Tuesday , April 30 2024

ሓጺር ዛንታ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

                                 ቐዳማይ ክፋል

መንእሰያት ክምሃሩ ብምባል፡ ሓንቲ ሓፍትና ምሃሪ ዝኾነ ሓቐኛ ዛንትኣ የዕሊላትኒ ኣላ’ሞ፡ ናባዂም ከብሎ፡

“ነታ ዕለት እንክዝክር፡ ነብሰ ስጋይ ቅንጥጥ ኢሉ መልኣኸይ’ዩ ዝሃድም፡ ከም’ታ ዕለት ገይሩ ዘስካሕካሓኒ ኣጋጣሚ ፈጺም ኣይዝከረንን። ሰብ ወዲ ኣዳም ኮይኑ ክጋገ ንቡር’ዩ፡ እንታይ ዓይነት ጌጋ ይፍጽም ግና ክፈልጦን ክርድኦን ኣለዎ፡ ኣነ ዝፈጸምክዎ ጌጋ ድማ፡ ልክዕ ከም ሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና ዕምርኻ ኣሕጺሩ ዘልኣለም ዘጥፍኣካ፡ ናተይ ድማ ከምኡ’ዩ፡ ግና እቲ ዘጋጠመኒ ብጠንቐይ ዝመጸ መዘዝ፡ ንህይወተይ ዘይኮነ ለኪሙ ዕድለይ’ዩ ኣባላሽዩ፡ ዘይምለስ ዕድለይን ዕድል ደቐይን ንንፋስ ቃሊዑ፡ ዘርሞ ዘርሞ ኣትሪፉኒ። ሓደ ሰብ ብዘይ ርድኢት ጌጋ ክፍጽምን ይቕረ ክብሃለሉን ንቡር’ዩ፡ ተደጋጋምን ዘይምሃረሉን እንተኾይኑ ግና ድሕሪት’ዩ ዝተርፍ፡ ኣነ ድማ ግዳይ ናይ’ዚ እየ። ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝምለስ ዛንታ’ዩ ዘለኒ፡ ብሰንኪ ጽጋበይ ዝመጸ ጸገም፡ ንሓደርይ ዘርሞ ዘርሞ ኣእትዩ ድማ፡ ሰንፈላል ገይሩኒ፡ ጽቡቕ ሓዳር’ዩ ነይሩኒ፡ ሰብ ዘዛርብ ከማን፡ ሩፍታ ዝዓሰሎ፡ ኣብ ምክብባር ዝተሰረተን፡ ብእምነት ዝተኸበን ሓዳር፡ ግና. . .። ኣነ ኣይሓለኽዎን ኣይተኻናኸንክዎን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰንኪ እታ መዘዘኛ ዕለት፡ ነገራት ከም ዘብቕዕ ገይረዮ። ናብዚ ኹሉ ኣውዲቓትኒ ዘላ ዕለት ብልክዕ ዝርስዓ ኣይኮንኩን፡ ዕለት 31 ታሕሳስ 2015 ድሮ ሓድሽ ዓመት። እዛ ዕለት ዘይርስዓላ ኣብነት ኣላ፡ ካብ ሓዳረይ ፈልያ ንቓልዕ ዝሃበትኒ ብምኻና፡ ዋላ’ኳ እቲ ጠንቒ ቅድሚ’ዛ ዕለት እንተነበረ፡ ኣብ’ዛ መዓልቲ ግና ኩሉ ነገራት ተቐያይሩ መኣዝኑ’ዩ ስሒቱ፡ ብሰንኪ’ቲ ሕቡእ ባህርያተይ፡ ተጠጂኡ ዝነበረ ኣካይዳይ ተቓሊዑ ናብ እዝኒ ኩሉ በጺሑ፡ ሓዳርይ ድማ. . .” ብምባል’ያ ዛንትኣ ክትጸውየለይ ጀሚራ። ህድእ ዝበለ ኣዘራርባ ትውንን ብምኻና፡ ምስ ዜማ ዝትሓዎሶ ዝመስል ኣደማምጻ ተደሚሩ ልብኻ’ዩ ዝሰልበካ ዕላላ። 

