት እዞም ተርእዮታት’ዚኦም ግን፡ ምልክታት ናይቲ ብሰንኪ’ቲ ብሃይፖታይሮዲዝም ዝፍለጥ ሕማም፡ ብሰንኪ ትሑት ንጥፈት ታይሮይድ (ኣብ ቅድሚት ክሳድ ዝርከብ ንናይ ኣካላት ዕብየትን ንጥፈታትን ዝጸሉ ሳብስታንስ ዘውጽእ …

Read More »

ህዝብታትን ባህልታቶምን

ምስቋር ኣፍንጫ ብደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና ይፍጸም’ዩ። ኣፍሪቃውያን፡ ኣዕራብ፡ ደቡብ ኣመሪካውያንን ቀያሕቲ ህንዳዊያንን፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ምስቋር ኣፍንጫ ካብ መለክዒታት ጽባቐ ምዃኑ ብምእማን፡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት የዘውትርዎ’ዮም። ህንዳዊያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ጽምብላት መርዓ ካብ ዝተፈላለዩ ማዕድናት ዝተዳለዉ ቀለቤታት ኣብ ኣእዛነን ተሰቚረን ይሳተፋ። ደቂ-ኣንስትዮ ቀቢላ ኣፓታኒ ፓራዳሽ ድማ፡ ንኽልተ ሸነኻት ኣፍንጫአን ብምስቋር፡ “ያፒን” ዝጽዋዕ ካብ ዕንጸይቲ ገረብ ባምቦ ዝተዳለወ መወተፊ የእትዋሉ። ምስ …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 22, ሓምለ 2019

Read More »

ጋስትራይት/ሕማም ከስዐ

ጋስትራይት ወይ ሕማም ከስዐ እንታይ ማለት እዩ? ጋስትራይት ማለት ነድሪ ኣብ ቀጸላ ከስዐ ብውሽጢ ክጋጥም እንኮሎ ዘጋጥም ሕማም እዩ። ጋስትራይት ግዝያዊ ወይ ድማ ሕዱር ሕማም ክኸውን ይኽእል። ሕዱር ጋስትራይት ኣብ ዝተናወሐ ግዜ፡ ቀጽላ ከስዐ ንሓዋሩ ከም ዝረቅቕን ከም ሳዕበኑ ዋሕዲ ቪታሚን B12 የስዕብ። ምልክታት ጋስትራይት ● ምልክታት ሕዱር ጋስትራይት ግዝያዊ ጋስትራይትን ተመሳሰልቲ እዮም። ● ዕግርግር ምባል ● ቃንዛ ከስዐ ● …

Read More »

ደቂ ኣንስትዮ ዝጥቀምኦ ክሬም ቆርበት ከቢድ ሓደጋ ከም ዘኸትል ተገሊጹ

ብዙሓት ደቂ ኣንትዮ ቆርበት ገጸን ንምጽዕዳው ዝሕግዙ ክሬማት [ቅብኣታት] ይጥቀማ። እቶም ክሬማት ሕጋውያንን ዘተኣማምኑን እንተዘይኮይኖም ግን ኣብ ቆርበትን ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕናን ሳዕቤን ከም ዘለዎም ሰብ-ሞያ ይዛረቡ። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕብሪ ቆርበተን ብርህ ዝበለ ንምግባር ብዝብል፡ ብዙሕ ሳዕቤናት ዘለዎም ነገራት ይጥቀማ። ኣብ ዓለምና ቆርበት ዘጽዕድዉ ክሬማትን ቅብኣታትን ብምፍራይ ዝፍለጡ ትካላት ኣብ 2017 ጥራይ 4.8 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ …

Read More »

ህዝብታትን ባህልታቶምን

ኣብ ደቡብ ኬንያ ዝነብሩ ኣህዛብ ወዲ ዝተገላገለት ነፍሰ-ጾር ንኣርባዕተ መዓልቲ፡ ጓል ዝተገላገለት ድማ ሰለስተ መዓልቲ ንበይና ኣብ ኣግነታ ይዓጽዉ። ኣብ’ዘን መዓልታት ድማ ዝዀነ ነገር ከይትሕዝ ይእግዱዋ። ክትበልዕ እንከላ’ውን ብማንካ ወይ ድማ ብዕንጸይቲ’ያ ነቲ መግቢ እትሕዞ። ድሕሪ ሰሙን ግን፡ መላእ ጸጉራ ብምልጻይ፡ ንቡር ህይወታ ከተካይድ ትጅምር። ኣባላት ቀቢላ ሳምቡሩ ንክቡር ጋሻኦም ክቕበሉ እንከለዉ፡ ጻዕዳ ጠል ብምሕራድ ደም ዝመልአት ንእሽቶ ሒላብ ይቕርቡሉ። …

Read More »

ጽቡቕ ርክብ

ጽቡቕ ርክብ ሓደ ሓፈሻዊ ትርጉም ወይ መግለጺ የብሉን። ንስኻን መጻምድቲኻን ንኽልቴኹም ጽቡቕዝኾነ ርክብ እንታይ ከምዝኾነ ባዕልኹም ክትውስኑ ኣለኩም። እዞም ዝስዕቡ ገለ ኣገደስቲ መልክዓት ናይ ጽቡቕ ርክብ ክኾኑ ይኽእሉ:* ማዕርነት: ክልቲኦም መጻምድቲ ማዕረ እዩም። ሓደ ነቲ ሓደ ኣይዕብልሎን;* ክብሪን ተቐባልነትን: ንስኻን መጻምድቲኻን 2 እተፈላለኹም ሰባት ኢኹም። ኩሉግዜ እተፈላለኹምኮንኩም ከምእትነብሩ ክትቅበሉዎ ኣለኩም;* እምነት: ንሓድሕድኩም ትተኣማመኑን ርክብኩም ኣብ ግልጽነት ዝተመስረተ ይኸውንን;* ኮሚዩኒኬሽን: ስምዒታትኩምን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com