Saturday , May 4 2024

ውህደት

ኣብ ከተማ ዮቶበሪ ንደገፍ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተኻይደ ሰልፊ ናብ ጎነጽ ኣምሪሑ።

ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ነቲ ብደረጃ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሂወት ጸለምቲ ዋጋ ኣሎዎ ብዝብል ምንቅስቓስ ዝካየድ ዘሎ ጸረ ዓሌትነት ኣድልዎን ዝዕላምኡ ሰለማዊ ሰልፍታት፣ ብምድጋፍ ኣቐድም ኣቢሉ ን50 ሰብ ጥራይ ተባሂሉ ዝተፈቕደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ስለዝተሳተፍዎ፣ ብመሰረት ሕጊ ፖሊስ ንምብታኑ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ናብ ግጭት ስለዘምርሐ ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ብዳርባ እምኒ ዝተሰነየ ግጭት ከምዝተኻየደ …

Read More »

ትማሊ ምሽት ኣብዝተኻይደ ክትዕ ሰልፍታት መንግስቲ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ።

መንግስቲ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ዝተጠቀመሉ ስትራተጂ ጉጉይ ከምዝነብረ ኣብ ናይ ትማሊ  ዝተገብረ ናይ መንግስትን ተቓወምትን ናይ ተሌቭዥን ክትዕ ብብርቱዕ ተነቒፉ። ሰልፍታት ተቓዉሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ክሪስ ደሞክራትን ሽወደን ደሞክራስን ብትርር ብዝበለ ቓና፣ መንግስቲ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምዉዓል ዝገበሮ ምንቅስቓስ ጠንቂ ሞትን ቁጠባዊ ክሳራታትን እዛ ሃገር ከጋጥማ ክኢሉ እዩ ብምባል ነቐፌተኦም ኣቕሪቦም። መራሒ መንግስቲ ሽወደን ነቲ ነቐፌታ …

Read More »

ሓጺር ዛንታ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም                                  ቐዳማይ ክፋል መንእሰያት ክምሃሩ ብምባል፡ ሓንቲ ሓፍትና ምሃሪ ዝኾነ ሓቐኛ ዛንትኣ የዕሊላትኒ ኣላ’ሞ፡ ናባዂም ከብሎ፡ “ነታ ዕለት እንክዝክር፡ ነብሰ ስጋይ ቅንጥጥ ኢሉ መልኣኸይ’ዩ ዝሃድም፡ ከም’ታ ዕለት ገይሩ ዘስካሕካሓኒ ኣጋጣሚ ፈጺም ኣይዝከረንን። ሰብ ወዲ ኣዳም ኮይኑ ክጋገ ንቡር’ዩ፡ እንታይ ዓይነት ጌጋ ይፍጽም ግና ክፈልጦን ክርድኦን ኣለዎ፡ ኣነ ዝፈጸምክዎ ጌጋ ድማ፡ ልክዕ ከም ሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና ዕምርኻ ኣሕጺሩ ዘልኣለም ዘጥፍኣካ፡ …

Read More »

ዮሃና ን ኩሉኹም ናይ ሎሚ ዓመት ካልኣይ ደርጃ (gymnasiet) ትምህርትኹም ብ ዓወት ዝዛዘምኩም፣ እንዃዕ ኣብቕዓኩም።

ኣልኮምፒስ ትግርኛ

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ SAS ናብ ከተማታት ማእከላይ ባሕሪ ዝገብሮ መገሻታት ዳግማይ ክጅምሮ እዩ።

ኣብ ወርሓ ሰነ ናይ ውሽጥን ኣህጒራዊን በረራታቱ ብፍላይ ድማ ናብ ኣውሮጳውያን ከተማታት ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጅምር መንገዲ ኣየር ስካንዲቭያ SAS ገሊጹ። እዚ ይዂንምበር ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ክውገዱ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ይገብር ምህላዉ ይፍለጥ። “ኲሎም ተጓዓዝቲ ምስ መምርሒታት ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደንን ካልኦት ከተግብሩ ከም ዝግባእ” በዓልቲ መዚ ፕረስ እቲ ኲባንያ ፍረያ ኣናማዝ ተላብያ ክብክ ኣገልግሎት ዜና TT …

Read More »

