Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ስቶክሆሎም ካብ ዝርከቡ ሕሙማት ልዕሊ 80% ጥዕነኦም ተመሓይሹ።

ኣብ ስቶክሆሎም ካብ ዝርከቡ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኾኑ ሰባት እቶም 80% ካብኣቶም ብሂወት ከምዘለዉን ኩነታቶም ከምዝተመሓየሸን ተሓቢሩ። ናይቶም ሕሙማት ኩነታት ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ከም ዝተመሓየሸ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮኒሊስካ ሓላፊ ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል፡ ዴቪድ ኮንራድ፡ ሓቢሩ። ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ስቶክሆሎም ንዘጋጥሞ ዘሎ ዋሕዚ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ብውሕሉል ኣገባብ የካይዶ ከምዘሎ ደቪድ ምስ …

Read More »

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ታሪኻ ንመጀመሪያ ግዜ ጸሎት ብርሕቀት ኣካይዳ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኣማኢት ዓመታት ዝጸንሐ ስርዓትን ኣገባብን ቅዳሴ ባዓል ትንሳኤ፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ብዝተፈጥረ ኩነታት ክትቅይሮ ከምዝተገደደት ተሓቢሩ። እታ ቤተኽርስትያን ብብጹእ ጻጻስ እታ ቤት ክርስትያን ዝተመርሐ ስርዓተ ቅዳሴን ጸሎትን ናይ ባዓል ኣፋስጋ፣ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ዕጹዉ፣ ኣገባብ ብመገዲ ቀጥታ ፈነወ ንልዕሊ 1.3 ቢልዮን ምእመናን ካብ ቤተክርስታያን ቅዱስ ጼጥሮስ ፣ ብቐጥታ ተማሓላሊፉ። እቶም ወዲ 83 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣርጀንቲናዊ ጻጻስ ካቶሊካዊት …

Read More »

ቫይረስ ኮሮና ብመግቢ ይማሓላለፍ ዶ ?

ቫይረስ ኮሮና ብዘይካ በቲ ልሙድ ወይ ዉን ስጋብ ሕጂ ተረጋጊጹ ዘሎ መማሓላላፊ መገዲታት፣ ብመግቢ ይማሓላለፍ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝተፈላለዩ ሻቕሎት ጸኒሖም እዮም። በዚ ምኽንያት ብምግባር ባዓል መዚ ምቁጽጻር መግብታት፣ ማለት Livsmedelsverket ቫይረስ ኮሮና ብመገዲ መግቢ ከምዘይማሓላለፍ ኣፍሊጡ። እቲ ባዓል መዚ ብተወሳኺ ክሳብ ሕጂ ብመግቢ ዝተሓላለፈ ወይ እዉን ዝተለኸፈ ዝኾነ ይኹን ተርእዩ ወይ ዉን መዝገብ ኣብ ሽወደን ይኹን ካብ ሽወደን ወጻኢ ከምዘየለ …

Read More »

ሓደስቲ ቀረብ ነቲ ናይ ሽወደን ናይ ምርመራ ብቕዓት ዕጽፊ ይገብሮ።

ካሮሊና ኢንስቲትዩት፡ ስቶክሆም፡ ነቲ ናይ ሽወደን ናይ ምርመራ ብቕዓት ብዕጽፊ ዘዛይዶ ናይ መፈተኒ ኣቕሑ ከምዝረኸበ ሓቢሩ። እቲ ኣቕሑ ነቲ ምርመራ ዘደንፍዕ ናይ ምርመራ መሳርሒታትን ሮቦታትን ኮይኑ፣ በዚ ድማ ኣብ መዓልቲ 5000 መርመራታት ከካይድ፡ ኣብ ሰሙን ድማ ኣስታት 35 ሽሕ  መርመራታት ናይ ምኽያድ ዓቕሚ ኸምዘሎዎ እዩ ዝገልጽ ዘለዎ። በዚ መስርሕ እዚ ኢንስቲትዩት  ብዝሓሽወ መንገዲ ንሰራሕ  ድልው ምህልዉ  ላሽ ኤንግስትራንድ  ኣከያዲ እዚ …

Read More »

ማሕበራዊ ረድኤት (Social Welfare) ካብ 13 ዞባታት ትምዩን መሸፈን ገጽ ይእክብ።

ትማሊ  ክፍሊ ማሕበራዊ ረድኤት ካብ 13 ዞባታት ሽወደን ናይ ገጽ መሸፈኒታት ምእካብ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ ዝገብሮ ጻንሒት ሓቢሩ። እዚ መሸፈኒታት ማስክታት ብ ብነፋሪት  ናብ ሽወደን ከምዝኣትወ  ናብተን ዞባታት ድማ ተዘርጊሑ፡ ደሓር ግን እቲ ምምሕዳር ኣብቲ መሸፈኒታት ጉደለታት ብምርካቡ ንኽእክቦ ወሲኑ። ኣብ ሃገር ሽወደን ክንክን ጥዕና ብሰንኪ ጉድለት መከላኸሊ መሳርሒታት ተጎዲኡ እዩ፡ እዚ ድማ ብወገኑ ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት እዩ ተኸሲቱ። …

