Sunday , April 28 2024

ጽቡቕ ርክብ

ጽቡቕ ርክብ ሓደ ሓፈሻዊ ትርጉም ወይ መግለጺ የብሉን። ንስኻን መጻምድቲኻን ንኽልቴኹም ጽቡቕዝኾነ ርክብ እንታይ ከምዝኾነ ባዕልኹም ክትውስኑ ኣለኩም።

እዞም ዝስዕቡ ገለ ኣገደስቲ መልክዓት ናይ ጽቡቕ ርክብ ክኾኑ ይኽእሉ:
* ማዕርነት: ክልቲኦም መጻምድቲ ማዕረ እዩም። ሓደ ነቲ ሓደ ኣይዕብልሎን;
* ክብሪን ተቐባልነትን: ንስኻን መጻምድቲኻን 2 እተፈላለኹም ሰባት ኢኹም። ኩሉግዜ እተፈላለኹምኮንኩም ከምእትነብሩ ክትቅበሉዎ ኣለኩም;
* እምነት: ንሓድሕድኩም ትተኣማመኑን ርክብኩም ኣብ ግልጽነት ዝተመስረተ ይኸውንን;
* ኮሚዩኒኬሽን: ስምዒታትኩምን ትምኒታትኩምን ብግልጺ ትነጋገሩ;
* ግዜ: ንሓድሕድኩም ግዜ ትወሃሃቡ;
* ድሌታት: ድሌታትኩም ሓበራዊ ይኸውን.

ንገለ ሰባት፣ ኣብ ርክብ ንሓድሕድካ ምፍቓር ኣገዳሲ እዩ። ንኻልኦት ሰባት ከኣ፣ ጽቡቕ ርክብ ኣብ ዕርክነት ዝተደረኸ እዩ።
ጽቡቕ ርክብ ብዛዕባ ክልቴኹም ዝስመዓኩም ስምዒት እዩ። እቲ ርክብ ጽቡቕ ይስመዐኩም ምህላዉን ዘይምህላዉን ንስኻን መጻምድቲኻን ኢኹም ትውስንዎ።

ፍቕሪ ኣብ ርክብ
ርክብ ኩሉግዜ ብምኽንያት ፍቕሪ ክጅመር ናይ ግድን ኣይኮነን። መጀመርያ ኣዕርኽቲ ምዃን ወይከኣ ብዕርክነት ኣቢልካ ናብ ርክብ ምስጋር እውን የጋጥም እዩ። ርክብ ኣብ ከይዲ ግዜ ክቀያየር ይኽእል እዩ።

ናይ ርክብ ጽፈት ንሓድሕድኩም ክንደየናይ ኣብ ዓሚቕ ፍቕሪ ኣለኹም ኣብ ዝብል ዝተደረኸ ኣይኮነን። ንስኻን መጻምድቲኻን ኣብቲ ርክብ ኣገደስቲ ኮይኖም ኣብ ዝረኸብኩምዎም ነገራት እዩ ዝድረኽ፣ ንኣብነት፣ ኣብቲ ርክብ ምቾት ምርካብ፣ ሓደ ዝገብሩኹም ነገራት ምህላዎምን ነገራት ብሓባር ምግባርን። እዚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምኡድማ ካብ መጻምድቲ ናብ መጻምድቲ ይፈላለ እዩ።

ገለ ሰባት ብምኽንያት ፍቕሪ ዘይኮነስ ብምኽንያት ጭቡጣት ዕላማታት እዮም ናብ መርዓ ዝኣትዉ።

ምንጪ:zanzu.nl


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com