Saturday , May 18 2024

ውህደት

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሽወደን ብዝኾነ ምኽንያት ዝግበር ምትእኽኻብ ክንክዮ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሽወደን ብሰንኪ ኮቪድ 19 ንምእካብ ሰባት ዝተነብረ እገዳን፣ ከምኡ እዉን ንምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ መኸተ፣ ምኽንያት ብምግባር ንዝተፈላለዩ ማሕበራዉን ፖለቲካዉን ምትእኽኻባትን ሰለማዊ ሰልፍታትን፣ ተባሂሉ ዝዋሃብ ፍቓድ፣ ክንክዮ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ንጸረ ዓሌትነት ምንቅስቓስ ተባሂሎም ዝተዋህቡ ፍቓዳት ሰለማዊ ሰልፍታት ካብ 50 ሰባት ዘይበዝሑ ክእከቡ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ፣ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፍታት ግን፣ ካብ ዝተፈቐደ …

Read More »

ሽወደን ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ምምርዓው ንዝጻረር ሕጊ ዝያዳ ከተትርር እያ ተባሂሉ።

ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሽወደን እንተላይ ሰልፊታት መንግስቲ ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝምስረት ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ከም ዝቃወሙ ዝፍለጥ እዩ።፡ “እዚ ብቐንዱ ሕቶ ማዕርነት ጀንደር እዩ ኢልና ኢና ንኣምን” ክትብል ኣብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣፈኛ ጒዳያት ስድራቤት ኤይሊን ላንድግረን ሓቢራ። “ኣብ ሽወደን ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ምምርዓው ፍቑድ ኣይኮነን፥ ናብዚ ሃገር ሓደሽቲ ዝመጹ እውን እዚ ይምልከት እዩ” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ፊንላንድ ብጀካ ንሽወደን ንዝተረፋ ኣባላት ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓ (ኖርዲክ) ዶባታ ትኸፍት

ፊንላንድ፡ ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣዊጃቶ ዝነበረት እገዳ መገሻ ካብን ናብን ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓን (ሃገራት ኖርዲክ) ከምዘልዓለቶ እኳ እንተሓበረት እቲ ውሳኔ ንሽወደን ዝነጸለ ምዃኑ ክትብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ማርያ ኦዊሳሎ፡ ሓቢራ ክብል TT ገሊጹ። እቲ ውሳነ ካብ ዝቕጽል ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ንኢስቶንያ፡ ላትቪያ፡ ሊትዋንያ፡ ዴኒማርክ፡ ኖርወይን ኣይስላንድን ዘጠቓለለ እዩ። ሽወደን ኣብቲ …

Read More »

ሓደጋታት ባርዕ ጫካ ክኽሰት ስለዝክእል ሰባት ዝያዳ ጥንቓቅር ክገብሩ ይሕበር፣ ምምሕዳር ስቶክሆልም ግርል ምግባር ይእግድ።

በዚ ኣብ መላእ ሽወደን ተኸሲቱ ዘሎ ስጋብ 25 ድ.ሴ ዝዓቀኑ ሙቐት፣ ኣብ ደቡባውን ማእከላይ ክፋል እዛ ሃገር ተክእሎ ባርዕ ጫካ ኣዝዩ ልዑል ስለዝኾነ ዝኮነ ሰብ ዝያዳ ጥንቓቐ ክገብር በዓል መዚ ሜትሮሎጂ እዛ ሃገር የተሓሳስብ። እዚ በዓልመዚ ብምውሳኽ ኣብ ከባቢታት ያምትላንድ ( Jämtland), ዳላርና (Dalarna), ቫርምላንድ (Värmland),  ቬስትራ ጎትላንድ (Västra Götaland), ካልማር (Kalmar),  ኦስተርጎትላንድ (Östergötland) och Gotland ከምእውን ኣብ ስቶኮልም (Stockholm) …

Read More »

ኣብ ሽወደን መጠነ ሞት ምንቊልቋሉ ተገሊጹ።

ሰሙናዊ መጠነ ሞት ሽወደን ከንቈልቊል ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ንቡር ደረጃ ምውራዱን ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣመልኪቱ። ክሳብ መወዳእታ ሰሙን ወርሑ ግንቦት ሓፈሻዊ ሞት 1524 እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ካብ ናይ ዓመታት 2015-2019 ዝነበረ ማእከላይ ገምጋም ዝትሕት እዩ ተባሂሉ። “እዚ ድሕሪ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ናይ ፈለማ ዝተሓተ ውጽኢት እዩ” ክብል ክኢላ ስታቲስቲክስ ቶማስ ጆሃንሰን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። ይዂንምበር ኣብ …