ንመሰል ቆልዑን ሕጻናትን ዝጣበቕ ትካል ሕጻናት ኣብ መባእታዊ ደረጃታት ሽወደን ዘሎ ኣሰራርሓ ይነቅፍ።

ንመሰል ቆልዑን ሕጻናትን ዝጣበቕ ትካል ሕጻናት ኣድሕን ማለት Rädda Barnen ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታዊ ደረጃታት ሽወደን ዘሎ ኣሰራርሓ፣ ብፍላይ ከኣ ንትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ዝምልከት ካብ ወጻእተኛታት ወለዲ ንዝዉለዱ ቆልዑ ብዝምልከት ዝግበር ምደባን ኣጸዋዉዓን ዓሌታዉነትን ኣድልዎን ዘንጸባርቕ እዩ ብምባል ድሕሪ ምንቃል ናብ ቤት ጽሕፈት ሰማዒ ጥርዓን ጉዳይ ኣድላዉነት ማለት diskriminering ombudsman። ክሲ ኣቕሪቡ። እቲ ትካል ንትሕዝቶ እቲ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

ዮሃና 6 ሰነ ሃገራዊ መዓልቲ ሽወደን!! Grattis Sverige nationaldag!!

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ድኻታትን ሃብታማትን

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ እንስሳታት ሃብታምን ድኻን የሎን ኪብሃል ይከኣል። ኩላቶም ሃዲኖም ይኹን ማእሪሮም ነተን ዝረኸቡወን በሊዖም እዮም ዚድቅሱ። ንጽባሕ ስለ ዘይሓስቡ፡ (ብዘይካ ገለ ውሑዳት ምግቢ ዝኽዝኑ ፍጡራት፡ ንኣብነት ከም ጻጸ፡ ንህቢ ወዘተ) ከምኡውን ንጽባሕ ኢሎም ስለ ዘየቐምጡ፡ ኣብ መንጎ እንስሳታት ናይ ሃብትን ድኽነትን ኩነታት ኪፍጠር ኣይከኣለን። ዝመናጠሉን ዝዝርፉን ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም፡ ግን ነቲ ዘለዎም ኪውስኹሉ ኢሎም ዘይኮነስ፡ ስስዐ ባህርያቶም ስለ …

Read More »

ሽወደን፡ ንናይ ህጻናት ክታበት ዝውዕል ተወሳኺ ገንዘባዊ ወፈያ ገይራ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህጻናት ናይ ክታበት ዕድል ንኽረኽቡ ብምባል፡ ሽወደን፡ ከም እንደገና ተወሳኺ ናይ 50 ሚልዮን ክሮነር ወፈያ ብምግባር ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ከተበርክቶ መዲባ ዘላ ናብ 350 ሚልዮን ክሮነር ክብ ከምዘበለቶ ሓቢራ። ብGavi ዝፍለጥ ናይ ክታበት ፕሮግራም፡ ንወሃብቲ ኣካላት ትማሊ ሓሙስ ዋዕላ ከምዝገበረ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ፕሮግራም ብኣህጉራዊ ዝኾነ ምትሕግጋዝ ናይተን ኣብ ው.ሕ.ሃ. ዝርከባ ውድባትን ውልቃያን ማሕበራት ዝቖመ ምዃኑ …

Read More »

ብ ደረጃ ፕሮፌሰርነት እተቘጽራ ደቀንስትዮ ብቚጽሪ ሒደት እየን ተባሂሉ።

ዳርጋ ኣብ ኲሉ ዓውዲታት ትምህርቲ ከም ፕሮፌሰራት ናይ ዝቚጸራ ደቀንስትዮ ቊጽረን እናንቈልቈለ ይመጽእ ምህላዉ ፓብሊክ ዝተባህለ መጽሔት ሓቢሩ። ሚኒስተር ማቲልዳ ኤርንክራንስ ብዛዕባዚ ጒዳይ ምሕዛናን ምስ ሰብ መዚ ክትዛተየሉ ምዃና እውን ተሓቢሩ። ንሳ እቲ ናይ ትምህርቲ ሸቶ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ምጒዳሉ ምጒሃያ፥ ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን ብዙሓት ደቀንስትዮ ብፕሮፌሰርነት ኣመሪቑ ንስራሕ የብቅዕ ምንባሩ ብምጥቃስ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዝጸንሐ ዝርግሐ ጀንደር ምዕሩይ ምንባሩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com