Friday , May 10 2024
STOCKHOLM 2019-05-21 Markbrand i Stortorp i sˆdra Stockholm. ÷ver 30 mark- och skogsbr‰nder har Storstockholms brandfˆrsvar ryckt ut p under det senaste dygnet. Foto: Tomas Oneborg / SvD / TT / Kod: 30142 ** OUT DN, Dagens Industri (‰ven arkiv) **

ሓደጋታት ባርዕ ጫካ ክኽሰት ስለዝክእል ሰባት ዝያዳ ጥንቓቅር ክገብሩ ይሕበር፣ ምምሕዳር ስቶክሆልም ግርል ምግባር ይእግድ።

በዚ ኣብ መላእ ሽወደን ተኸሲቱ ዘሎ ስጋብ 25 ድ.ሴ ዝዓቀኑ ሙቐት፣ ኣብ ደቡባውን ማእከላይ ክፋል እዛ ሃገር ተክእሎ ባርዕ ጫካ ኣዝዩ ልዑል ስለዝኾነ ዝኮነ ሰብ ዝያዳ ጥንቓቐ ክገብር በዓል መዚ ሜትሮሎጂ እዛ ሃገር የተሓሳስብ።

እዚ በዓልመዚ ብምውሳኽ ኣብ ከባቢታት ያምትላንድ ( Jämtland), ዳላርና (Dalarna), ቫርምላንድ (Värmland),  ቬስትራ ጎትላንድ (Västra Götaland), ካልማር (Kalmar),  ኦስተርጎትላንድ (Östergötland) och Gotland ከምእውን ኣብ ስቶኮልም (Stockholm) ክክሰት ዘሎዎ ትኽእሎ ኣዝዮ ልዑል ብሙኻኑ ይሕበር።

በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ካብ ሎሚ ሓሙስ ፍርቂ መዓልቲ 12.00 ጀሚሩ ስጋብ ኣብ ጫካታት ኮነ ካብ ገዛኻ ወጺካ ዝግበር ሓዊ ምእጛድ ወይ ግሪል ክልኩል ሙኻኑ ተሓቢሩ።

ንተውስኪ ሓበሬታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድሕሪ ገጽ ወይ ወብሳይት ኣቲኹም ናይ ትነብሩሉ ኮሚን ዝሰፈሮ ድንጋገታት ክትውከሱ ትኽእሉ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com