Read More »

ኣባል SD ዝኾነ ፖለቲከኛ ነቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ጸለምቲ “ኣህባይ” ክብል ጸዊዕዎም።

ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራት ንሓደ ኣብ ምምሕዳር ቦትሺርካ ዝርከብ ፖለቲከኛ ኣባሉ ካብ መዝነቱ ከምዝኣለዮ ሓቢሩ። ሰልፊ ስቬርያ፡ እቲ ፖለቲከኛ ነቶም ኣንጻር ዓሌትነት ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ጸለምቲ “ኣህባይ” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ፡ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዶ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ፖለቲከኛ ነዚ ዓይነት መጸውዒ ዝተጠቀመ ኣብ ዕጹው ናይ ፌስ ቡክ ግሩፕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዝተገብረ ቅቡል ዘይምዃኑን ሰልፊ ስቬርያ ድማ ነቲ ጉዳይ …

Read More »

ኣብ ንግዳዊ ማእከል ሺስታ ቶኹሲ ተሰሚዑ

ፖሊስ ስቶክሆልም ኣብ ንግዳዊ ማእከል ሺስታ ናይ ቶኽሲ ፍጻሜ ከምዝትኻየደ ሓበሬታ ምስ መጾ ብቕጽበት ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ብምልኦም ከምዘውጸኦም ሓቢሩ። እቲ ንግዳዊ ማእከል ብዓማዊል ኣዕለቕሊቑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ቶኽሲ ፍጻመ ከምዘጋጥመን ብዙሓት ሰባት ናብ ፖሊስ ከምዝደወሉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓንቲ ኣሃዱ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ከምዘላ ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ፡ ማትስ ኤሪክሰን፡ ቅድሚ ቅሩብ ንማዕከናት ዜና ሽወደን …

Read More »

ድሕሪ 34 ዓመት መዕረፊ ዝረኸበ ቅትለት መራሒ ሸወደን ኦሎፍ ፓልመ።

ዓርቢ ሰዓት 7:30 ድ.ቐ ከም ነፍሲ ወከፍ ካልእ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኦሎፍ ፓልመ፡ ካብ ስራሕ ናብቲ ኣብ Västerlånggatan 31 ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ተመለሰ። ድራሩ ድሕሪ ምብላዕን ውሑዳት ናይ ቴሌፎን ርክባት ድሕሪ ምክያዱን ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሊዛቤስ ፓልመ ተተሓሒዞም ካብ ገዛ ድሕሪ ምውጻእ ባቡር ተጠቂሞም ናብ ማእከል ከተማ ተጓዕዙ። ኣብ ከባቢ Rådmansgatan ወሪዶም ብጎደና Sveavägen ኣቢሎም ናብ ዓቢ ሲነማ ብእግሮም …

Read More »

ስምብራት ለበዳ ኮሮና ይንኪ ኣሎ ተባሂሉ።

ዋና ተጸዋዒ ሕማም ለበዳ ኮሮና መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ህላዌ ኮሮና ኣብ ሽወደን ይቕንጠጥ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ንሱ ጽዑቕ ክንክን ዝግበረሎም ሰባት እናነከዩ ምምጽኦም ብዓቢኡ ኸኣ መጠነ ሞት ሕሙማት ኮሮና ምንካዩ መርኣያ ናይዚ ምቕንጣጥ ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ ኣረዲኡ። ሎሚ በዚ ለበዳ ዝሞቱ ሕሙማት 23 ኮይኖም 791 ሓደስቲ ሕሙማት ተረኺቦም ኣለዉ። “ኣብ ቀረባ መዓልታት ብምኽንያት ምውሳኽ ቊጽሪ ተመርመርቲ ዝያዳ …

Read More »

ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ኣብ መንጎ እቲ ለበዳ ኢና ዘለና።

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝርከባ ኣሃዱ ጥዕና ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምህላወን፡ ብዙሓት ሕሙማት ሰባት ውን ኣብ ትሕቲ ሆስፒታላት ኮይኖም ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምምሕዳር ስቶክሆልም ጌና ኣብ መንጎ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና እያ ዘላ ክትብል ሓላፊት ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣና ስታርፕሪኒክ ገሊጻ። ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ካብ ዝጅምር ምሉእ ዓቕሚ ኣሃዱ ጥዕና ንሕሙማት ኮቪድ-19 ከገልግል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com