 ብንያም ብዝብሃል ሰብ’የ ተላልየያ፡ እቲ ሰብ ንሕሉፍ ምንባር ህይወታ ባዕላ ምስ ኣዕለለቶ’ዩ፡ ምሳይ ብቖጸራ ኣራኺብዋ፡ እቲ ንሳ ዝሓለፈቶን ዝፈጸመቶን ንብዙሓት ክምህርን ክምዕድን ይኽእልን’ዩ ኢለ ምስ ኣመንኩ’የ ድማ ምስኣ ክራኸብ ቆጸራ ዝሓዝኩ። ብመሰረት ቖጸራና ድማ ኣብ ስዓታት ቅድሚ ቐትሪ ተራኺብና ዘውጋዕና፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ዕላላ ልብኻ ጠልጠል ዘብል ፍጻሜ ኢኻ ተስተማቕር፡ ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ተገሊጹ ዘሎ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ጉዕዞ. . .። ብፍላይ ነታ ንሳ መዘዛኛ ዕለት ኢላ  እትገልጻ ፍጻሜ ምስ ኣዕለለትኒ፡ ሓሳበይ ኣብ ክልተ ቀራና መንገዲ’ዩ ተኸፋፊሉ፡ ነታ ‘መዘዘኛ ዕለት’ ብምባል ዝሃበታ ስያመ ቅንዕቲ ብሂል ድያ ኣይኮነትን ኣብ ሓደ መደምደምታ ክበጽሕ ተጸገምኩ፡ ኣንባቢ ናይ’ዚ ዛንታ ናቱ መደምደምታ ክህበሉ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ኣነ ግና ነታ ‘መዘዘኛ ዕለት’ እናበለት እትገልጻ ፍጻሜ፡ ዋጋ ሓጥያታ ዝረኸበትላ ዕለት’ያ ዝብል መደምደምታ ክህበላ ምኽኣልኩ፡ ሓደ ሰብ ካብ ሰባት ተሓቢኡ ብዙሕ እዋን ክጋጊ ይኽእል ይኸውን፡ ግዜ ዘየቓልዖ ሚስጥር ከም ዘየለ ግና፡ ናይ’ዛ ጓል ሄዋን ሓደ ኣብነት’ዩ፡ ንጌጋኻ ብዕለት ኣመኽኒኻ ምሽፋን ግና. . .። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕላላ፡ ልቢ ዝትንክፍ ናይ ጣዕሳ ምልክት’የ ኣንቢበላ፡ ጣዕስኣ ግና ኪኖ ‘ዝፈሰሰ ነይሕፈስ’ ዝብል ብሂል ካብ ምዝኽኻር ሓሊፉ፡ ንጣዕሳኣ ሓኺኹ ናብ ምሕረት ዝእውጅ ኣይነበረን፡ ሕሉፍ ንመጻኢ ምሃሪ ብምኻኑ ግና፡ ነቲ ተጣዒሳ ክትመልሶ ዘይክኣለት ፍጻሜ፡ ተምሳላ ኣብ ዝኾነ ወዲ ሰብ ክድገም ዘይትደልዮ ብምኻና’ያ፡ በዚ ምኽንያት’ያ ስባት ክምሃርሉ ብምውሳን ክጽሕፎ ፍቓደኛ ዝኾነት. . .።

                             *         *        * 

 ሄለን ግርማይ’ያ ትብሃል፡  ካብ’ታ ሰለሰት ውላድ ዘለውዋ ስድራ እንዳ ኣቶ ግርማይ ተኽለ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንሳ’ያ። ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ኣወዳት የሕዋታ፡ ምንኣስ ቦኽርን ምዕባይ ሕሳስልደን ኮይና፡ ከም እንኮ ጓል ሄዋን፡ ኣብ ገዝኣ ካብ ህጻና ጀሚራ’ያ ብልዑል ክንክን ወለዳን ኣሕዋታን ክትንቕቕ ዝኽኣለት። ዋላ’ኳ ዝተወልደትሉ ዓመተ ምህረት 1982 መግዛእቲ ዝፈጠሮ ጽንኩር መንብሮ፡ ከም ኩሉ ስድራ፡ ንስድራ ኣቶ ግርማይ’ውን እንተጸለዋ፡ ንጓሎም ሄለን ግና፡ ዝገድፉ ገድፎም’ዮም ዝከናኸንዋ ነይሮም። ኣቦኣ ኣብ ከባቢ ሹቕ ንእሽተይ ፍርያት ኣሕምልቲ እትሸይጥ ድኳን ብኽራይ ዝሓዝዋ ስለ ዝነበረቶም፡ ወፊሮም ድራር እለቶም ዝስእኑ ኣቦ ኣይነበሩን። ኣዲኣ ግና፡ ስራሕ ገዛ ገጥ ኣቢልካ ካብ ምሓዝ ወጻኢ፡ ዋላ ሓደ ስራሕ ኣይነበረንን።

