Friday , May 10 2024
Adam Ihse/TT)

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሽወደን ብዝኾነ ምኽንያት ዝግበር ምትእኽኻብ ክንክዮ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሽወደን ብሰንኪ ኮቪድ 19 ንምእካብ ሰባት ዝተነብረ እገዳን፣ ከምኡ እዉን ንምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ መኸተ፣ ምኽንያት ብምግባር ንዝተፈላለዩ ማሕበራዉን ፖለቲካዉን ምትእኽኻባትን ሰለማዊ ሰልፍታትን፣ ተባሂሉ ዝዋሃብ ፍቓድ፣ ክንክዮ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ንጸረ ዓሌትነት ምንቅስቓስ ተባሂሎም ዝተዋህቡ ፍቓዳት ሰለማዊ ሰልፍታት ካብ 50 ሰባት ዘይበዝሑ ክእከቡ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ፣ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፍታት ግን፣ ካብ ዝተፈቐደ ንላዕሊ ምእካብ ሰባት ተኸቲሉ፣ ኣብ ገለ ገለ ከተማታት ካብ ስነ ስርዓትን ሕግን ወጻኢ ጎነጽ ኣንጻር ፖሊስን ዕንወት ንብረት ህዝብን ከምዘስዓበ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ለበዳ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ካልእ ሽግራት ምፍጣር ጠቓሚ ከምዘይኮነ፣ ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ብዕግርግርን ምዕናዉ ንብረት ፖሊስን ህዝብን ከምዝተዛዘመ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com