Sunday , May 12 2024

ጸወታ ንቖልዑ

ጸወታ ምጽዋት ክንብል ከለና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝሓቑፍ ኮይኑ ዕላምኡ ድማ ምዝንጋዕ ንምፍጣር እዩ።
ጸወታ ምስ ህጻናት ምጽዋት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ዕላማታት ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ገለ ካብኡ
ንምጥቃስ ድማ
• እሕምሮ ንምንቕቓሕ
• ሓድሽ ጥበብ ብምቕሳም ርእሰ ምትእምማን የዕብይ
• ማሕበራዊ ጥበባት ተማዕብል
• ስምዒታትካ ንደገ ምውጻእን ጸቕጢን ብዝሒ ጸዓትን ምንካይን
ሓደሓደ ጸወታታት ናይ ህጻናት ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ ንምዕባይን ተመሳጥነቶም ንምንቕቓሕን ተባሂሎም
ይስርሑ እዮም።
ንኣብነት፣
1. ዝጠፍአ ቁጽሪ ምርካብ፣
ኣገባብ ናይዚ ጸወታ እዚ ወላዲ ንውላዱ ካብ 1 ክሳብ 10 ዘለው ቁጽርታት ይፈቕደሉ እሞ ኣብ
መንጎ ግን ሓደ ቁጽሪ ይነጥር። ነቲ ህጻን ድማ እታ ተነጢራ ዘላ ቁጽሩ እንታይ ምዃና ንኽምልሳ
ይሓቶ።
2. ኣንጻራዊ ጸወታ፣
እቲ ወላዲ ዝኾነ ቃል ይጽውዕ እሞ እቲ ህጻን ድማ ኣንጻር ናይቲ ዝተነግሮ ቃል ይጽውዕ፣ ንኣብነት
ምሕጓስ – ምሕራቕ፡ ዝሑል – ውዑይ፣ ውዘተ።
3. ኣኩባት ግድላት ምሃብ፣
ንውላድካ ዝተፈላለዩ ዓይነት ግድላት ክሰርሕ ምሃብ።ንኣብነት፣”ናብ ክሽነ ብምኻድ ካብቲ ቀዳማይ
ተመዛዚ ወይ ተሰሓቢ ቢያቲ መመገቢ ኣምጽእ፣ ማንካ ድማ ካብተ ሳልሳይ ተመዛዚ ኣምጽእ” …..
ወዘተ እንዳበልካ ነቲ ደረጃ ናይ ግድላት በብቑሩብ ኣበርትዓዮ።
4. ጽጽዋይን ሓቢርካ ምዝታይን
ምስ ውላድካ ብሓደ ኮንካ ናብ ስእሊ ወይ ቅብኣ ብምጥማት ነቲ ስእሊ ዝገልጽ ዛንታ ንኽፈጥር
ሕተቶን ኣብቲ ዝፈጠሮ ዛንታ ሰባት ምስ ዝህልዉ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ሰባት ዘሎ ዝምድና
ንኸብርሃልካ ሕተቶ።
ወይ ድማ እቲ ወላዲ ዛንታ ክነግር ይጅምር እሞ ነቲ ውላዱ ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዛንታ
መፈጸምታ ክገብረሉ ይሓቶ። እዚ ጸወታ እዚ ነቲ ህጻን ናይ ፈጠራነትን ተመስጦን ክእለቱ ንኸዕቢ
ይሕግዞ።
5. ሕብርታትን ቃላትን፡
ኣብዚ ጸወታ እዚ እቲ ወላዲ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ብመልክዕ ቃላት ይጽሕፍ ( ቀይሕ፣ ቀጠልያ፣
ጻዕዳ፣ ጸሊም
ወዘተ) ፣ ንነፍሲ ወከፍ ቃል ድማ ብዝተፈልየ ሕብሪ ተጠቂሙ ይጽሕፍ። ብምቕጻል እቲ ወላዲ ናብ
ሓደ ቃል የመልክት እሞ እቲ ህጻን ድማ ብምንታይ ሕብሪ ከም ዝተጻሕፈ ይምልስ። ንኣብነት እቲ ወላዲ
ቀይሕ ዝብል ቃል ብሰመያዊ ሕብሪ ይጽህፍ እሞ ነቲ ህጻን እታ ሕብሪ እንታይ ምዃና ይሓቶ (ሰመያዊ )፣
ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና እቲ መልሲ ትርጉም ናይቲ ቃል(ቀይሕ) ኣይኮነን።
6. ቅድሚ ህጻን ምድቃሲ ዛንታ ወይ ጽውጽዋይ ምንጋር፣
ህጻን ቅድሚ ምድቃሱ ዛንታ ወይ ጽውጽዋይ ይንገር እሞ ንጽባሒቱ ንሓው፣ ሓፍቲ፣ ወይ ድማ
ንወላዲኡ ንኸዘንትወሎም ሕተቶ።
ተወሳኺ
ምስ ውላድካ ብሓባር ንኽትጻወትን ክሳብ ክንደይ ምቁር ምዃኑ ንኽትፈልጥን ነጻ ግዜ ክትፈልይ ይግባእ።
እዚ ድማ ካብ በይንኻ ናይ ጌይም ጸወታት(ፕለይ እስቴሽን) ምጽዋት ዝበለጽ እዩ።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com