   ሄለን፡ ከም ኩሎም መሳትኦ ህጻናት፡ ኣብ’ቲ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ገዛውታ ማይ ተመናይ፡ ናይ መሳቱኣን መታዓቢታን ፍቕሪን ጸወታን እናስተማቐረት ድሕሪ ምዕኻኻ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድሜኣ ምስ ኣኸለ፡ ብቐጥታ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰላም ብምምራሕ’ያ ናይ ቐዳማይ ክፍላ ትምህርታ ኣሃዱ ኢላ ዝጀመረት። ምዕባይ ሓዋ ኣብ ትምህርቲ ካብ ፈለማ ግዱስን ብመንፍዓቱ ዝልለ ብምንባሩን፡ ንሓፍቱ ሄለን ክጸልዋን፡ ናቱ ጽልዋ ክተሐድርን ሓጊዝዋ’ዩ፡ በዚ ምኽንያት ተደሪኻ’ያ ድማ ካብ ፈለማ ኣብ ትምህርቲ ክትግደስን፡ ካብ ምፍላም ትምህርታ ጸብለለ ብምባል፡ ካብ ቐዳማይ ክፍሊ ጀሚራ ሽልማት ክትወስድ ዝጀመረት። በዚ ተስፋ ዝህብ ኣካይዳ ዝተሓጎሱ ወለዳ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ከም እንኮ ጓል ኣንስተይቲ እቲ ስድራ ዝገብሩላ ዝነበሩ ሓለፋ፡ ብውጽኢት ትምህርታ ተተባቢዖም እግሪ እግራ ብምኻድ ከሳልይዋ ብምጅማሮም፡ ንዓ’ውን ዝያዳ ፍናን ኮና፡ ህጻናዊ ተወዳዳርነታ ከይነከየ ድማ፡ ናይ መባእታ ትምህርታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኣብ ዘሎ ደረጃ እናሓዘት ካብ ክፍላ ብጸብለልታ እናሰገረት፡ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርታ ዛዚማ፡ ምስ’ቲ እናሓደረ ከም ወርሒ ዝደምቕ ዝነበረ መንፍዓት ትምህርታ፡ ድምቐቱ ከይነከየ፡ ናብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማርቲን ሉቶር ተሰጋገረት።

 ሄለን፡ ኣብ ስራሕ ገዛ’ውን ማዕረ ወላዲታ ትሳተፍን፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ብወላዲኣን ኣሕዋተን ዝፍጸም ትእዛዝ፡ ብዘይ ነግ ፈረግ ትምእዘዝ ብምንባራ፡ ብኹሎም ስድራ ፍትውቲ ነበረት። ምርቓ ወለዳን፡ ወትሩ ጽላል ዝኾንዋ ኣሕዋታን ድማ ኣብ ምዕዋት ትምህርታ ሓጋዚ ነበረ። እዚ ምስጉን ጠባይ ኣብ ገዝኣን ከባቢኣን እናንጸባረቐት’ያ ድማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝሓለፈ ብሉጽ ውጽኢት እናመዝገበትን ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣብነት እናተጸውዐትን፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ ዝሰገረት። ኣብ’ዚ ደረጃ ምስ በጽሐት ግና ንእስነት’ዚ መንቐሊኡ ዘይንቡር ጠባያት ከተንጸባርቕ ጀመረት፡ ናይ ሻሙናይን ታሽዓይን ክፍሊ ትምህርታ ምስ መንፍዓታ’ኳ እንተዛዘመቶ፡ ድሕሪ’ዚ ግና ናይ ተወዳዳርነት መንፈሳ ባይታ ዘቢጡ፡ ናብ ነበረ ተቐየረ፡ ኩሉ ፈላጢኣ ድማ፡ ብኣኣ ጥራይ ኮነ ዘረባኡ. . .። እቲ ሓደገኛ ጒዕዙኣ ድማ ካብዚ’ዩ ዝጅምር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com