Sunday , April 28 2024

ህዝብታትን ባህልታቶምን

ምስቋር ኣፍንጫ ብደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና ይፍጸም’ዩ። ኣፍሪቃውያን፡ ኣዕራብ፡ ደቡብ ኣመሪካውያንን ቀያሕቲ ህንዳዊያንን፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ምስቋር ኣፍንጫ ካብ መለክዒታት ጽባቐ ምዃኑ ብምእማን፡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት የዘውትርዎ’ዮም። ህንዳዊያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ጽምብላት መርዓ ካብ ዝተፈላለዩ ማዕድናት ዝተዳለዉ ቀለቤታት ኣብ ኣእዛነን ተሰቚረን ይሳተፋ። ደቂ-ኣንስትዮ ቀቢላ ኣፓታኒ ፓራዳሽ ድማ፡ ንኽልተ ሸነኻት ኣፍንጫአን ብምስቋር፡ “ያፒን” ዝጽዋዕ ካብ ዕንጸይቲ ገረብ ባምቦ ዝተዳለወ መወተፊ የእትዋሉ። ምስ ግዜ ድማ እቲ መወተፊ እናዓበየ ይመጽእ።

ብመሰረት ባህሊን እምነትን ኢራናዊያን፡ ደቂ-ኣንስትዮ እንትርፎ ዓይነንን ኣፍንጫአንን ኩሉ ክፋላት ኣካላተን ብሒጃብ ክሽፍና’የን ዝግደዳ። በዚ መሰረት፡ ኢራናዊያን ጐራዙ ዝያዳ ብጽባቐ ዓይነንን ኣፍንጫአንን ይግደሳ። ተረርቲ ንኣሽቱ ኣፍንጫ ምልክት ጽባቐን ሃብትን ብምዃነን ድማ፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ከፊለን ብፕላስቲካዊ መጥባሕቲ ንቕርጺ ኣፍንጫአን ይቕይራ። እቲ ዘገርም ድማ፡ እተን ንወጻኢታት’ዚ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ዶላር ክበጽሕ ዝኽእል መጥባሕቲ ክሽፍና ዘይከኣላ፡ መጥባሕቲ ከም ዘካየዳ ንምምሳል፡ ኣፍንጫአን ብጻዕዳ ሕክምናዊ ፕላስቲክ ብምሽፋን፡ ኣብ ጎደናታት ሸናዕ ይብላ።

ኣብ ታይላንድን ሚያንማርን ዝርከብ ቀቢላ ካራን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቲቤትን ሞንጎልያን ነዊሕ ክሳድ ዘለዋ ጐርዞ ከም ምልክዕትን ፈራይትን ስለ እትሕሰብ ተበሃጊት’ያ። ጐራዙ’ቲ ከባቢ ነዊሕ ክሳድ ክውንና፡ ካብ መበል ሓምሻይ ዓመተን ኣብ ክሳደን ናይ ሓጺን ቀለቤት ከእትዋ ይጅምራ። እታ ክሳድ እናተመጠጠት ድማ፡ ብዝሒ ክብደቱ ክሳብ 25 ፓውንድ ክበጽሕ ዝኽእል ናይ ሓጻዊን ቀለቤታት ይውስኽ። ክብደት’ቶም ቀሌበታት ንሓላቕምትን ላዕለዋይ መሰንገለን ናብ ታሕቲ ብምድፋእ፡ ሓላቕምቲ ኣካል ክሳድ ኰይና ከም እትርአይ ይገብር። በዚ ድማ እታ ክሳድ ትነውሕ። እዚ ልምዲ ክንዮ ጽባቐ፡ ንኣባላት’ታ ቀቢላ ካብ ርኹሳት መናፍስቲ ይከላኸል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ፍሩያት ኣዒንቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት መለክዒ ጽባቐ’የን። ኣብ ቀቢላ ማያ ግን ሓውላል ዝዓይና’ያ እታ እትበሃግ። ምኽንያቱ፡ ኣብ’ዛ ቀቢላ ሓውላል ብኹሉ መኣዝናት ብቐሊሉ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ኣለዋ ዝብል እምነት ስለ ዘሎ። ጐራዙ ማያ ምእንቲ ሓውላላት ክኾና፡ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመአን ካብ ርእሰን ናብ ግንባረን ጠልጠል ዝበለ ፈትሊ ብምእሳር፡ ንዓኡ ክጥምታ ይውዕላ።

ኣብ ኣማዞን ዝርከባ ቀቢላታት ድማ፡ “ፍሩያት ኣዒንቲ ናይ ርኹሳት መናፍስቲ’የን” ዝብል እምነት ስለ ዘሎ፡ እተን ጐራዙ ኣዒንተን ጨምጫማት ክዀናን፡ ንመውስቦ ክበሃጋን ምሉእ መዓልቲ ጸሓይ ክጥምታን ትኪ ክዕጠናን ይውዕላ።

ኣብ እዋን ትንሳኤ ኤውሮጳ፡ ገምባር ጐርዞ ከም ምልክዕቲ ትቝጸር ብምንባራ፡ ጸጕርኻ ናብ ድሕሪት ብምቝናን ንከባቢ ግምባር ናይ ምልጻይ ልምዲ የካይዳ ነይረን። ግምባረን ዝያዳ ክሰፍሕ ከኣ፡ ጸጉሪ ዓይኒን ሸፋሽፍትን ይሰዳ ነይረን። እታ ህብብቲ ቅብኣ ሞናሊዛ ንኣብነት፡ ጸጕሪ ሸፋሽቲ የብላን። እዚ ከኣ ሊዮናርዶ ነቲ ኣብ’ቲ እዋን ዝነበረ ኣካይዳ ብምስዓብ ዝገበሮ’ዩ።

ምስ’ዚ ዝመሳሰልን ክሳብ ሕጂ ዝዝውተርን ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃዊት ቀቢላ ፎላ፡ ገምባር ጓል ከም ስብሕትን ፈራይትን ትጥመት። ጐራዙ ፎላ ገምባራት ኰይነን ክረኣያ፡ ንቐዳማይ ክፋል ጸጕረን ይላጽያ። ኣብ ደሴት ጃዋ ዝርከባ ጐራዞ፡ ንፍርቂ ጸጕሪ ርእሰን ይላጽያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com