Saturday , April 27 2024

ህዝብታትን ባህልታቶምን

ኣብ ደቡብ ኬንያ ዝነብሩ ኣህዛብ ወዲ ዝተገላገለት ነፍሰ-ጾር ንኣርባዕተ መዓልቲ፡ ጓል ዝተገላገለት ድማ ሰለስተ መዓልቲ ንበይና ኣብ ኣግነታ ይዓጽዉ። ኣብ’ዘን መዓልታት ድማ ዝዀነ ነገር ከይትሕዝ ይእግዱዋ። ክትበልዕ እንከላ’ውን ብማንካ ወይ ድማ ብዕንጸይቲ’ያ ነቲ መግቢ እትሕዞ። ድሕሪ ሰሙን ግን፡ መላእ ጸጉራ ብምልጻይ፡ ንቡር ህይወታ ከተካይድ ትጅምር።

ኣባላት ቀቢላ ሳምቡሩ ንክቡር ጋሻኦም ክቕበሉ እንከለዉ፡ ጻዕዳ ጠል ብምሕራድ ደም ዝመልአት ንእሽቶ ሒላብ ይቕርቡሉ። ነቲ ደም ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሰተዮ ድማ፡ ካልእ ጸባ ዝመልአት ይህቡዎ። ሽዑ’ውን ኢዱ ከየውረደ ይሰትያ። ብድሕሪ’ዚ ዝተቐልወ ስጋ ይምገብ።

ኣብ ቻይናን ቬትናምን ካልኦት ሃገራት ኤስያን፡ ደምን ውሽጣዊ ናውቲ ኣትማንን ምስ ሩዝ ብምሕዋስ ዝዳሎ ባህላዊ መስተ ኣሎ። ኣብ ዓለምና ብጣዕሙን ክብሪ ዋጋኡን መዳርግቲ ዘይብሉ ዓይነት ቡን ከኣ፡ እቲ ካብ ቀልቀል ፍሉያት ሓራምዝ ኣፍሪቃ ዝዳሎ’ዩ። ዋጋ ሓደ ኪሎ ልዕሊ ሽሕ ዶላር’ዩ።

ኣብ ናይጀርያ፡ ሕጽይቲ ብዘይ ፍቓድ ሕጹያ ቅድሚ ዕለተ መርዓኦም ተጸባቢቓ ናብ ደገ እንተወጺኣ፡ ሕጹያ ክፈትሓን ብወለዳ ክከሓስን መሰል ኣለዎ።

ኣብ ሩስያዊት ደሴት ኮሎጁወቭ፡ ጽምብል መርዓ ጥረ ስጋ ኢራብ ብምቕራብ’ዩ ዝካየድ።

ቀይሕ ሕብሪ ኣብ ቻይና ተፈታዊ ሕብሪ’ኳ እንተዀነ፡ ንዝሞቱ ወገናቶም ግን በዚ ሕብሪ ኣይገንዙን’ዮም። ኣብ እዋን ቀብሪ’ውን ቀይሕ ዝሕብሩ ክዳን ኣይክደኑን’ዮም። እዚ ድማ፡ ካብ’ቲ መዋቲ ብቐይሕ ዝሕብሩ ዓለባ እንተ ተገኒዙ ናብ ርኹስ መንፈስ ተለዊጡ ንዓለም ብሕማቕ ተግባራት ከም ዘናውጻ ዘለዎም እምነት ዝነቐለ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ቻይናውያን “ሓዘንና ዓጺና ኣሎና” ንምባል፡ ኣብ ኣፍ-ደገ ቤቶም ቀይሕ ፈትሊ የንጠልጥሉ እዮም።

ኣብ ግሪኽ፡ ነፍስ-ጾር መቦኮርያ ዕጣን ብምውላዕ፡ እቲ ንፋስ ንየማና እንተ ኣቢሉ ጓል፡ ናብ ጸጋማ እንተ ኣቢሉ ድማ ወዲ ክትወልድ’ያ ዝብል ማሪታዊ እምነት ኣሎ።

ኢጣልያውያን፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ከህድሙ፡ ኣብ ልዳት ቤቶም ኣረጊት ካራ ይኣስሩ።

 ኣብ ደቡብ ማለዥያ ዝርከቡ ህዝቢ፡ ህጻናት ደቆም ካብ ሕማማት ንምክልኻል ክሳብ ደቂ ክልተ ዓመት ዝኣኽሉ፡ ካብ ሩዝ ብዝዳሎ ባህላዊ መስተ መላእ ኣካላቶም ይሓጽቡዎም። ኣብ ደሴት ዶሞኒካ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ዝጥቀማሉ ቋንቋ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com