Read More »

ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሓወዩ ሰባት እንደገና በቲ ቫይረስ ይልከፉ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነቲ ጉዳይ የጻሪ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ሓውዮም ዝተባህሉ 91 ሰባት እንደገና በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝብል ብሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ዝወጸ መግለጺ ብመንገዲ ሮይተርስ ተቓሊሑ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ድማ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና መጽናዕቲ ከምዝጀመረ ገሊጹ። እዞም ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝነበሩ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይሓወዩ ብሓድሽ ቫይረስ ዘይኮነ እቲ መጀመርያ ዝለኸፎም ቫይረስ ካብ ሰብነቶም ከይጸረየ ብምጽንሑ ዳግማይ ከምዝነጠፈን ምልክታት ሕማም …

Read More »

ኣገልግሎት ጥዕና፡ ተሰካሚ ኮቪድ-19 ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ልዑል ናይ ምስግጋር ዓቕሚ ከምዘሎዎ ተሓቢሩ።

ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ሰባት ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ዝለዓለ ናይ ምስግጋር ዓቕሚ ከምዘጥርዩን ብድሕሪኡ ግን ምዕባለ ናይ ቫይረስ ብመጠኑ ቀስ ኢሉ ከምዝሃድእን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ሓላፊት ክፍሊ ማይክሮ ባዮሎጂ ዝኾነት ካረን ቲግማርክ ፊሲል ሓቢራ። ምልክታት ሕማም ኣብ ክልተ ሰሙን ዝረአ እኳ እንተኾነ እቲ ቫይረስ ግን ኣብቶም ፈኮስቲ ምልክታት ሕማም ዝረኣይሎም ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ከምዝባዛሕ መጽናዕታት ኣረጋጊጾም ክትብል ፊሲል ገሊጻ። …

Read More »

ሎቪን፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ንምምካት እኹል ምድላዋት ኣይገበርናን።

ሽወደን ንሕማም ኮቪድ-19 ንምምካት ዝግባእ ምድላዋት ከምዘይገበረት ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። ቀዳምነት ዝሓዘቶ ስትራተጂ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምውሓስ እዩ ነይሩ። ኣገልግሎታት ማይ፡ ኤሌክትሪክን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ካብቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም ዕማማት ነይሮም ክብል ሎቪን ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ኣንጻር ሕማም ኮቪድ-19 እኹል ዝኾነ ምድላዋት ዘይምህላዉ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ ተሓታቲ ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሽወደን ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኩለን …

Read More »

ኩባንያ ኤሲቲ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝውዕል ክልተ ሚልዮን መሸፈኒ ገጽ ክትሰርሕ እዩ።

ብመረት ሓበሪታ ናይ ኢንዱስትሪ ሚኒስተር ኢብራሂም ባይላን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ቡዙሓት ኩባንያታት ኣብ ምስራሕ መሸፈኒ ገጽ ማስኬራት፣ በጃ ኢድን  ከምእውን መንጽሂ ኢድ ኣልኮላት ኣብ ምፍራት ተጸሚደን ከምዘላዋን ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጽረት ኣብ ምቕላል ልዑል ተራ ክጻወታ ሙኻነን ሓቢሩ ። በዚ መስረት ኣብ ምስራሕ  ወረቐት ትነትፍ  ኩባንያ ኤሲቲ፡ ንናይ ሽወደን ክንክን ጥዕና ክልተ ሚልዮን መሸፈኒ ገጽ ክትሰርሕ ሙኻናን ካብዚ ሒዝናዮ ዘላና …

Read More »

ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ሓደ 40 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ተቐቲሉ።

ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ኣብ ኢንገልስታ ዝርከብ ኣፍደገ ሓደ ቤት መግቢ ኣብ ከባቢ ሰዓት 23,00 ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሕስያ ብዘይብሉ መገዲ ሓደ ወዲ 40 ዓመት ሰብ ብዝተተኮሰሉ ተያይቲ ሂወቱ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ሓቢሮም።ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ከምዝተሓጽረን መዋቲ ብፖሊስ ዝተፈለጠን ኣብ መዝገብ ገበን ዝጸንሐ ከምዝኾነን፣ እቲ ቦታ ስጋብ ሎሚ ንግሆ ንተክኒካዊ ምርመራ ተሓጺሩ ከምዝጸንሐ ተሓቢሩ። ይኹን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com