Friday , May 10 2024

ካብ ዙርያ ስቶክሆልም ዝርከባ ኣብያተ ጥዕና ሞያውያን ዶክተራት የብለንን ክብል ዳህሳስ ቲቪ 4 ኣቃሊዓ።

ኣብ ዙርያ ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ጥዕና ኣብ ክንዲ ኣብ ሞያውያን ሓካያም ኣብ መባእታዊ ተንቀሳቐስቲ ሓካይም ከም ዝምርኮሳ ድማ ተመልኪቱ። ብዘይካ ሓንቲ ዞባ ኲለን ብዛዕባዚ ተሓቲተን እወ ኢለን ምምላሰን ድማ ተሓቢሩ። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ምስቲ መደበር ተሌቪዥን ጻንሖት ዝገበረት ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃለንግረን ኣብ ተንቀሳቐስቲ ሓካይም ክሳብ እትበጽሕ ምጽናሕ ኣዝዩ ዘሰንብድ ተርእዮ እዩ ኢላ’ላ። “ቀወምቲ ሓካይምን ነርስታትን ክህልዉ እየ ዝደሊ፥ ሕሙማት ብተንቀሳቓሲ ሓኪም ዘይኮነ ብሞያዊ ሓኪም እዮም ጒዳይ ጥዕናኦም ክከታተሉ ዝግብኦም” ክትብል ድማ ብኣጽንኦት ገሊጻ። ፕረሲደንት ዩምትላንድ ኣና ግራኒፍረን ዝያዳ ሓካይም ምስልጣን እቲ መፍትሒ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com